ኮሮናቫይረስ: ናይጀርያ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ

ሰብ መዚ ናይጀርያ ኣብ ዓበይቲ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር፡ ንገያሾ ምርመራታት ክገብሩ ጸኒሖም እዮም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰብ መዚ ናይጀርያ ኣብ ዓበይቲ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር፡ ንገያሾ ምርመራታት ክገብሩ ጸኒሖም እዮም

ሰበስልጣን ናይጀርያ ኣብታ 20 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ዝዓበየት ናይ ቢዝነስ ከተመኦም ሌጎስ፡ ሓደ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ካብ ሚላኖ ዝተጓዕዘ ኢጣልያዊ ከምዝረኸቡ፤ ይኹን እምበር ኣብ ሆስፒታል ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቲ ኢጣልያዊ ዜጋ ኣብ ናይጀርያ ከተማ ሌጎስ ዝሰርሕ ኮይኑ፡ ካብ ሚላኖ ንሌጎስ ብ25 ለካቲት ምስኣተወ ብዝተገብረሉ መርመራ እዩ በቲ ሕማም ከምዝተለኽፈ ተፈሊጡ።

ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ሰሜን ኢጣልያ ኣብ ግዝኣት ሎምባርድያን ቨኒቶን ኣስታት 400 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፉን ሓያሎ ከምዝሞቱን ክዝረብ ጸኒሑ ኣሎ።

እቲ ኣብ ሆስፒታል ያባ-ሌጎስ ዝሕከም ዘሎ ሕሙም ዛጊት ጥዕንኡ ደሓን ከምዘሎ ምኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ዶ/ር ኦሳጄ ኢሃኔር ሓቢሩ።

ይኹን እምበር ትሑት ዝደረጅኡ ሕክምና ናይጀርያ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንክምክት ዘለዎ ተኽእሎ ከምዘስግኦ ገሊጹ።

እቲ ካብ ከተማ ሁበይ ቻይና ዝተበገሰ ኮሮናቫይረስ ኣብ ግብጽን ኣልጀርያን እውን ከምዝተራእየ ዝዝከር እዩ።

ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ቁጠባውን ንግዳውን ርክብ ስለዘለዋ ናብታ ሃገር ክዝርጋሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ዓቢ ስክፍታ ኣሎ።

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና እቲ ሕማም ናብታ ዘተኣማምን ጥዕናዊ ኣገልግሎትን ብቑዕ መሳርሕን ዘይብላ ኣፍሪቃ ምስዝኣትው ከቢድ ሓደጋ ከየኸትል ልዑል ስግኣት ከምዘለዎ ሓቢሩ'ሎ።