ኣቶ እስክንድር ነጋ ናይ ድሕነት ስግኣት ከምዘለዎ ንኢሰማኮ ገሊጹ

እስክንድር ነጋ

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኣቦ መንበር ‘ባልደራስ ለእወነተኛ ዴምክራሲ’ ኣቶ እስክንድር ነጋ ኣብቲ ዝተኣሰረሉ ቤት ማእሰርቲ ምስ ውልቃዊ ድሕነቱ ተዛሚዱ ስግኣት ከምዝሓደሮ ምዝራቡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቂሊንጦ ምስ ሓደ ካልእ እሱር ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ኣቶ እስክንድር ማህረምቲ ከምዘጋጠሞ ምስተሰምዐ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት እቲ ጉዳይ ከምዘጻረዮን እስክንድር ኣካላዊ ማህሰይቲ ከምዘጋጠሞ ኣረጋጊጸ እየ ኢሉ።

በዚ ምኽንያት ብቕድሚ ትማሊ ኣቶ እስክንድር ነጋ ንዝቐረበሉ ክሲ መሰኻኽር ንምስማዕ ተታሒዙ ኣብ ዝነበረ መጋባእያ ስለዘይተረኸበ እቲ መሰኻኽር ናይ ምስማዕ ቆጸራ ንኻልእ መዓልቲ ከምዝተዘዋወረ ካብ ጠበቓታቱ ሓደ ዝኾነ ኣቶ ሰለሞን ገዛሀኝ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣቶ እከክንድር ኣብቲ መጋባእያ ዘይቀረበሉ ምኽንያት ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ክስተት ብውልቁ ዝወሰዶ ውሳነ ከምዝኾነን “ሕጂ’ውን እንተኾነ ምስ ናይ ውልቁ ድሕነት ተዛሚዱ ስግኣት ከምዘለዎ ምዝራቡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩ።

ኣስዒቡ እቲ ዘጋጠመ ክስተት “ተራ ባእሲ’ዩ ኢሉ ከምዘይኣምንን ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ መሰኻኽር ናይ ምስማዕ ከይዲ የልዕሎም ብዘሎ መስቀለኛ ሕቶታትን ካልኦት ጉዳያትን ዝተትሓሓዘ’ዩ” ኢሉ ከምዝኣምን ምዝራቡ እቲ ኮምሽን ኣፍሊጡ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣቶ እስክንድር ነጋ ኣብ ዝርከበሉ ግዝያዊ መዕረፊ ቂሊንጦ ተረኺቡ ንዝምልከቶም ሰባት ሓቲቱ ከምዘጻረየ ኣመላኺቱ’ሎ።

በዚ መሰረት ኣቶ እስክንድር ናይ ቤት ፍርዲ ቆጸራ ኣብ ዝነበረሉ ሓሙስ ንጉሆ ዕለት 11/2014 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ስፖርታዊ ምንቅስቓስ እንዳገበረ እንከሎ ምስ ሓደ ካልእ እሱር ድሕሪ ናይ ቃላት እንካ ሃባ ናብ ኣካላዊ ባእሲ ኣምሪሑ ንሱ ጉድኣት ከምዝበጽሖ ኣረጋጊጹ።

ኣቶ እስክንድር ድሕሪ እቲ ባእሲ ኣብ ናይ እግሩ ኣጻብዕቲ ሕበጥ ከምኡ እውን ኣብ ማእገሩን ቅርንብ ዓይኑን ከምዝተለሓሓጸ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘረጋገጸ ኮይኑ እቲ መባእስቱ ከኣ ኣብ ኣጻብዕቲ የማናይ ኢዱ ጉድኣት ከምዝበጽሖ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ እስክንድር ነጋን መባእስቱነም ቅድሚ ሕጂ’ውን እንተኾነ ናይ ዘይምርድዳእ ጸገም ከምዝነበሮምን ድሕሪ እቲ ባእሲ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ግቡእ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ከምዝረኸቡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣረጋጊጹ።

ክልቲኦም መባእስቲ ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ተወሳኺ ክሲ ናይ ምምስራት ድልየት ከምዘይብሎም ተፈሊጡ’ሎ።

ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ኣቶ እስክንድር ነጋን መባእስቱን ዘጋጠመ ጎንጺ ብዛዕባ ሓለዋ ድሕነት እሱራትን ኣብ መንጎ እሱራት ባእሲ እንተጋጥም ከመይ ኣቢልካ ቅልጡፍ ስጉምቲ ትወስድ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ማዕዳ ከምዝሃበ እቲ ኮምሽን ጠቒሱ።

እቲ ተቛሪጹ ዝነበረ ቆጸራ መጋባእያ ንቀጻሊ ሰሙን ሰኑይ ከምዝተቐየረ ጠበቓታት ኣቶ እስክንድር ተዛሪቦም።

ኣቶ እስክንድር ኮነ ካልኦት ኣባላት ውድብ ‘ባልደራስ ለእወነተኛ ዴምክራሲ’ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2012 ወርሒ ሰነ ምስ ቅትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ተዛሚዱ ብዝተልዓለ ህውከት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ይረአ’ሎ።