መረጻ ክልል ትግራይ ብኸመይ እዩ ናብዚ በጺሑ?

ምንጪ ስእሊ, BBC
ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኢትዮጰያ መረጻ ክልል ትግራይ ተፈጻሚነት ከም ዘይህልዎ እንተገለጸ'ኳ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ኣብ እዋኑ መረጻ ምክያድ ዘይዋገየሉ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ከም ዝኾነን እዩ ዝኣምን።
እቲ ክልላዊ መንግስቲ፡ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ፌዴራል መንግስቲ ኣይክህሉን እዩ ከኣ ይብል።
ኣብታ ሃገር ርኡይ ጽዕንቶ ከይፈጠረ ካብ ስልጣኑ ብገዛእ ፈቓዱ ስልጣን ንዝገደፈ ቀዳማይ ሚኒሲተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ተኪኡ: ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ኣቦ መንበር ኢህወዴግ ኮይኑ ዝተመዘዘ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ብብዙሕ መልክዑ ቀያይሩዎ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ፖለቲካዊ ዕርያ ኣምጺኡ ወጥሪ 20 ዓመት ኲናትን ወረ ኲናትን ኤርትራ ብዕርቀ ሰላም ፈቲሑ ተባሂሉ ተናኢዱ ዓለማዊ ሽልማት ኖቤል እውን ወሲዱ።
ይኹን'ምበር፡ ክንድቲ ብዓለም ለኸ ሚድያታት ስሙ ዝተደጋገመ፡ ኣብ ባይታ ግን ዘተኣማምን ሰላም ኣይመጽአን ተባሂሉ ይንቀፍ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰባት ብዓሌታዊ ጎንጺ ህይወቶም ስኢኖም፤ ኣስታት ክልተ ሚልዮን እውን ተመዛቢሎም።
እቲ ኣብ ትካላት ጸጥታ ዓብላሊ ስልጣን ዝነበሮ ህወሓት፡ ብስም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብመምርሒ ዶር ኣብዪ ዝተወስደ ናይ ምእሳር ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ውድብን ዓሌትን ዘነጻጸረ ክብል እዩ ዝነቕፎ።
መንግስቲ ፌዴራል ግን፡ እቲ ስጉምቲ ልዕልነት ሕጊ ናይ ምኽባር ጉዳይ ምዃኑ እዩ ዝዛረብ።
ሞት ኣካያዲ ስራሕ ግድብ ህዳሰ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ፡ ኢታማጆር ሹም ጀነራል ሰዓረ መኮነን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ብዙሕ ዘይጸረየ ስምዒታት ካብ ዝፈጠረ ፍጻሜታት እዩ።
ህወሓት፡ ልፍንቲ ኣርባዕተ ውድባት [ህወሓት፣ ብኣዴን፣ ኢህዴድን ደኢህዴንን] ዝኾነ ኢህወዴግ ዝፈረሰሉን፡ ውድብ ብልጽግና ዝተመስረተሉን ኣገባብ ሕጋዊ ከም ዘይኮነ ይገልጽ።
ሰልፊ ብልጽግና ግን ህወሓት ኣብቲ ልፍንቲ ክጸንሕን ናብቲ ውህደት ክጽንበርን ዝከኣሎ ከም ዝጸዓረ ይገልጽ።
እቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ዝቐጸለ ፍሕፍሕ እምበኣር በዚ ጉዳይ እዩ ብዝያዳ ክጓሃሃር ዝጀመረ።

ምንጪ ስእሊ, Abraha Ebuy
ስልጣን ምንዋሕን ለበዳ ኮሮናቫይረስን
ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ኣብ ኢትዮጵያ ብሕዳር 1995 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ዝጸደቐ ሓድሽ ፌዴራላዊ ሕገ መንግስቲ መረጻ በብሓሙሽተ ዓመቱ ክካየድ የገድድ።
እቲ ዝሓሸ ውድድርን ንሕንሕን ዝተራእዮ ኣብ ወርሒ ጉንበት 2005 ዝተኻየደ ሳልሳይ ዙርያ መረጻ ኾይኑ፡ ኣብ ውጽኢቱ ዘካትዕ እዩ ነይሩ።
ድሒሩ፡ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሐ ተቓውሞ መናእሰይ ኦሮሞ ኣብታ ሃገር ንሕልፈት ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ስዒቡ ዝተፈጥረ ምብስባስ እቲ ስርዓት ዘቃለዐ ነይሩ።
ኢትዮጵያ፡ ከምቲ ልሙድ በቲ ዛጊድ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት መረጻ ክካየድ ነይርዎ።
ልሳን ህወሓት ዝኾነት መጽሄት ወይን፡ ብ14 ሕዳር 2020 ኣብ ዝወጽአ ሕታሙ፡ ህወሓት ኣብዚ ዓመት መረጻ ኣብ ግዚኡ ክካየድ ጸዊዑ ነይሩ።
ብማእኸላይ መንግስቲ መረጻ ናይ ምክያድ ድሌት ከምዘየሎ ጠቒሱ ከምኡ እንተኾይኑ፡ ጎድና ጎድኒ ትግራይ መንግስታዊ ቁመና (de facto state) ክትፈጥር ዝእንፍት ነይሩ።
ርግጽ፡ ነቲ ዝነበረ ሕጊ መረጻ ንምምሕያሽን አመራርሓ ንምውዳብን ግዜ ከምዝወሰደ ዝገልጽ ሓድሽ ውድብ ብልጽግና፡ መረጻ ንምክያድ ድሌት ከምዘለዎ እዩ ዝገልጽ ነይሩ።
ዝኾነ ኾይኑ፡ ኣብ ወርሒ 23 ነሓሰ 2012 ዓ.ም እቲ መረጻ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ምድላዋት ተጀሚሩ ነይሩ።
ይኹን'መበር ፡ ምምጻእ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተኸቲሉ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ እቲ መረጻ ብ22 መጋቢት ንክናዋሕ ኣፍሊጡ።
ካብዚ እዋን ጀሚሩ ጉዳይ መረጻ፡ ንክልቲኦም ውድባት ህወሓትን ብልጽግናን፡ ዝመርሕዎም መንግስታትን ከተፋንኖም ተራእዩ።
እቲ ዘሎ ምስሕሓብ፡ ካብ ናይ ቃላት ኲናት ሰጊሩ ናብ ናይ ሓይሊ ጎንጺ ከየምርሕ እውን ስግኣታት ነይሩ።
ርግጽ፡ ኣብ ጉዳይ መረጻ ዘይተስማምዑ፡ ህወሓትን ብልጽግናን ጥራይ ኣይነበሩን።
ኣቦ መንበር ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ፡ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና "እዞም ሃገር ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት የላን፤ መረጻ ክካየድ የብሉን ዝብሉ ሰባት ንክርድኦም ይኸብደኒ'ዩ" ዝብል ርኢይቶ ሂቡ ነይሩ።
ኣብዪ ኣሕመድ ግን፡ 'መረጻ ኣብ ሕሉፍ መንግስታት ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣይፈልጥን፡ ወይ ኣይነበረን፡ ወይ'ውን ንምምሳል ዝግበር እምበር ዘካትዕ ጉዳይ' ኣይነበረን" ክብል ተዛሪቡ።
ድሕሪ'ዚ፡ ሕገ መንግስታዊ ትርጓመ ብምንዳይ፡ ብ5 ግንቦት 2020 መረጻ ተናዊሑ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርን ስልጣን ባይቶታት ሃገርን ክልላትን ፌደሬሽንን ተናዊሑ።

ዘይተለምደ ክልላዊ መረጻ ትግራይ
እቲ ብቐደሙ'ውን ሃገራዊ መረጻ ንምክያድ ድሌት የለን ዝብል መርገጺ ዝነበሮ ህወሓት፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ክልሉ ብምውሳድ፡ ክልላዊ መረጻ ክካየድ ወሲኑ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ግን፡ ትግራይ መረጻ ክተካይድ ከም ዘይትኽእል፤ እንተተኻይዱ ድማ ሕጋዊ ከም ዘይኸውን እንትገልጽ እቲ ምትፍናን እናዓበየ መጺኡ።
'ጉዳይ መረጻ ሕጋውን ዴሞክራሲያውን መሰል ስለ ዝኾነ፡ ነቲ መረጻ ክነካይዶ ኢና፤ ነዚ ዝኽልክለና ሓይሊ የለን' ዝበለ መንግስቲ ትግራይ ድማ መረጻ ምክያድ ዝንኣሰ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ከምዝኾነ ይገልጽ።
እዚ መንግስቲ ትግራይ ዝሓዞ መገዲ፡ ብሓደ ወገን ቅኑዕ እዩ ዝብሉ ኣለዉ። ብኻልእ ወገን ድማ ግጉይ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ፌደራል ነዚ ጠጠው ንምባል ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ዝሓተቱ'ውን ኣለው።
ዓረና ትግራይ፣ ኦነግን ጃዋር መሓመድ ኣባል ዝኾነሉ ኦፌኮን ሓዊሱ፡ ሸውዓተ ውድባት እዚ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕገ መንግስቲ ዘይተኻተተ ብምዃኑ፡ ነቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክወሃቦ ይግባእ ብዝብል ተቓዊሞምዎ።
ህወሓት ብወገኑ፡ እዚ ሕገመንግስታዊ ትርጓመ ዝበሃል፡ ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕ ተባሂሉ ዝተወሰደ ዘይሕገ መንግስታዊ መመኽነይታ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ትግራይ ክተካይዶ እትሓስብ ዘላ መረጻ ብምንእኣስ፡ ካብ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ወጻእ መረጻ ንምክያድ ምህቃን ንህዝብን ሃገርን ናብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ ክብል ነቒፉ።
"መንግስቲ ድሕነትን ህዝብን ሃገርን ንምሕላው ወሳኒ ስጉምቲ ክወስድ ክግደድ'ዩ። ፖለቲከኛታት ስልጣን ንክሕዙ መንእሰይ ክሃልቕ፣ ኣዴታት ክነብዓ፣ ኣባይቲ ክፈርሱ፣ ህዝብታት ክመዛበሉ የብሎምን" ክብል ድማ ኣጠንቂቑ።
መንግስቲ ትግራይ ግን፡ ዋላ'ውን ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ኮይንኻ መረጻ ክካየድ ይኽእል'ዩ ብዝብል እምነት ጸኒዑ።
"ኣብዛ ሃገር ክውቀጥ [ክውቃዕ] ዝግብኦ እንተልዩ፡ ሕገ መንግስቲ ኣኽቢሩ ህዝቢ ንዝመረፆ መንግስቲ ስልጣን ነረክብ ዝብል ዘሎ ዘይኮነስ ነዚ ጥሒሱ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝንቀሳቐስ ዘሎ እዩ" ክብል መራሒ እቲ ክልል ዶክተር ደብረጽዮን ኮኒኑዎ።
መረጻ ንክካየድ ክሙግት ዝጸንሐ መንግስቲ ትግራይ፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ምድላዋት ከም ዝገብር ብምግላጽ፡ ነዚ ዘሳልጥ ኮሚሽን መረጻን ሓድሽ ኣመራርሓን ወዲቡ ናብ ተግባር ብምእታው ሎሚ 9 መስከረም 2020 6ይ ክልላዊ መረጻ ንምክያድ ክዳሎ ቐንዩ።
ድሕሪ'ዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንፋና ቴሌቪዥን ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፡ ህዝቢ ትግራይ ንዶክተር ደብረጽዮን ክሕግዞ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ኣፈላላዮም ብዘተ ክፈትሑዎ ከምዝኽእሉ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ መረጻ ምክያዱ ጸገም'ኳ እንተዘይሃለዎ ካብ ህወሓት ወጻእ ዝኾነ ውድብ እንተስዒሩ'ዩ ኣጸጋሚ ክኸውን ድማ ኢሉ ነይሩ።
እንተኾነ፡ እቲ ቃለ መሓትት ጥርጣረታት'ውን ፈጢሩ እዩ።
ብተደጋጋሚ፡ 'ኣብ መኸተ ኢና ዘለና' ክብሉ ዝስምዑ መንግስቲ ትግራይን ሰልፊ ህወሓትን ግን፡ እቲ መረጻ ብዝኾነ መገዲ ክተዓናቐፍ ከም ዘይኽእል ይገልጹ።
ዕላምኡ፡ ዕላማ መኸተ እዩ ዝተብሃለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣርእዮም።

መንፈስ 'ናጽነት' ዝዓብለሎም ክትዓት
ኣብዚ ክልላዊ መረጻ፡ ንህወሓት ሓዊሱ ሓሙሽተ ተነሓናሕቲ ሰልፊታት [ሳልሳይ ወያነ፣ ውናት፣ ባይቶና፣ ዓሲምባ] 4 ውልቀ ሰባት ን 152 ወናብር ክወዳደሩ'ዮም።
ኣብቶም ዝተኻየዱ ኣርባተ ክተዓት፡ ጥንኩር ፌደራላዊ ስርዓት ምህናጽ ዝብል እምነት ዘለዎ ህወሓት በቶም ዝተረፉ ተነሓናሕቲ ውድባት 'ብሄራዊ' ኣይኮንካን ተባሂሉ እዩ ብሰፊሑ ተነቒፉ።
ብልሕሉሕ ኮንፌደሬሽን ዝምራሕ ስርዓት ካብ ዝብል ክሳብ ምስረታ ናጻ ሃገረ ትግራይን ምስ ዝብል እምነት ኣለዎም እቶም ተቓወምቲ።
ምስ ኢትዮጵያ ሓቢርና ንቐጽል'ዶ ናይ ባዕልና ናጻ ሃገር ንመስርት ዝብል መካትዒ ኣጀንዳ'ውን ብግልጺ ክዝረበሉ ንፈለማ እዋን እዩ።
ህወሓት ኣብ ማእኸል ሃገር፡ ብጸቢብነት እንትውቀስ ኣብ ትግራይ ድማ፡ ዘይብሄራዊ ውድብ ብዝብል ይንቀፍ ኣሎ።
ብርክት ዝበሉ ምሁራትን መናእሰይን፡ ነቲ ካብ ማእኸላይ መንግስቲ ዝመጽእ ዝነበረ ቅራነ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ብዝመስል፡ ነቲ ዝወሰዱዎ ካርዲ መረጻ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክጥቅዑዎ፣ ዝድግፉዎን ዝመርጹዎን ፖለቲካዊ ውድብ ብግልጺ ክረቑሑንተራእዮም።
ገለ ኣባላትን ኣመራርሓን ተነሓናሕቲ ውድባት ግን፡ ክሳብ ስድርኦም ዝበጽሕ ምፍርራሕን ክትትልን ይገበሩሎም ከም ዘለዉ ይገልጹ።
ካብቶም ኣብቲ መረጻ ዘይሳተፉ ክልተ ክልልዊ ውደባት ሓደ ዝኾነ ዓረና ትግራይ ግን፡ ከም ውድብ ንዝሓዞ 'ዘይሕጋዊ እዩ' ዝብል መርገጺ ዝቐየረ ይመስል።
ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ኣብርሃ ደስታ፡ "ህዝቢ ባዕሉ ብዝመረጾ ክመሓደር ስለ ዝግባእ መረጻ ክካየድ ኣለዎ። ትግራይ ንበይና ተፈልያ መረጻ ምክያዳ ኣይፈተኹዎን፤ መረጻ ምክያድ እንድሕር ዘይተረፈ ግን 'ዕውት' ኮይኑ ይዛዘም" ክብል ጽሒፉ።
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ትዊተሩ፡ ንተወዳደርቲ ሰናይ ትምኒት ገሊጹ ኣሎ።
ቅድም ክብል፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ መረጻ ንምክያድ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ጠጠው ከብል ብደብዳበ ሓቲቱ ዝነበረ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ድማ ፡ እቲ መረጻ "ሕገ-መንግስታዊ ተፈጻሚነት ዘይብሉ" ዝብል ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ፡ እቲ ቤት ምኽሪ "ዘይሕጋዊ ካብ መረጻ ወጻኢ ስልጣኑ ዘናውሕ ዘሎ ፌዴራል መንግስቲ እዩ" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ፈጻሚ ስራሕ ባይቶ እቲ ክልል፡ እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ መረጻ ዘዕንቅፍ ውሳነ እንተወሲኑ ኲናት ከም ምእዋጅ ከምዝቖጽሮ ምጥንቃቑ'ውን ዝዝከር እዩ።
ፈጸምቲ፣ ተዓዘብትን ጋዜጠኛታትን
2684 ናቑጣታት መረጻ ተዳልዮም፤ ልዕሊ 2.75 ሚልዮን መራጺ ህዝብን 625 ሕጹያት ተወዳደርትን ከም ዝተመዝገቡ መረዳእታ ኮሚሽን መረጻ ትግራይ የረድእ።
ንቶም ተነሓናሕቲ ውድባት ዝተመቐለ ልዕሊ 15 ሚልዮን ብር ዝግመት ፋይናንሳዊ ወጻኢታት፡ ባዕሉ መንግስቲ ክልል ትግራይ እዩ ሸፊንዎ።
ነቲ መረጻ ክዕዘቡ ካብ ደገን ካብ ውሽጢ ዓዲ ንዝመጽኡ 61 ተዓዘብቲ'ውን ፍቓድ ከም ዝሃበ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ እዩ።
ዛጊት ብርክት ዝበሉ ዓለም ለኻ ሚድያትን ተዓዘብትን፡ ዝኣተዉ ኾይኖም፡ ሰኑይ ግን ልዕሊ 12 ዝኾኑ ጋዜጠኛታትን ተዓዘብትን ናብ መቐለ እንትገዓዙ፡ ኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ፡ ከምዛአገዶም ዓለም ለኸ ሚድያተት ጸብጺበን።
ካብ መንጎኦም ሞባይሎምን ላፕቶምን ተመንጢሎም፡ ማሕበራዊ ሚድያ ገጻቶም'ውን ብዘይ ፍቓደዶም ተከምዝተጎርጎረ ንቢቢሲ ገሊጾም እዮም።
ካብቶም ዝተኽልከሉ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ እቲ መረጻ ከህድእን እቲ ወጥሪ ብሽምግልና ክፍታሕን ሓቲቱ ናይ ዝነበረ ክራይስስ ግሩፕ ኣባላት ይርከብዎም።
እዚ ብፌዴራል መንግስቲ ዘይተደለየ ክልላዊ መረጻ ትግራይ፡ ሎሚ መዓልቲ እናተኸየደ ይርከብ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







