ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብሰንኪ ናዕቢ ንዝዓነወ ንብረት ‘ዝኽፈል ካሕሳ የለን’ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ናዕብን ዕግርግርን ንብረቶም ንዝዓነዎም ኣውፈርቲ (ኢንቨስተራት)፡ መንግስቲ ዝኸፍሎ ካሕሳ ከም ዘየለ ኣፍሊጡ።
ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ናይ'ቲ ክልል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት 89 ትካላት ሙሉእ ንሙሉእ ወይ’ውን ብኽፋል ከም ዝዓነው ገሊጹ።
ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ኣብ'ቲ ክልል ብዝተፈጥረ ናዕቢን ዕግርግርን ከቢድ ጉድኣት ካብ ዝበጽሐን ከተማታት፡ ሻሸመኔን ዝዋይን እተን ቀንዲ ኮይነን፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ወፍሪታት ሰፊሕ ጉድኣት በጺሑ እዩ።
ምክትል ሓላፊ ናይ'ቲ ኮሚሽን፡ ኣቶ ዋሲሁን ጎልጋ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ ድሕሪ ቅትለት ስነ-ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ኣውፈርቲ ትካላት ዝበጽሐ ጉድኣት፡ ብገንዘብ ልዕሊ ሰለስተ ቢሊየን ብር እዩ ኢሉ።
ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ንዝተፈላለዩ ትካላት ንምሕጋዝ ጻዕሪ ክገብር ምጽንሑ ተዛሪቡ።
“እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ምስተነጸረ፡ ምስ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ፌደራል ብምዝታይ ቅድሚ ሕጂ መካይንን መሽናትን ካብ ቀረጽ ናጻ ብዝኾነ ኣገባብ ዘእተው፡ ሕጂ’ውን ብናጻ ንከእትው፣ ልቓሕ ባንኪ ዘለዎም ድማ ግዜ ንክውሃቦም ተወሲኑ’ዩ” ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ እዞም ጉድኣት ዝበጽሖም ኣውፈርቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ናይ መሬት ሕቶ ኣቕሪቦም እንተነይሮም፡ ቀልጢፉ ንክውሃቦም ከም ዝተወሰነ እቲ በዓል መዚ ገሊጹ።
ቀልጢፎም ናብ ስራሕ ንክኣትው ካብ ምሕጋዝ ወጻኢ ግን፡ መንግስቲ ዝኸፍሎ ካሕሳ ከም ዘየለን ንምኽፋል ዝኣተዎ ቃል ከም ዘየለን ኣቶ ዋሲሁን ሓቢሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ጉድኣት ካብ ዝበጽሖም 89 ትካላት እቶም ውሑዳት ናብ ስራሕ ከም ዝተመለሱ ይገልጽ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝተፈጥረ ናዕቢ፡ ኣብ ልዕሊ ኣውፈርቲ ትካላት ጉድኣት ስለ ዝበጽሐ ኣብ ስራሕ ዘለው ትካላት፡ ብሙሉእ ዓቕሞም ንከይሰርሑ ጸቕጢ ከም ዝፈጥረሎም እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ።
“ኢንቨስትመንት ዝተረጋግአ ሰላም ይደሊ’ዩ። ስግኣት ሰላም ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ሰብ ሃፍቲ ብሙሉእ ዓቕሞም ክሰርሑ ስግኣት ይፈጥረሎም ኣሎ” ኢሉ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ልዕሊ 12 ሽሕ ትካላት ኢንቨስትመንት ከም ዘለው እቲ ክልል ይገልጽ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







