ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ 14 ዜጋታት ወጻኢ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ

ሓደገኛ እጻት

ምንጪ ስእሊ, FEDERAL POLICE

ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ፡ ብምዝውዋር ሓደገኛ እጻት ንዝጠርጠሮም 14 ዜጋታት ወጻኢ ኣብ ቀይዲ ኣእቲው።

ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ትማሊ ኣባላት ክትትል ሓደገኛ እጻት ኣብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብዘካየዱዎ ተፍትሽ፡ ካብ ላቲን ኣመሪካ ከተማ ሳኦፖሎ ተበጊሶም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ክጓዓዙ መደብ ንዝነበሮም ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ገሊጹ።

ንምክትል ዳይሬክተር ክትትል ሓደገኛ እጻት ኮማንደር መንግስትኣብ በየነ ዝጠቐሰ እዚ ሓበሬታ፡ እቶም ጥርጡራት ሒዞምዎ ዝመጽኡ ሓደገኛ እጻት ኣብ ውሽጣዉን ደጋውን ኣካል ናይ ጉዕዞ ሻንጥኦም ብምሕባእ፣ ብምውሓጥን ኣብ መትሓዚ ጡብ ብምሕባእን ሒዞምዎ ክሓልፉ’ኳ እንተፈተኑ፡ ኣብ ቀይዲ ኣውዒልናዮም ኢና አሉ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ወጻእተኛታት፡ 13 ናይጄሪያውያንን ሓንቲ ብራዚላዊትን ይርከቡዎም።

እቶም ጥርጡራት ልዕሊ 14 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኮኬይን ዝተባህለ ሓደገኛ እጽ ሒዞም ምንባሮም ዝተገለጸ ኮይኑ፡ እዚ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝፈርን ብደረጃ ዓለም ዝዘዋወርን ምዃኑ ድማ ኮማንደር መንግስትኣብ ተዛሪቡ።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ፡ 24 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ዝውዓሉ ኮይኖም፡ 39 ኪሎ ግራም ኮኬይንን 36 ኪሎ ግራም ዝምዘን ካናቢስ ዝተባህለ እጽን ከም ዝተትሓዘ እቲ ሓበሬታ የመልክት።