ናይጀርያ ብህዝቢ ንዝተጸልአ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ፌደራል በቲና

ተቓወምቲ ኣብ ጎደና

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ትማሊ ሰንበት ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞን ዘይምርግጋእን ነይሩ

መንግስቲ ናይጀርያ፡ ንጭካነ ፖሊስ ብምቅዋም ንዝተወልዐ ህዝባዊ ናዕቢ ስዒቡ፡ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክብተን ወሲኑ።

እቲ 'ሳርስ' - [ስፔሻል ኣንቲ-ሮበሪ ስኳድ] ብዝብል ዝፍለጥ ፍሉይ ጋንታ ጸረ-ፍግሪ (ስርቂ) ብቐጥታ ክብተን ከምዝተወሰነ እዩ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ ።

ኣንጻር እቲ ፍሉይ ሓይሊ ዝተወልዐ ህዝባዊ ተቓውሞ መበገሲኡ፡ ሓደ ሰብኣይ ብኣባላት ፖሊስ ክቕተል ከሎ ዘርእይ ቪድዮ ክዝርጋሕ ብምኽኣሉ እዩ።

ዝተወልዐ ህዝባዊ ተቓውሞ እናጸዓቐ ብምኻዱ ድማ፡ ካብ ናይጀርያ ወጻኢ'ውን ተዘርገሑ።

እቲ ውሳነ እንታይ ይብል?

ሕጊ ብምጥሓስ፣ ንሰባት ብምስቓይን ብምቕታልን ዝኽሰሱ ኩሎም ኣባላት 'ሳርስ' (ፍሉይ ጋንታ ጸረ-ስርቂ) ከም ሓድሽ ክውደቡ ምዃኖም ተገሊጹ'ሎ።

ነቲ ጋንታ ናይ ምትካእ ሓድሽ ምትዕርራይ ድማ ክስርሓሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ዋና ኣዛዚ ፖሊስ እታ ሃገር ከምዘፍለጦ፡ ካብ ውዳበታት ሲቪል ማሕበረሰብን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝሳተፉሉ ጉጅለ ምርመራ ተጣይሹ፡ ኣብቶም በቲ ፍሉይ ሓይሊ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ጥሕሰታት ምጽራይ ከካይድ እዩ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

1px transparent line

ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ፡ ፖሊስ ዝፍጽሞም ኣረመኒያዊ ተግባራት ንከብቅዕ ዳግመ ምትዕርራይ ከምዝገብርን "ንዘጥፍኡ ኣባላት ፖሊስ ናብ ፍርዲ ከምዘቕርብን" ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ተቃወምቲ ብወገኖም፡ እቲ ፍሉይ ጋንታ ምትዕርራይ ክግበሮ ዘይኮነስ መሊኡ ክፈርስ ይሓቱ።

ምኽንያቱ "እቲ ባህርያት ፖሊስ ንምቕያር ኣቐዲሙ ዝተኣተወ መብጽዓ ውጽኢታዊ ኣይኮነን" ይብሉ።