ኮሮናቫይረስ: ናይጀርያ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰበስልጣን ናይጀርያ ኣብታ 20 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ዝዓበየት ናይ ቢዝነስ ከተመኦም ሌጎስ፡ ሓደ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ካብ ሚላኖ ዝተጓዕዘ ኢጣልያዊ ከምዝረኸቡ፤ ይኹን እምበር ኣብ ሆስፒታል ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘሎ ሓቢሮም።
እቲ ኢጣልያዊ ዜጋ ኣብ ናይጀርያ ከተማ ሌጎስ ዝሰርሕ ኮይኑ፡ ካብ ሚላኖ ንሌጎስ ብ25 ለካቲት ምስኣተወ ብዝተገብረሉ መርመራ እዩ በቲ ሕማም ከምዝተለኽፈ ተፈሊጡ።
ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ሰሜን ኢጣልያ ኣብ ግዝኣት ሎምባርድያን ቨኒቶን ኣስታት 400 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፉን ሓያሎ ከምዝሞቱን ክዝረብ ጸኒሑ ኣሎ።
እቲ ኣብ ሆስፒታል ያባ-ሌጎስ ዝሕከም ዘሎ ሕሙም ዛጊት ጥዕንኡ ደሓን ከምዘሎ ምኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ዶ/ር ኦሳጄ ኢሃኔር ሓቢሩ።
ይኹን እምበር ትሑት ዝደረጅኡ ሕክምና ናይጀርያ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንክምክት ዘለዎ ተኽእሎ ከምዘስግኦ ገሊጹ።
እቲ ካብ ከተማ ሁበይ ቻይና ዝተበገሰ ኮሮናቫይረስ ኣብ ግብጽን ኣልጀርያን እውን ከምዝተራእየ ዝዝከር እዩ።
ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ቁጠባውን ንግዳውን ርክብ ስለዘለዋ ናብታ ሃገር ክዝርጋሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ዓቢ ስክፍታ ኣሎ።
ዓለማዊ ውድብ ጥዕና እቲ ሕማም ናብታ ዘተኣማምን ጥዕናዊ ኣገልግሎትን ብቑዕ መሳርሕን ዘይብላ ኣፍሪቃ ምስዝኣትው ከቢድ ሓደጋ ከየኸትል ልዑል ስግኣት ከምዘለዎ ሓቢሩ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







