ለማ መገርሳ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ጎሊሑ ዝተርኣየሎም ኣጋጣሚታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ሰሙን ካብ ሚኒስተር ምክልኻል ሓላፍነቱ ዝተኣለየ ኣቶ ለማ መገርሳ፡ ኣብ ዝተፋለለየ እዋናት ኣፈ-ጉባኤ ጨፌ ኦሮምያ፣ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ከምኡ እውን ድሕሪ እቲ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝተገበረ ለውጢ ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ፡፡
መጽሄት 'ዘ ኢኮኖሚስት' ኣብ 2018 ''ኣዝዩ ፍሉጥ ፖለቲከኛ'' ክብል ካብ መንጎ ዝመረጾም'ዩ።
ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ጥቡቕ ዕርክነት ዝነበሮ ለማ መገርሳ፡ ሓደ እዋን ኣብ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ቀሪቡ ንኽልቲኦም ዝፈልዮም ሞት ጥራሕ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ ነይሩ፡፡
አቶ ለማ መገርሳ፡ ውህደት ኢህወዴግ ምቅዋሙን' ፍልስፍና' እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተባሂሉ ንዝንገር ምድማር ከም ዘይቕበሎ ኣብ ሚድያ ምዝራቡ ስዒቡ ግን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ግልጺ ዝኾነ ፍልልያት ክረአ ጀሚሩ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደምቢ ውድብ ብልጽግና ጥሒስካ ተባሂሉ ምስ ካልኦት ክልተ ሰባት ካብ ኣባልነት እቲ ውድብ ዝተኣለየ ኣቶ ለማ፡ ቐጺሉ'ውን ካብ ሚኒስተር ምክልኻል ሓላፍነቱ ተላዒሉ ኣሎ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምብራቕ ወለጋ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣቶ ለማ፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተርኣየ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ዝነበሩ እዋናት ኣዝዩ ኣዘራራቢ ዝነበረ ፖለቲከኛ ኮይኑ፡ ''ክትበታተን ቀሪባ ዝበረት ሃገር ሓድነታ ሓልያ ክትቅጽል ዝገበረ ሰብ እዩ'' እውን ተባሂሉ ተወዲሱ'ዩ።
ንምዃኑ እቲ ወዲ 44 ዓመት ፖለቲከኛ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ጎሊሑ ክርአ ዝገበሩዎ ኣጋጣሚታት ኣየኖት እዮም?
''ማስተር ፕላን''
ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 2008 ዓ.ም ዝተዋደደ ማስተር ፕላን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምቅዋም ኣብ መላእ ኦሮምያ ተቓውሞ ተላዒሉ ነይሩ።
እዚ ማስተር ፕላን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝርከቡ ከባቢታት ኦሮሚያ ኣብ ልምዓት ዝሓቁፍ እዩ ዝብል ካብ ወገን መንግስቲ ዝቐርብ ሓበሬታ'ኳ እንተነበረ፡ ብዙሓት ተወለድቲ ኦሮሞ ግን ኣይኣመኑሉን።
ኣብቲ እዋን ኣፈ-ጉባኤ ክልል ኦሮምያ ዝበረ ኣቶ ለማ መገርሳ ነቲ ተቓውሞ ንምህዳእ ናብ ከተማ ቡራዩ ተጓዒዙ ምስ ነበርቲ ተዘራሪቡ፡፡
ሽዑ እቲ ማስተር ፕላን ህዝቢ እንድሕር ዘይተቐቢሉዎ ክተርፍ ዝኽእል ትልሚ ከም ዝኾነ ይገልጽ።
ኣቶ ለማ ሰበ ስልጣን ፌደራል እቲ ትልሚ ከም ዘይተርፍ ኣብ ዝዛረብሉን ሰበ ስልጣን እቲ ክልል ድማ ንህዝቢ ከእምኑ ኣብ ዝተጸመዱሉ እዋን እዩ ''እቲ ማስተር ፕላን ህዝቢ እንተዘይደልዩዎ ክተርፍ እዩ፤ ካብ ሰማይ ዝወርድ ነገር የለን'' ዝብል ዘረባ ዘስመዐ፡፡
ብወርሒ ጥሪ 2008 ዓ.ም፡ ውድብ ኦህዴው [ናይ ሕጂ ሽሙ ሰልፊ ብልጽግና ኦሮሚያ] ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ኦሮምያ ተግባራዊ ከም ዘይግበር ወሲኑ፡፡
ቀጺሉ ድማ ኣቶ ለማ ፕረዚደንት እቲ ክልል ኮይኑ ተሸይሙ፡፡

ምንጪ ስእሊ, ADDISU AREGA KITESSA/FACEBOOK
ጋንታ ለማ 'ቲም ለማ'
ለማ መገርሳ፡ ኣቦ መንበር ናይቲ ክልል ኦሮምያ ዝመርሕ ዝነበረ ኦህዴውን ፕረዚደንት እቲ ክልልን ኮይኑ ምስ ተሸመ ሓቢሮምዎ ዝሰርሑ ሰባት መልሚሉ፤ እዚ 'ቲም ለማ' ዝብል መጸውዒ ተዋሂቡ ብብዝሒ ይዝረበሉ ነይሩ።
እቲ ጋንታ ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት ናብ መንግስቲ ብምቕራብ ፍታሕ ንምሃብ ይጽዕር ነይሩ ይብሃል።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እውን ኣብታ ጋንታ ዓብዪ እጃም ነይሩዎ፡፡
ኣብቲ እዋን እዩ ድማ ኦህዴው ኣብ ታሪኹ ንፈለማ እዋን ኦሮምኛ ናይ ስራሕ ቋንቋ ፌደራል ንምግባር ክቃለስ እየ ዝበለ፡፡
ቀጺሉ፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ እሱራት ብምፍትሑ እቲ ውድብ ኣብ ኦሮምያ ዝነበሮ ተቐባልነት ንክውስኽ ሓጊዝዎ፡፡
ኣብ ድሮ እቲ ለውጢ፡ ኣብ ዶብ ክልላት ኦሮምያን ሶማሌን ተፈጢሩ ዝነበረ ጎንጺ ንኦህዴው ጸቕጢ ካብ ዝፈጠርሉ ኩነታት ሓደ እዩ፡፡
ጨለንቆ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብዝተፈጠረ ጎንጺ 16 ሰባት ምስ ተቐተሉ ኣቶ ለማ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ብምቅዋሙ ብዙሕ ድጋፍ ረኺቡ።
ኣብቲ እዋን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ኣፍልጦ እቲ ክልል ወጻኢ፡ ናብቲ ክልል ብምእታው ፈጺምዎ ንዝተባህለ ቅትለት እውን ብግልጺ ነቒፉ ነይሩ፡፡

ምንጪ ስእሊ, ADDISU AREGA KITESSA/FACEBOOK
''ጎይታና ህዝብና''
ኦህዴው መበል 27 ዓመት ምስረታ እቲ ውድብ ብ4 ጥሪ 2008 ዓ.ም ኣብ ዝኽበረሉ እዋን፡ ኣቶ ለማ ንኣባላት ኣብ ዘስመዖ መደረ ''ጎይታና ህዝብና እዩ፤ ናይ ክልልና ህዝቢ እዩ፡፡ ንኻልእ ጎይታ ክንሰግድ የብልናን'' ኢሉ ተዛሪቡ።
እቲ ዘረባ፡ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኦህዴው ዝነበሮ ልዕልነት ዝሰበረ ከም ዝኾነ እዮም ገለ ነቲ ውድብን ፖለቲካ እታ ሃገርን ዝፈልጡ ሰባትን ዝዛረቡ፡፡
ዶክተርር ሄኖክ ገቢሳ ''ህዝቢ ተስፋ ስኢኑሉ ዝነበረ ኦህዴው ተስፋ ክዘርኣሉ ዝገበረ መደረ እዩ'' ብምባል ይገልጾ፡፡
''ኢትዮጵያዊነት ወልፊ እዩ''
ካብ ጽባሕ ለውጢ ጀሚሩ ንተኸታታሊ እዋን ኣቶ ለማ ኣብ መላእ ኦሮምያ ዓብዪ ተቐባልነት ረኺቡ። ቀጺሉ ብዝገበሮ መደረታት ድማ ኣብታ ሃገር ፈጣሪ ጽልዋ ንክኸውን ሓጊዙዎ።
ርክብ ህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራን ንምድልዳል ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ''ኢትዮጵያውነት ወልፊ እዩ'' ዝብል ዘረባ ብዙሓት ከም ዝፈተዉሉ ይዝረብ፡፡
ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ስልጣኑ ብፍቓዱ ድሕሪ ምግዳፉ ክትክኡዎ ትጽቢት ካብ ዝተገብረሎም ሰባት ሓደ ለማ እዩ እዩ ነይሩ፡፡
ሸገር ታይምስ ዝተብሃለ ሓደ መጽሄት ድማ፡ ኣብ እዋን ጸገም ንኢትዮጵያ ከሳግራ ዝኽእል ''ሙሴ'' ክብል ገሊጽዎ ነይሩ፡፡

ምንጪ ስእሊ, SHEGER TIMES
ስልጣን ኣሕሊፍካ ምሃብ
ኣብ ጥሪ 2010 ዓ.ም ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዘይረአ ነገር ኣብ ኦህዴው ተራእዮም፡፡
ኣብቲ እዋን እታ ሃር ኣትያቶ ካብ ዝነበረት ፖለቲካዊ ቅልውላው ከውጽኣ ከም ዘይክእል ዝተረደአ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብፍቓዱ ክወርድ እንከሎ ዋላ'ኳ ኣባል ቤት ምኽሪ ፌደራል እንተዘይኮነ፡ ለማ መገርሳ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ከም ዝኽል ተገሚቱ ነይሩ፡፡
ኮይኑ ግና ኣቶ ለማ፡ እቲ ዕድል ኣባል ፓርላማ ፌደራልን ምክትል ኣቦ መንበር ኦህዴድን ንዝነበረ ኣብዪ ኣሕመድ ብምሃብ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኣቦ መንበር ኦህዴድ ከም ዝኸውን ብምግባሩ ንብዙሓት ኣገሪሙ እዩ፡፡
እዚ ድማ ኣብዪ ኣሕመድ ኣቦ መንበር ኢህወዴግ ንክኸውንን በቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንክኸውንን ወሳኒ ስጉምቲ ምንባሩ ብዙሓት ይሰማምዑ፡፡

ምንጪ ስእሊ, ADDISU AREGA KITESSA/FACEBOOK
ምቅዋም ውህደት ኢህወዴግ
ኣብ 2010 ዓ.ም ሰናይ ንዝሰርሑ ሰባት ዝወሃብ ሽልማት ''በጎ ሰው'' ዝተበርከተሉ ኣቶ ለማ መገርሳ፡ ሚኒስትር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮይኑ ካብ ዝሽየም፡ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ብዙሕ ኣይተራእየን፡፡
ኣቶ ለማ ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምግላሉ ዝተፈለላየ ሕሜታት ይወጽኡ ነይሮም።
ንምምስራት ሰልፊ ብልጽግና ኮነ ክልሰ ሓሳብ ምድማር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ከም ዘይቅበልን ኣብቲ ውድብ ተሰማዕነት ከ ምዘይብሉን ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ወጺኡ ዳሕዲሕዎ፡፡
እቲ ኩነታት ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ምክፍፋል ከየስዕብ ተሰጊኡ ነይሩ፡፡
ኣቶ ለማ ምስ ካልኦት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ በጺሑ ምስ ተመለስ፡ ኣብ መንጎኦም ተፈጢሩ ዝነበረ ኣፈላላይ ብሽምግልና ከም ዝተፈተሐ ገለ ኣባላት እቲ ውድብ ክዛረቡ ጸኒሖም ነይሮም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ውድብ ብልጽግና ንኣቶ ለማ መገርሳን ካልኦት ክልተ ሰባትን ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣባልነት ኣጊዱዎም።
ሚኒስትር ምክልኻል ለማ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ከም ዝተኸልከለ እውን ብሰፊሑ ክውረ ቀንዩ፡፡
ኣብዚ ሰሙን ድማ ካብ ሓላፍነት ሚኒስትር ምክልኻል ከም ዝተኣለየ ተገሊጹ። ናይ መጻኢ ቦትኡ ኣበይ ከም ዝኸውን ኣይተፈለጠን፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







