'ኣይ ሲ ጂ' ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ናብ ጎንፂ ከየምርሑ ይሰግእ

ላዕለዋይ ተንታኒ 'ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ' ዊልያም ዴቪሰን
መግለጺ ስእሊ, ላዕለዋይ ተንታኒ 'ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ' ዊልያም ዴቪሰን

ዊልያም ዴቪሰን ላዕለዋይ ተንታኒ 'ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ' ኮይኑ፡ ካብቶም ናብ መረፃ ትግራይ ክኸዱ ክብሉ ኣብ ቦሌ መዕርፎ ነፈርቲ ብሓይልታት ሃገራዊ ደሕንነት ዝተኣገዱ ኣጋይሽ እዩ።

መረፃ ንምፅብፃብ እንተይኮነስ ኣብቲ መረፃ ንዝሳተፉ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንምርካብን ዋኒን ትካሉ ንምፍፃምን ክመፅእ መዲቡ ምንባሩ ይገልፅ።

"ምኽንያቱ ብዘይተገለፀ መንገዲ ጉዕዞና ብምስራዙ ፅቡቕ ኣይተሰመዐኒን። ኮይኑ ግና ፈደራል መንግስቲ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ መረፃ ሕጋውነት ከምዘይብሉን ንዕኡ ምፅብፃብ ድማ ከምዘይፍቀድን ገሊፁ ነይሩ። እንተ ኣነ ከም ጋዜጠኛ ዘይኮነስ ልኡኽ ትካለይ ሒዘ እየ ክመፅእ ዝመደብኩ" ኢሉ።

ሕጂ ናብ ትግራይ ዝገሽካሉ ዕላማ 'ታይ እዩ?

ዊልያም ናብ ትግራይ ዝገሸሉ ዕላማ እንትገልፅ: ምስ መሪሕነት ክልል ትግራይ ንምዝራብን ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዘለዎም ፍልልይ ቅልውላውን ብዕምቆት ብምርዳእ ሰላማዊ መፍትሒ ንምንዳይን ዝዓለመ ምንባሩ ይሕብር።

ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣንን ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ከም ዝተራኸበ ዝገልፅ ዊልያም፡ ኣስማት እቶም ዝረኸቦም ሓለፍቲ ግን ካብ ምፅራሕ ተቖጢቡ እዩ።

"እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝረአ ዘሎ ውጥጥ ሓደገኛ እዩ። ፖለቲካዊ ርክቦም የንቆልቁል ኣሎ። እቲ ካብ መንግስቲ ፈደራል ንመንግስቲ ትግራይ ዝተመደበ ገንዘብ እንተተቖሪጹ እቲ ነገር ክጋደድ እዩ።

. . . ምኽንያት መንግስቲ ትግራይ ባጀት ምቑራፅ ዳርጋ ኵናት ምእዋጅን ንትግራይ ካብቲ ፌደረሽን ደፊእኻ ከም ምውፃእ ገይርካ እዩ ዝቑፀር ስለዝበለ፡ እቲ ነገር ኣመና ዘሻቕልን ዘጨንቕን ክኸውን እዩ" ብምባል ነቲ ኩነታት ይገልፆ።

ዋላ'ኳ ርክብ እቶም መንግስታት የንቆልቁል እንተሎ፡ ሕዚ እውን ግን ፍልልያቶም ናይ ግድን ብዘተ ተላዚቦም ክፈትሕዎ ተስፋ ንገብር ይብል።

ኩሎም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንዘተ ድልዋት ክኾኑ ኣለዎም ዝበለ ዊልያም፡ ኣብ ባህሪን ዕላማን እቲ ክካየድ ዘለዎ ዘተ ግን ዝተፈለየ ኣረኣእያ ኣለዎም ይብል።

ዊልያም "ልክዕ ከምቶም ካልኦት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዘቕርብዎ ዘለዉ ጠለባት፡ ብወገን መንግስቲ ትግራይ እውን ዝቐርብ ጠለብ ኣሎ:: መራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክፍትሑን ኣብቲ ዝግበር ዘተ ክሳተፉን ይጠልቡ ኣለዉ" ይብል።

መንግስቲ ክልል ትግራይ: ምስቲ ገዛኢ ሰልፊ፡ ክልተኣዊ ዘተ ዘይኮነስ ንኹሎም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዘካተተ ሓበራዊ ዘተ ንኽህሉን በዓል ሕድሪ መንግስቲ ንክህሉ ክጠልቡ ጸኒሖም ኣለው።

ምስ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ተራኺቡ ምስ ከደ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ክራኸብ እንተኾይኑ ሕቶ ዝቐረበሉ ዊልያም "ክራኸብ ደስ ይብለኒ: ግን ኣይመደብኩን ዘለኹ" ብምባል ሓፂር መልሲ ሂቡ።

'ኣይ ሲ ጂ' መንጎኛ ኮይኑ ኣይዓርቕን:: ንኽልቲኦም ኣብቲ ጎንፂ ዘለዉ ወገናት ነዛርብ፡ ዝበፃሕናዮ ርድኢትና ንገልፀሎም። ነቲ ዘካየድናዮ መፅናዕቲ መሰረት ብምግባር መፍትሒ ሓሳብ ነቕርበሎም። ኣብ ንራኸበሉ እዋን ይኹን ኣብቲ ነካይዶ ፅሑፋዊ ፀብፃብ እቲ ዘገድሰና ጉዳይ ይግለፅ እዩ። ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ጎንፂ ከይስዕብ ኢና ንጽዕር" ይብል ዊልያም።

እቲ ወጥሪ ኣብ ዝለዓለ ጫፍ በጺሑ ኣሎ።

መንግስቲ ፈደራል ናብ ክልላት ኢዱ ዘእትወሉ ሕጋዊ ምኽንያት ይእልሽ፤ ብኣንፃሩ መንግስቲ ትግራይ ከምዘይፈቅድን ንዓርሱ ከምዝከላኸልን ድሉው ምዃኑ ይገልጽ ስለዘሎ፡ ጎንፂ ክውላዕን ናብ ኵናት ከምርሕን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣቱ ገሊፁ።

ብዛዕባ ርክብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ኣመልኪቱ እንትዛረብ፡ መገሻ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ መቐፀልታ ድልዱል ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ከም ዝኾነ ብምግላፅ: ብንፁር ብዛዕባ እንታይ ተዛትዮም ዝብል ንምዝራብ ኣየድልየንን።

ግን እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ከምኡ እውን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘሎ ርክብን ኣካል እቲ ዘተ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን ይብል።

'ኣይ ሲ ጂ' ድሕሪ እቲ ኣብ ዩጎዝላቪያ ዝነበረ ቅልውላውን ዝሰዓበ በሰላን ኣብ መፋርቕ 19 ክፍለ ዘበን ዝተመስረተ ኣብ ብራስለስ ዝማእከሉ ብጠንቂ ፖለቲካዊ ቅልውላው ናብ ጎንፂ ከምርሕ ንዝኽእል ስግኣት ዝርእን ዘጽንዕን ዓለም ለኻዊ ዘይመንግስታዊ ትካል እዩ።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ትካል፡ መጽናዕቲ ምክያድ፣ ኣብ ጎንፂ ንዝኣተዉ ኣካላት ምዝርራብ፣ ውፅኢት እቲ ዝተኻየደ ምጽናዕትን ትንታነን ምስ መፍትሒኡ ምሕታም ከምኡ እውን ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብን ነቶም ኣብቲ ጎንፂ ዝጠሓሉ ወገናት ምኽረ ሓሳብ ምቕራብ ዝብል'ዩ።

ዊልያም ዴቪሰን ቅድሚ ናብ 'ኣይ ሲ ጂ' ምእታው ንሸውዓተ ዓመታት ጋዜጠኛ 'ብሉምበርግ' ኮይኑ ሰሪሑ።

ካብ 2018 ዓ.ም ኣትሒዙ ድማ ኢንሳይት ኣብ ዝበሃል ዌብሳይት መስራትን መራሕን እውን ኮይኑ ክሳብ ሕዚ ይሰርሕ።