ናይጀርያ ብህዝቢ ንዝተጸልአ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ፌደራል በቲና

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስቲ ናይጀርያ፡ ንጭካነ ፖሊስ ብምቅዋም ንዝተወልዐ ህዝባዊ ናዕቢ ስዒቡ፡ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክብተን ወሲኑ።
እቲ 'ሳርስ' - [ስፔሻል ኣንቲ-ሮበሪ ስኳድ] ብዝብል ዝፍለጥ ፍሉይ ጋንታ ጸረ-ፍግሪ (ስርቂ) ብቐጥታ ክብተን ከምዝተወሰነ እዩ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ ።
ኣንጻር እቲ ፍሉይ ሓይሊ ዝተወልዐ ህዝባዊ ተቓውሞ መበገሲኡ፡ ሓደ ሰብኣይ ብኣባላት ፖሊስ ክቕተል ከሎ ዘርእይ ቪድዮ ክዝርጋሕ ብምኽኣሉ እዩ።
ዝተወልዐ ህዝባዊ ተቓውሞ እናጸዓቐ ብምኻዱ ድማ፡ ካብ ናይጀርያ ወጻኢ'ውን ተዘርገሑ።
እቲ ውሳነ እንታይ ይብል?
ሕጊ ብምጥሓስ፣ ንሰባት ብምስቓይን ብምቕታልን ዝኽሰሱ ኩሎም ኣባላት 'ሳርስ' (ፍሉይ ጋንታ ጸረ-ስርቂ) ከም ሓድሽ ክውደቡ ምዃኖም ተገሊጹ'ሎ።
ነቲ ጋንታ ናይ ምትካእ ሓድሽ ምትዕርራይ ድማ ክስርሓሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ዋና ኣዛዚ ፖሊስ እታ ሃገር ከምዘፍለጦ፡ ካብ ውዳበታት ሲቪል ማሕበረሰብን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝሳተፉሉ ጉጅለ ምርመራ ተጣይሹ፡ ኣብቶም በቲ ፍሉይ ሓይሊ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ጥሕሰታት ምጽራይ ከካይድ እዩ።

ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ፡ ፖሊስ ዝፍጽሞም ኣረመኒያዊ ተግባራት ንከብቅዕ ዳግመ ምትዕርራይ ከምዝገብርን "ንዘጥፍኡ ኣባላት ፖሊስ ናብ ፍርዲ ከምዘቕርብን" ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ተቃወምቲ ብወገኖም፡ እቲ ፍሉይ ጋንታ ምትዕርራይ ክግበሮ ዘይኮነስ መሊኡ ክፈርስ ይሓቱ።
ምኽንያቱ "እቲ ባህርያት ፖሊስ ንምቕያር ኣቐዲሙ ዝተኣተወ መብጽዓ ውጽኢታዊ ኣይኮነን" ይብሉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







