ወዲቑ ዝረኸቦ 41 ሽሕ ዶላር ናብ ዋንኡ ዝመለሰ ኣባል ሓይሊ ኣየር ናይጀርያ ማዕርግ ተወሲኹ

ምንጪ ስእሊ, Nigerian Airforce/Twitter
ወዲቑ ዝረኸቦ 41 ሽሕ ዶላር ናብ ዋንኡ ዝመለሰ፡ ኣባል ሓይሊ ኣየር ናይጀርያ ክልተ ማዕርግ ተወሲኹ።
በሽር ዑመር ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ናብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ካኖ ምስ ብጾቱ ኮይኑ ኣብ ሓለዋ ተዋፊሩ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን'ዩ ነቲ ዝተዓሸገ ገንዘብ ዝረኸበ። ሸዑ ኣብቲ ጥቕላል ተጻሒፉ ናብ ዝነበረ ቁጽሪ ቴለፎን ብምድዋል፡ ነቲ ገንዘብ ናብ ዋንኡ መሊስዎ።
እዚ ሕጂ ረኺብዎ ዘሎ ናይ ማዕርግ ምውሳኽ ዓሰርተ ዓመት ክወስደሉ ዝኽእል ምንባሩ መራኸቢ ብዙሓን ናይጀርያ ጸብጺበን።
ብዘይካ'ዚ ናይ ናእዳ ደብዳበ'ውን ተዋሂብዎ።
ኣብቲ ብሓሙስ ዝነበረ ጽንብል ምውሳኽ ማዕርግ፡ አየር ማርሻል ሳዲቕ ኣቡበከር "ዑመር ነቲ ገንዘብ ናብ ዋንኡ ብምምላሱ፡ ልሙድ ዘይኮነ ተግባር ጭውነት እዩ ፈጺሙ" ኢሉ።
ኣብቲ ጽምብል ምስ ወለዱ ተረኺቡ ዝነበረ ዑመር፡ ምምላስ እቲ ገንዘብ፡ ኣካል ናይቲ ካብ ወለዱን ስርሑን ዝወረሶ ዲሲፕሊን ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ሙሓመድ ቡሃሪ'ውን ናይጀርያውያን "ብፍላይ ድማ መንእሰያት፡ ክስዕብዎ ዝግባእ ክቡር ተግባር'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ናይጀርያ ወዲቑ ዝተረኸበ ክቡር ነገር ናብ በዓል ዋና ምምላስ ግን ብዑመር ዝተጀመረ ከም ዘይኮነ'ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ሰበስልጣን ሌጎስ ንኽልተ ሰራሕተኛታት ሓለዋ ብተመሳሳሊ ተግባር ሸሊሞም'ዮም።
ክልቲኦም ኣባላት ሰራዊት "ብዙሕ መጠን ገንዘብን ክቡር ዝኾኑ ኣቑሑን" ረኺቦም ናብ ሰብ ዋና ክምለስ ተገይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







