ምስ ብዓልቲ ቤቱ ተባኢሱ 4 ሰባት ዝቐተለ ኣባል ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, Addis Ababa Police
ምስ በዓልቲቤቱ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ንኣርባዕተ ሰባት ብጥይት ምቕታሉ ዝተጠርጠረ ኣባል ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ምእታው ኮምሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።
እቲ ጥርጡር ነቲ ገበን ዝፈጸመ ዓርቢ ምሸት ከባቢ ሰዓት 8፡30 ኣብ የካ ክፍለ ከተማ ወረዳ 6፡ ጨርጨር ጊዮርጊስ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ምዃኑ እቲ ፖሊስ ኮምሽን ኣብ ፌስቡክ ገሊጹ።
ጥርጡር ምኽትል ሳጅን መልህቁ መኪ ዝተብሃለ ኣባል ፖሊስ ኮይኑ ምስ በዓልቲቤቱ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ሓዳር ከም ዝጸንሑን፡ ኣብ መንጎኦም ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ በዓልቲቤቱ ቅድሚ 15 መዓልቲ ናብ ወለዳ ከም ዝኸደትን ኣብ ፌደራል ፖሊስ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኣቶ ጄላን ኣብዲ ገሊጹ።
ጥርጡር ምስ በዓልቲቤቱን ወለዳን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ምኽንያት ብምግባር፡ ንስራሕ ዓጢቕዎ ዝጸንሐ ብረት ሒዙ ናብ መንበሪ ስድራቤታ ብምኻድ፡ ወላዲት በዓልቲቤቱ ምስ ሰብኣያ፡ ንሰብኣይ ሓፍታን ሰራሕተኝኦምን ብሓፈሻ ኣርባዕተ ሰባት ቶኪሱ ከም ዝቐተለ ፖሊስ ገሊጹ።
እቲ ውልቀሰብ ብኡንብኡ ኣብ ቀይዲ ክኣትው እንከሎ፡ ዝተፈላለየ መረዳእታታት ብምእካብ መርመራ ከም ዝተጀመረን ኣብ ሓጺር ግዜ ንዝምልከቶ ኣካል ፍትሒ ከም ዝለኣኽ እቲ ዳይሬክተር ሓቢሩ።
"በዓል ሓድሽ ዓመት ብሰላም ክፍጸም ኩሎም ኣባላት ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ለይትን ቀትርን ሓላፍነቶም እናተዋጽኡ፡ ዝተበላሸወ ኣተሓሳስባ ብዘለዎ ሓደ ኣባል ፖሊስ ዝተፈጸመ ተግባር ነዚ ኮምሽን ኣዝዩ ኣሕዚኑ ኣሎ። እቲ ተግባር ነቲ ሓይሊ ጸጥታን ንኣባላቱን ዘይውክል እዩ" ኢሉ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ፖሊስ ፌደራል ኣቶ ጄላን ኣብዲ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







