'መንግስታት ፌደራልን ትግራይን እንተፍቂዶም ክዓርቆም'የ'፡ ኮሚሽን ዕርቅን ሰላምን

ምንጪ ስእሊ, BBC/Getty Images
ኮሚሽን ሰላምን ዕርቅን፡ መንግስታት ፌደራልን ትግራይን ንዘተ ፍቓደኛታት እንተኾይኖም፡ ንምትዕራቕ ድልዊ እየ ኢሉ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ንዝተፈጥሩ 21 ጎንጺታት የጽንዕ ከም ዘሎ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ምኽትል ኣደ መንበር እቲ ኮሚሽን የትነበርሽ ንጉሴ፡ "እቶም ዝተፈጥሩ ግጭታት ብመልክዕ ቅምሶ ብምውሳድ ከመይ ክንፈትሖም ንኽእል ኣብ ዝብል፡ እቲ መበገሲ ዝኾን ናይ ምጽራይ ስራሕቲ ንሰርሕ ኣለና" ኢላ።
እዞም ንዕርቅን ሰላምን ኣጸገምቲ'ዮም ዝተባህሉ 21 ጎንጺታት ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት እታ ሃገር ዝተፈጥሩ ምዃኖም'ውን ተዛሪባ።
ካብዚኦም ገሊኦም ዳግም እናተልዓሉ ምኽንያት ሞት ይኾኑ ኣለው ዝበለት የትነበርሽ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ምስ ዝተወጻጽኡ ዓበይቲ ዓዲ ከም ዝዝተየሎም ሓቢራ።

ምንጪ ስእሊ, office of Tigray president
ጉዳይ መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ዕርቅን ሰላምን ካርዲናል ብርሃነ እየሱስ ሱራፍኤል፡ ኣብቲ ቅድም ከም ሽማግለ ሃገር ናብ ትግራይ ከይዶሙሉ ዝነበሩ እዋን "ከይድና ክንሓቶም ከለና ድሉዋት ኢና ይብሉና፤ ኣመራርሓ እቲ ክልል'ውን ንዘተ ድሉዋት ኢና ይብሉና። መድረኽ ዘተ ኣዳሊና ኣለና ክንብሎም ከለና ግን ዘቐምጡዎ ቅድመ ኹነት ኣሎ" ክብሉ ተዛሪቦም።
ብኻልእ ወገን ምኽትል ኣደመንበር የትነበርሽ ብወገና "ንዓና ክልቲኦም መንግስታት ቅቡልነት ኣለዎም'ዩ" ኢላ።
ግን ድማ "ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘጋጥም ጸገም ምፍታሕ ናይቲ ኮሚሽን ሓላፍነት ኣይኮነን" ብምባል፡ "ከም ሓደ ወገን ግን ክልቲኦም ብህድኣት ንክዘራረቡ ክንሓቶም ኢና" ኢላ።
ክልቲኦም ኣካላት ንክዛተዩ ድማ ዘይሻራዊ ኣካል ዘድሊ እንተኾይኑ እቲ ኮሚሽን ቅሩብ ከም ዝኾነ ሓቢራ።
ካልኦት ጉዳያት
ኣብታ ሃገር ዕርቅን ሰላምን ከም ዘድሊ ዘመላኽቱ ነገራት እንተሃለው'ውን፡ ሰላም ብዘይምህላዩ ኣብ ስርሖም ጸቕጢ ይፈጥር ምህላው እትጠቅስ የትነበርሽ ንጉሴ፡ መንግስቲ ዕለታዊ ሰላም እቲ ህዝቢ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከም ዘለዎ ገሊጻ።

ኣብዚ ዓመት፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት መድረኻት ዘተ ከም ዘካየዱ ብምዝኽኻር፡ ምስ መናእሰይ ብሓባር እናሰርሑ ብምጽንሖም ኣብ ዝቕጽሉ ግዜያት ፎረም ዕርቂ መናእሰይ ኢትዮጵያ ከም ዝጣየስ ተዛሪባ።
ብኻልእ ወገን፡ ኮሚሽን ዕርቅን ሰላምን ንስራሕ ንክዳሎ ካብ መንግስትን ካልኦት ኣካላትን እኹል ግዜ ከም ዘይተውሃቦ ዝጠቐሰት ኮይና፡ እዚ ኣብቲ ዝሰርሑዎ ስራሕ ጸገም ይፈጥር ኣሎ ኢላ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያ ሰላም፣ ፍትሒ፣ ሓድነትን ብሄራዊ ምርድዳእን ክመኡ'ውን ዕርቂ ንክመጽእ ብዝብል ብ2011 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ዝተጣየሰ ኮሚሽን እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







