ገለ ነጥብታት ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጣየስ ሓድሽ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ

ምንጪ ስእሊ, HoPR/fb
ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ረቡዕ 20 ታሕሳስ 2019 ዘጽደቖን ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክዝረብ ዝጸንሐን 'ሃገራዊ ዘተ ኮሚሽን ኢትዮጵያ' መዘራረቢ ኾይኑ ቀንዩ እዩ።
ክልተ ግዜ ምምሕያሻት ተገይርሉን ርእይቶታት ቀሪብሉን ሕዚ እቲ ባይቶ ናብ ግብሪ ክኣቱ ከምዘጽደቖ ይግለጽ።
ብዛዕባ፤ እቲ ኣዋጅ ብሚኒስትር ፍትሒ ተነዲፉ፡ ብባይቶ ተወከልቲ ጸዲቑ ናብ ግብሪ ንክኣቱ ኣብ ምድላዋት ዝርከብ ሓድሽ ኮሚሽን ገለ ነጥብታት ክንርኢ።
ሽመት ኮሚሽነራት
ኣብ ናይ መጀመርታ ረቂቕ ኮይኑ እንትቐርብ ሸውዓተ ኮሚሽነራት ከምዝህልውዎ ዝተገልጸ ኾይኑ፡ ኣብቲ ቀጺሉ ንቤትምኽሪ ሚኒስትራት ዝቐረበ ረቂቅ ብዝሒ እቶም ኮሚሽነራት ናብ 11 ሓፍ ከምዝበል ተገይሩ እዩ።
ከምኡ'ውን እቲ ናይ መጀመርታ ሰነድ፡ ሚኒስትር ሰላም ካብ ህዝቢ፣ ካብ ውድባት ፖለቲካን ሲቪል ማሕበራትን ጥቆማ ብምቕባል ንቀዳማይ ሚኒስተር ከምዘቕርብን ንሱ ድማ ብወገኑ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪቡ ክጸድቁ ከምዝገብር ዝገልጽ እዩ ነይሩ።
እንተኾነ እቲ ብቐዳማይ ሚነስተር ኣቅራቢነት ይሽወሙ ዝብል ኣገባብ ቅርታ ስለዝቐረበሉ፤ ኣብቲ ዝጸደቐ ሰነድ ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ጥቆማታት ከምዝቅበልን ናብ ባይቶ ተወከልቲ ከምዘቕርብን እዩ ዝገልጽ።
"ምኽንያቱ ጥቆማታት እቶም ሕጹያት ምቕባልን ተቐቢልካ ክጸድቁ ምግባርን ናይ ኣፈ ጉባኤ ስልጣን እዩ፤ እቲ ኮሚሽነ ዘይሻራዊነቱ ክሕሉ ድማ ይጠቅም እዩ" ዝብል ሓሳብ ሰፊርሉ ይርከብ።
ኣብቲ ናይ መጀመርታ ረቂቕ ንቀዳማይ ሚኒስተር ተዋሂቡ ዝነበረ ስልጣን'ውን ኣብ መወዳእታ ውድቂ ተገይሩ ናይቲ ኣፈ ጉባኤ ስልጣን ክኸውን ከምዝተገብረ ይግለጽ።
መሰላት እቶም ኮሚሽነራት
በቲ ኣዋጅ ኣንቀጽ 15 መሰረት ብኮሚሽነርነት ዝሽወሙ ሰባት ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ረኺቦም ኣለዉ።
ናይቶም ኮሚሽነራት ደመወዝን ጥቕማ ጥቕምን ድማ፤ ንላዕለዎት ሰብ ስልጣናት ብዝተፈቕደ መሰረት ከምዝወሃቦም ኣብቲ ኣዋጅ ሰፊሩ።
ኣብቲ ናይቲ ኮሚሽን ስራሕቲ ድምጺ ናይ ምሃብን ንስረሖም ዘድልዩዎም መዛግብትን ሰነዳትን ኣገላቢጦም ናይ ምርኣይ መሰል ኣለዎም።
በስረሖም ዝረኸብዎ ሚስጢር ናይ ምሕላይ ግቡእነት ከምዘለዎም ድማ እቲ ኣዋጅ ይሕብር።
ስራሕቲ እቲ ኮሚሽን
እቲ ኮሚሽን ባጀት ካብ መንግስቲ ምምሕዳር ፋይናንስ ከምዝረክብን ኣብ መዓሉ ናይ ምውሳን መሰል ከምዝህልዎን ተጠቒሱ ይርከበ።
እቶም ኮሚሽነራት ኣባል ዝኾንሉ ቤት ምክሪ ሓፈሳዊ ስራሕቲ እቲ ኮሚሽን ዘከናውን እዩ ዝኸውን።
እቲ ቤት ምክሪ፤ ኣጀነዳታት ምምራጽ ፤ ካብ ህዝቢ ሓሳባት ምቅባልን ንምንቅስቓስ እቲ ኮሚሽን ዝሕግዙ ደንብታትን መምርሕታትን ምውጻእ ሓዊሱ፡ ምምሕዳራዊ ተግባራት ብላዕሊ ኯይኑ የፈጽም ይብል።
ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዝንጸባረቑ ኣፈላላያት ምኽንያቶም ብምንጻርን ንዘተ ክቐርቡ ዝኽእሉ ርእሰ ጉዳያት ዝመርጽን እዚ ኣካል ከምዝኾነ'ውን ተሓቢሩ ኣሎ።
ከምኡ'ውን እዞም ኣርስተ ጉዳያት መበገሲኦምን ንምፍላጥ ዝካየዱ ሃገራዊ ዘተ ንምክያድ ዘኽእል መስርሕ'ውን ይዝርግሕ ተባሂሉ።
እብረ ስልጣን እቲ ኮሚሽን
እቲ ኮሚሽን ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ዕድመ ዝህልዎ ኾይኑ ከከምኣድላይነቱ ብባይቶ ቤት ምክሪ ዕድሚኡ ክናዋሕ ከምዝኽእል ኣብቲ ሰነድ ተገሊጹ ኣሎ።
ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኾይኑ ኣብ ክልላት ጨንፈር ቤት ጽሕፈታት ክኸፍት ከምዝኽእል'ውን ይገልጽ።
ስልጣን እቲ ኮሚሽን
ቅድሚ ሕዚ ብመንግስታዊ ኮነ መንግስታዊ ብዘይኮነ መገዲ ዝተገብሩ ዘተታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ንዝካዱ ሃገራዊ ዘተታተት ከም እታወት ገይሩ ከምዝጥቀም ተሓቢሩ ይርከብ።
ልሂቃናትን ካልኦት ተወከልቲ ማሕበረሰባትን ብምፍላይን ዘተተታት ንምስላጥን መድረኻትን ይውስን።
እቲ ኮሚሽን ተወከልቲ ናይ ምምራጽን እቶም ዝካየዱ ዘተታት ናይ ምምራሕን ስልጣን ይህለዎ ተባሂሉ።
ከምኡ'ውን ካብቶም ናይ ዘተ መድረካት ዝተረኽቡ ውጽኢታት ንመንግስቲ ጸብጻብ ናይ ምቕራብ ግቡእነት ኣለዎ ተባሂሉ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







