ዓረና ትግራይ፡ ምጥያሽ 'ኮሚሽን ወሰን ምምሕዳርን ዋኒናት መንነትን' ኣግባብነት የብሉን ኢሉ

መግለጺ ውድብ ዓረና

ውድብ ዓረና ትግራይ፤ ሕቶታት ወሰንን መንነትን ክፈትሕ እዩ ተባሂሉ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝተጣየሸ ኮምሽን ተቓዊሙ።

ፀገም ወሰንን ሕቶ መንነትን እንትለዓል ብመሰረት ዓንቀፅ 48 ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍታሕ እናተገበኦ: ከም ብሓዱሽ ኮምሽን ምጥያሽ ኣግባብነትን ሕጋነትን የብሉን ኢሉ።

ዓረና ትግራይ ነዚ ዝበለ፡ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ክኸውን ከሎ፤ ማእኸላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ኣብዚ ሰሙን ንኽልተ መዓልቲ ኣኼባ ድሕሪ ምክያዱ እዩ ነዚ መርገጺ ሒዙ።

እቲ ውድብ ብተወሳኺ፤ መንግስቲ ትግራይ ንተፈናቐልቲ ተጋሩ ግቡእ ጠመተ ኣይሃበን ኢሉ ኣብቲ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መግለጺ።

ውድብ ዓረና ኣብ ኣኼብኡ፤ ግዕዝይናን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ንምቅላስ ኣቐዲምካ ሰነዳዊ ፊልም ብምስንዳእ "እሞ ድማ ንሓደ ብሄረ ዝጠመተ መጥቃዕቲ ምፍፃም" ግቡእ ከም ዘይኮነ ዘትየ እውን ኢሉ።

ዓረና ምስ ዴምህት ብሓባር ተወሃሂዱ ንምቅላስ ሰፊሕ ዘተ የካይድ ምህላዉ እውን ኣብቲ ሎምመዓልቲ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መግለፂ ዕላዊ ገይሩ'ሎ።

መንግስቲ ፌደራልን ምምሕዳር ክልላትን ንህዝቢ ብኣግባቡ ኣብ ምምራሕ ዓቕሚ ስኢኖም ስለዘለዉ፤ ምስ ከም ዓረና መድረኽ ዝኣመሰሉ ኣማራፂ ዕላማ ዘለዎም ውድባት ኮይኖም ሃገር ብሓባር ክመርሑ ኣለዎም ኢሉ እቲ ተቓዋሚ ውድብ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ንዘሎ ህውከት ዝሕተትሉ ኣባላት ውድብ ኢህወዴግ እዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎ ዝገለፀ ዓረና፡ ካብዚ ብምብጋስ ሃገራዊ መረፃ ክሳብ ዝካየድ ብሄራዊ ሓድነታዊ መንግስቲ ብቕልጡፍ ክጣየሽ ኣለዎ ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ህዝቢታት ብግፍዒ እንትመዛበሉ ተሓታቲ መንግስታዊ ኣካል ኣይራእናን: ካሕሳ ኣይተወሃበን: መንግስቲ ፌደራል መፍትሒ ኣይምፀአን: ነዞም ፀገማት ዝሕተት ድማ ኢህወዴግ እዩ: ውድብ ዓረና ድማ ኣትሪሩ ይኹንን ይብል መግለፂ እቲ ውድብ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ዓረና፤ መራሕቲ ክልላትን ውድባትን፤ ንህወሓት ሓዊሱ፤ ንህዝቢ ናብ ኲናት የለዓዕሉ ኣለዉ እንትብል ከሲሱ'ሎ።