ኣቶ ስብሓት ነጋን ጃዋር መሓመድን ዝርከቦም እሱራት ብምሕረት ተፈቲሖም

ኣቶ ስብሓት ነጋን ጃዋር መሓመድን ዝርከቦም ሓያሎ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብምሕረት ከምዝተፈትሑ መንግስቲ ኣፍሊጡ።
"ኣብ ብሄራዊ ብዙሕነት መሰረት ዝገበረ ሓድነትን ሰላምን ክብል መንግስቲ ዝተወሰኑ እሱራት ብምሕረት ፈቲሑ'ሎ" ክብል ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።
እቶም ሎሚ ብምሕረት ተፈቲሖም ዘለዉ መራሕቲ ህወሓት ነበር፡ ኣቶ ስብሓት ነጋ፡ ወ/ሮ ቅዱሳን ነጋ፡ ኣቶ ኣባይ ወልዱ፡ ኣቶ ኣባዲ ዘሙ፡ ወ/ሮ ሙሉ ገብረግዚኣብሄርን ወይዘሮ ኪሮስ ሓጎስን እዮም።
ኣቶ ጀዋር መሓመድን ኩሎም ምስኡ ዝተኸሱ ኣቶ በቀለ ገርባ ዝርከቦም እሱራት: ከምኡ'ውን ኣቶ እስክንድር ነጋን ካልኦት ምስኡ ዝተኸሱን ከምዝተፈትሑ'ውን መንግስቲ ገሊጹ'ሎ።
እቲ ውሳነ፡ "ብህዝቢ ዝተመረጸ መንግስቲ ኣሳታፊ ሃገራዊ ምምይይጥ ንክዕወት ካብ ዘለዎ ሞራላዊ ሓላፍነት ሓደ ምሕረት ምግባር ብምዃኑ፡ ንዝሓሸ ፖለቲካዊ ምሕደራ ተባሂሉ መንግስቲ ሎሚ ዝተወሰኑ እሱራት ብምሕረት ካብ ማእሰርቲ ፈቲሑ'ሎ" ኢሉ።
እዞም ሎሚ መዓልቲ ልደት ተፈቲሖም ዘለዉ መራሕቲ ህወሓት ምስቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ብዝተሓሓዝ'ዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ብዛዕባ'ቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ካልኦት መራሕቲ ህወሓት ግን ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።
"ካብ ዝሓለፈ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ተማሂሮም፡ ዝሓሸ ፖለቲካዊን ማሕበራውን ኣበርክቶ ብምግባር፡ ሃገሮምን ህዝቦምን ክኽሕሱ'ዮም ኢሉ መንግስቲ ይኣምን" ይብል እቲ ኣማስያኡ ብመንግስቲ ዝወጸ መግለጺ።
ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ እስክንድር ነጋ ሎሚ፡ እቲ ጋዜጠኛ ነበር ፖለቲከኛ ድሕሪ ናይ 18 ኣዋርሕ ማእሰርቲ'ዩ ብዓርቢ ተፈቲሑ።
ኣብ ሰነ 2020፡ ምስቲ ብድሕሪ ቅትለት ፍሉጥ ስነጥበባዊ ቋንቋ ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተላዕለ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ጸኒሑ።
ነቲ ብዙሓት ሰባት ዝተቐትልሉ ናዕቢ ኣለዓዒልካ ተባሂሉ ምስ ካልኦት ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ተኣሲሩ።
ምስቲ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ዝተባህሉ ፖለቲከኛታት'ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተፈቲሖም ኣለዉ።
ጠበቓ ናይ በዓል ጃዋር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብቓል ካብ ማእሰርቲ ከምዝወጹ'ኳ እንተ ተነግሮም፡ ሎሚ ብለይቲ ኣንይንወጽእን ከምዝበሉ ተዛሪቡ።
እቲ እስክንድር ነጋ፡ ዝመርሖ 'ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ' ተባሂሉ ዝጽዋ ሰልፈ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ላዕለዎት መራሕቱ ከምዝተፈትሑ ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብኣጋጣሚ በዓል-ልደት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእን ግጭነን "ብሰላማዊን ፖለቲካውን ኣገባብ" ክፈትሖ ከምዝደሊ ኣተንቢሁ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, YONAS TADESSE
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ፍትሒ ስርዓት ብዙሕ ጸገማት ዘለዎ ምዃኑ'ውን ነቒፉ።
ኣብቲ ምስ ካቢነ ሚኒስተራቱ ከካይዶ ዝቐነየ ናይ ገምጋም ኣኼባ፡ "ንሕና ብዛዕባ ፍትሒ ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና" ብምባል ንኣብያተ-ፍርዲ፡ ኣኽበርቲ ሕግን ፖሊስን ነቒፉ።
ነቲ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝግበር ማእሰርቲ፡ ብፍላይ ንሃብታማት ዒላማ ምግባር "ስርቂ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







