መረጻ ትግራይ፡ ሚድያታት ዓለም ነቲ ክልላዊ መረጻ ኣመልኪተን እንታይ በላ?

ሕገ መንግስቲ ናይ ምትርጓም ስልጣን ዝተዋህቦ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፡ ብዛዕባ እቲ ዘካትዕ ዝነበረ መረጻን ናይ ምንዋሕ ጉዳይ፡ ውሳነ እንተሓልፍ፡ ስልጣን ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይተን ክልላት ቤት ምኽሪ ዕድመ ስልጣን 'ውን ኣናዊሑ ነይሩ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብሓፈሽኡ ነጺጉ፡ እቲ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ናይ ገዛእ ርእሱ ስልጣን ናይ ምንዋሕ ሓላፍነት ከምዘይብሉ ዓንቀጽ ሕገ መንግስቲ ጠቒሱ ኣብ እዋኑ ብጥንቃቐ መረጻ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ።
ካብኡ እዚ ጉዳይ፡ ሕማም ርእሲ መንግስቲ ፌዴራል ኮይኑ። ገለ ተንተንቲ እቲ ክልላዊ መረጻ ንካልኦት ክልላት ኣብነት ከይኸውን'ዩ እቲ ዓብዪ ስግኣት ይብሉ።
ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ ወጥሪ ናብ ናይ ሓይሊ ጎንጺ ከየምርሕ ተሰጊኡ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ቀዳማይ ሚኒሲተር ኣብዪ፡ ኣብ ድሮ እቲ ትማሊ መዓልቲ መረጻ፡ ነቲ መረጻ ኣነኣኢሱ ናብ ኲናት ዘእቱ ነገር ከምዘይህሉ ተዛሪቡ።
ዝተኽልከላ ሚድያታት ዓለም
መንግስቲ ፌዴራል፡ ሚድያታት ነቲ 'ኣይሕጋውን' ዝበሎ መረጻ፡ ሽፋን ንከይህባ ጻዕሪ ገይሩ።
ሃገራዊ ሚድያታት ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ መረጻ ብጩቕ ከይበላ ውዒለን።
12 ዓለማዊ ጋዜጠኛታትን ተዓዘብትን ናብ መቐለ እንተምርሑ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብሓይልታት ጸጥታ ተኣጊዶም ንብረቶም ተመንጢሎም ካብታ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ንክወርዱ ተገዲዶም።
ካብቶም ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ከይጓዓዙ ዝተኸልከሉ ሓደ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወኪል ዝተፈላለዩ ሚድያታት ዓለም ለኸ ዝኾነ፡ ሳይመን ማርክስ እቲ ኩነታት ንቢቢሲ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ኣብ ትዊተሩ ኣቃሊሕዎ እዩ። ብዙሓት ድማ ተቐባቢሎምሉ።
ሮይተርስ፣ ኒውዮርክ ታይምስን ኤኤፍፒ ካልኦት ማዕከናት ሚድያ ዓለም፡ ብዛዕባ እቲ ክልከላ ጺሒፈን፡ ነቲ መረጻ መዘራረቢ ዓለም ዝገበረኦ ይመስል።
ሮይተርስ ኣቐዲሙ ዘውጸኦ መዘራረቢ ዝኾነ ዜና "Ethiopia bars journalists from flying to Tigray regional vote" ከም ኤ ኤፒን ቪኦኤን ዝኣመሰላ ብዙሓት ተቐባቢለናሉ።
ገለ ጋዜጠኛታትን ተዓዘብትን ግን ቀዲሞም ስለዝኸዱ፡ ነቲ መረጻ ክጽብጽቡን ክዕዘቡን ከምዝኸኣሉ ሪፖርተር ቢቢሲ ተመልኪቱ።
ኮሚሽን መረጻ ትግራይ፡ ነቲ መረጻ ንዘይቅበሉ ሓደ ሓደ ሃገራዊ ሚድያታት ኣብ ባይታ ተረኺቦም ክጽብጽቡ ኣይፈቅድን ኢሉ እዩ።
ንዓለም ለኸ ሚድያታት ግና፡ ዕድመ ገይሩ ነይሩ። ብኡ መሰረት፡ ቀዲሞም ካብ ዝተረኸቡ ጋዜጠኛታት ኤኤፍፒን ዶቾበሌን ይርከብዎም።
ካብ ተዓዘብቲ ድማ፡ ፍሉጥ ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኾነ ፕሮፌሰር ትሮንቮል ኣብቲ መረጻ ከም ተዓዛቢ ዝተሳተፈ ኸይኑ፡ ኣካል እቲ ን30 ዓመታት ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ምርምራት ከምዝኾነ ኣብ ትዊተሩ ገሊጹ።

ነበርቲ እታ 'እምባታት ዝበዝሕዋ' ዝበላ ትግራይ፡ ኣብቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዘይሕጋዊ ዝበሎ መረጻ፡ ሰባት ብለይቲ ተሰሊፎም ድምጾም ብታሕጓስ ክህቡ ውዒሎም ኢሉ ጸብጺቡ።
ስምዒት ናይ ገለ ኣድመጽቲ'ውን ብቪድዮ ቐሪጹ ኣቃሊሑ።
ገለ ዘዘራረቦም ናይ ኲናት ጉድኣት ኣካል መረጽቲ፡ 'መረጻ ፍረ መስዋእትና እዩ እዩ" ኢሎምዎ።
ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ በቲ ናይ 'እድር' መረጻ ኢሉ ዘነኣኣሶ፡ ከምዘይሓምም እኳ እንተገለጸ'ኳ፡ ሮይተርስ ግን ንኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ጉዳይ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ፡ እዚ ዝዓበየ ሕማም ርእሲ ኮይኑዎ ኣሎ ይብል።
ብጉዳይ ትግራይ ዝፍተን ዘሎ ግን ኣብዪ ጥራሕ ኣይኮነን ይብል ሮይተርስ። ህወሓት'ውን በቶም ናጽነት ዘሰጉሙ ዘለው ፖለቲካዊ ውድባት ይፍተን ከምዘሎ ኣረዲኡ።
ኣብ ምፍላጥ መስሕባት (ኣድቨርትዝመንት ሳይትስ) ዝነጥፉ ክልተ ሰራሕተኛታት፡ "ድሕሪ ሕዚ ካብ ኢትዮጵያ ናጻ ክንውጽእ ኢና ንደሊ" ኢሎም ከምዝገለጹሉ ኣቃሊሑ።
ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓብዪ ጽልዋ ነይርዋ ዝብላ ትግራይ፡ ብበዝሒ ህዝቢ 6 ሚኢታዊ ጥራሕ እንተኾነት'ኳ፡ ብታሪኽን ፖሊቲካዊ ጸብለልታን ሃብታም ክልል ከምዝኾነት ገሊጹ፡ ትንታንኡ ይዝዛም።
ካልእ ነቲ ክስተት ሽፋን ዝሃበ ዓለማዊ ሚድያ ኣልጀዚራ እዩ። ጉዳይ ትግራይ ንኣብዪ እቲ ዝዓበየ ፈተነ ከምዝኾነ ምስ ሮይተርስ ዝመሳሰል ትንታነ ኣቕሪቡ።
ናይዛ ልዕሊ 80 ብሄረሰባት ዝሓዘት ሃገር ሓድነት ሓሊዩ ንምኻድ ይጸዓር ከምዘሎን፡ ጉዳይ ትግራይ እቲ ዝዓበየ ብደሆ ክኸውን ከምዝኽእልን ይገልጽ።
ኣልጀዚራ ንጌታቸው ረዳ፡ ጠቒሱ እቲ መረጻ ብውሕሉል ኣገባብ ከምዝተዛዘመን፡ ብዙሕ ህዝቢ ድምጹ ከምዝሃበን ኣስፊሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከምኡ ድማ፡ ንካልእ ዓለማዊ መራኸቢ ብዙሓን፡ ንኤፒ ጠቒሱ ከምዝበሎ፡ ሰብ ሕድሪ ዝተብሃለ ሲቪክ ማሕበረሰብ፡ ብውድብ ህወሓት ብኢድ ኣዙር ነቲ መረጻ ንከይዕዘብ ከምዝተገብረ ሓቢሩ።
ካብ ድሮ እቲ መረጻ ኣትሒዙ፡ ኣብታ ከተማ ሓያል ናይ ጸጥታ ሓለዋን ድሕነትን ከምዝነበረ ድማ ንነበርቲ ከተማ መቐለ ጠቒሱ ሓቢሩ።
ናጽነት- ዘስምዑ ጸብጻባት
ኣልጀዚራ፡ ኣብ ድሮ እቲ መረጻ፡ ሰፊሕ ትንተና ዝሰርሐ ኾይኑ፡ ብፍላይ ንፕሮፌሰር ሼትል ትሮንቮል ኣዛሪቡ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ መናእሰይ ተጋሩ፡ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዓብዪ ናይ አተሓሳስባ ለውጢ ከምዘሎ "ምግንጻል" ኣብ ዝብል ንኡስ ርእሲ ኣስፊሩ።
ኣብቲ ሰፊሕ ትንታንኡ፡ ንሓላፊ ሓድሽ ቢሮ ርክባት ወጻኢ ዝኾነ 'ምሕዝነት ትግራይ' ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው፡ ንኢትዮጵያ ንልዕሊ 20 ዓመታት ካብ ኣመሪካ ክሳብ ሞቛዲሾ ዘገለገሎ ጠቒሱ ኣዛሪቡ።
ካብቶም በቲ ሓድሽ ምሕደራ ኣብዪ ካብ ፌዴራል መንግስቲ ዝተባረሩ ሰብ ሞያ ምዃኑን፡ ሎሚ ግን ብመንፈስ ጣዕሳ ንትግራይ ከገልግል ከምዝቖረጸን ሓቢሩ።
ንኣቦ መንበር ውድብ ናጽናት ትግራይ ግርማይ በርሀ ድማ፡ ኣዛሪብዎ።
ካብ ኢትዮጵያ ምፍልላይ ዘሰጉም እዚ ውድቡ፡ "ኣብዚ ሓጺር እዋን፡ ብፍላይ ኣብ መናእሰይ ዘይገመትናዮ ዓብዪ ተቐባልነት እዩ ዘለና" ኢሉ ።
ፍራንስ 24 ብወገኑ፡ 'ኣፍሪካ ኣይ' ኣብ ዝብል መደቡ፡ ሰፊሕ ጸብጻብ ዘቕረበ ኾይኑ፡ ገለ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ መንግስቲ ፌዴራል ካብዚ ክልል ተማሂሩ መረጻ ከካይድ እንተኽኢሉ፡ ተኸኣኢልካ ብሓደ ንምንባር ተስፋ ኣለዎም።
ኣብ ናይሮቢ ኬንያ እትነብር ወኪል ፍራንስ 24፡ ድማ፡ ህወሓት፡ ኣብዪ ኣሕመድ ስልጣኑ ብዘይሕጋዊ መገዲ የናውሕ ኣሎ -ኢሉ ከምዝኣምን፡ እቲ ዘሎ ወጥርን ምትፋንን ተንቲና ኣረዲኣ። እቲ ወጥሪ ናብ ካልእ ከምርሕ ከምዝኽእል ድማ ኣንፊታ።
ብዛዕባ እቲ መረጻ ካብ ካልኦት ዓለም ለኸ ሚድያታት ፍልይ ዝበለ ጸብጻብ ዘቕረበ ቪኦኤ እንግሊዝኛ፡ "ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ንኢትዮጵያ ብምልካዊ ስርዓት ዝገዝኡ ሰባት እዮም ሕዚ ድማ ተሓለቕቲ መረጻ ኮይኖም ዘካይዱ ዘለዉ" ዝብል ቅዋም ዘንጸባረቐት ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣስናቀ ከፍያለ፡ ኣዛሪቡ።
ንሳ ከምእትብሎ፡ እቲ ምግንጻል ዝበሃል ሓሳብ ኣብ ትግራይ ትርጉም የብሉን።

ይኹን'ምበር ኣቦ መንበር፡ ውናት ዝኾነ ግርማይ በርሀ፡ ብፍላይ ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ገና ዝቖውም ሓድሽ ምሕደራ ኣፍልጦ እንተዘይሂቡዎ እቲ ውድቡ ዘሰጉሞ ሓዲሽ ሃገር ናይ ምምስራት ሕልሚ ከምዘሳልጠሉ ተዛሪቡ።
"ኣብዪ ከምኡ እንተገይሩ፡ ሸዑ ንሽዑ ናጽነትና ክንእውጅ ኢና" ድማ ኢሉ።
ካልኦት ዓለም ለኸ ሚድያታት፡ ከም በዓል ሲጂቲኤን ዝኣመሰሉ ድማ ሰፊሕ ሽፋን ካብ ዝሃቡ እዮም።
ፍሉጣት ሰባት'ከ እንታይ በሉ?
መረጻ ትግራዕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዓብዪ መዘራረቢ ዛዕባ ኾይኑ እዩ ቐንዩ።
ብዛዕባ መረጻ ትግራይ ብብዝሒ ካብ ዝጸሓፈት ኢትዮጵያዊት ተንታኒት ፖለቲካ ጸዳለ ለማ ሓንቲ እያ። ኣ
ኣቐዲማ ነቲ ናይ ክልል መረጻ ንምጽላም ብሚድያታት ፌዴራል መንግስቲ ዝግበር ንዝነበረ ጸለመ ጠቒሳ፡ እቲ መረጻ ምስተዛዘመ ድማ፡ "ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ክምዝገብ ዝግበኦን እቲ ዘይተወደአ ህንጸት ሃገር ኢትዮጵያ ቅልዕ ኣቢሉ ዘርኢ ክስተት'ዩ" ክትብል ገሊጻ።
ፍሉጥ እንግሊዛዊ ነበር ጋዜጠኛ ቢቢሲ ማርቲን ፕላውት ብወገኑ፡ "ትግራይ ኣብ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ኩነታት፡ ሰላማውን ዕውትን መረጻ ምክያዳ ናእዳ ይግባኣ" ኢሉ።
"ዕጫ ትግራይ፡ ካብ ናይ ዝኾነ ግዳማዊ ኾነ ውሽጣዊ ሓይሊ ድፍኢት ወጻኢ፡ ብህዝባ እዩ ክውሰን ዘለዎ" ዝበለ፡ ፕላውት፡ ንዝተረፈ ኣካል ኢትዮጵያን ንኤርትራን ዓብዪ ትምህር ከምዝኸውን ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ።
ካልእ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሶማልያዊ ራሺድ ኣብዲ ብወገኑ፡ ንመረጻ ትግራይ ጽቡቕ ትምኒቱ ብምግላጽ፡ ሰላማውን ተኣማንን መረጻ ንፌዴራሊዝም ዋሕስ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ንሱ፡ ነቲ ናይ ትግራይ መረጻ ከም ኣብነት ወሲዱ፤ ብፍላይ ኣብ ሶማልያን ኢትዮጵያን ነቲ ልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዘቑጸረ ስርዓት ፌዴራሊዝም ክሃስዩ ዝደልዩ ሓይልታት፡ በተን ክልላት ክብድሁ ከምዘለዎም ኣብ ትዊተሩ ገሊጹ።
ተወላዲት ሶማሊ ላንድ ዝኾነት፡ ዶክተር ሞሃ ጂሬ ብወገና፡ "ካብ ፌዴራል መንግስቲ ዝበጽሐኩም ዘሎ ምጉናይን ጸቕጥን ተጻዊርኩም ንዲሞክራስያዊ መሰልኩም ብዝኸፈልክምዎ መስዋእትነት ተሓቢነልኩም" ዝብል ኣብ ትዊተራ ጽሒፋ።
ሎሚ ድማ፡ "እቲ ምኽንያት ምንዋሕ ነቲ መረጻ ኮሮና እንተነይሩ ደኣ ንምንታይ ወተሃደራዊ ምርኢት ክትገብር ውዒልካ ብማለት?" ብማለት ሕቶ ኣቕሪባ።
ገለ ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑ፡ ናይ ትግራይ ባንዴራ ዘቃልሑን ከም መለለዪ ስእሎም ገይሮም ዝጠቅዑን እውን ኣለዉ።
ገለ ኢትዮጵያውያን ድማ፡ ነቲ ኣብዪ ኣሕመድ ዝበሎ ክደግሙን ነቲ መረጻ ከነኣእሱን ከጽላልኡን ዝተራእዩ ኣለዉ።
ሕብረት ኣውሮጳ?
ተወካሊት ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ሓንቲ ጋዜጠኛ፡ ብዛዕባ መረጻ ትግራይ ንዝቐረበላ ሕቶ ቅዋም እቲ ሕብረት ዘንጸባረቐት ኮይና፡ "ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኩሎም ኣካላት ካብ ዝኾነ ሓይለ ቃል ክዕቅቡን ካብ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክቑጠቡን" ጻውዒት ይገብር ኢላ።
እቲ ብክራይስስ ግሩፕ ክሸማግል ሕቶ ቀሪብሉ ዝነበረ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓዊስካ፡ ካልኦት ዓለም ለኻዊ ትካላት፡ ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ቅዋም ከምዝሓዙ ኣይተፈልጠን።
መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ቅድም ክብል፡ መንግስቲ ፌዴራል፡ ነታ ሃገር ናብ ኲናት ሕድሕድ ይመርሓ ኣሎ ዝብል ደብዳበ ናብቲ ትካላት ዓለም ምዝርግሑ ዝፍለጥ እዩ።
ድባብ ድሮ እቲ መረጻ?
ምስቲ ክልል ብደብዳበ ክመላለስ ዝጸንሐ ቤት ምኸሪ ፌዴሬሽን፡ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ድሮ እቲ መረጻ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ፡ እቲ መረጻ ሕጋዊ ተፈጻሚነት ከምዘይህልዎ ወሲኑ ነይሩ።
መንግስቲ እቲ ክልል ድማ፡ ኣብ ድሮ እቲ ህጹጽ ኣኼባ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ መረጻ ዘዕንቀፍ ዝኾነ ውሳነ፡ ኲናት ከም ዝተኣወጆ ከምዝቖጽሮ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እቲ መረጻ ንሰከንድ'ውን ትኹን ደው ከምዘየብል ዝሓበረ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ሓጺር እዋን፡ ሓድሽ ኮሚሽን መረጻ ኣጣይሹ፤ ሓዲሽ መረጻ ሕጊ ኣርቂቑ፡ ምስቶም ኣብ መረጻ ዝሳተፉ ኣርባዕተ ውድባት ተቓውሞ ዘትዩ እዩ ናብ ተግባር ኣትዩ።
በዚ መሰረት፡ ልዕሊ ኣርባአዕተ ዙርያ ብቐጥታ ዝተሓላለፉ ክትዓት ተኻይዶም። ህወሓት ንዝሓለፉ ኣስታት 30 ዓመታት ንፖለቲካ እቲ ክልል ብሒትዎ እዩ ጸኒሑ። ብምዃኑ'ውን ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እዚ ናይ ሕጂ ተመኩሮ ፍሉይ እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







