ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ተዘራሪቦም

ጆ ባይደን እና ዐቢይ አህመድ

ምንጪ ስእሊ, AFP/GETTY

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ብስልኪ ከምዝተዘራረቡ ሓቢሮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብትዊተር ኣብ ዘወጽኦ ሓበሬታ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ዞባዊ ጉዳያትን ከምዝተዘራረቡ ምብጥቃስ፡ "ሃናጺ ጽምዶ" ምክያድ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ጆ ባይደን (ዋይት ሃውስ) ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝወሰዶ ምፍታሕ ፍሉጣት እሰራት ፖለቲካ ብምንኣድ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ንሲቪላውያን ግዳይ ይገብር ምህላዉ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ ተፈናቐልቲ ዝተዓቚብሉ መዓስከር መጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ትካላት ረድኤት ኣብቲ ዞባ ዝህብዎ ዝነበሩ ኣግልግሎት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘቋረጹ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ። ይኹን እምበር፡ ብወገን መንግስቲ ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ደብዳብ ነፈርቲ ዝተዋህበ መግለጺ የለን። ቅድሚ ሕጂ ግን ንዒላማታት ሓይልታት ትግራይ ዘነጻጸረ መጥቃዕትታት ክገብር ከምዝጸንሐ'ዮም ዝገልጹ ነይሮም።

ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ተዓጽዩ ዝርከብ መስመራት መራኸቢታት ስልክን ኢንተርነትን፡ ነቲ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን።

"ክልቲኦም መራሕቲ ብልዝብ ዝተበጽሐ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዝግበረሉ መንገዲ ንምቅልጣፍ፡ ሰብኣዊ [ሓገዝ] ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ዝበጽሓሉ ኩነታት ምምሕያሽን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኩሎም ዝተጸልዉ ኢትዮጵያውያን ዘሎ ስክፍታታት ንምፍታሕን ተመያዪጦም" ክብል መግለጺ ዋይት ሃውስ ጠቒሱ።

"ፕረዚደንት ባይደን ብዛዕባ ዝቕጽል ዘሎ ተጻብኦታት፡ እንኮላይ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ኣየር ሲቪላውያን ግዳያት ይገብር ብምህላዉ ዘለዎ ሻቕሎት ገሊጹ" ክብል'ውን ገሊጹ።

ንኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ዞባዊ መሻርኽትን ክትሰርሕ ኣመሪካ ድልውቲ ምዃና ዘረጋገጸ መግለጺ ባይደን፡ ጭቡጥ ገስጋስ ክርኢ ከምዝደሊ ኣይሓብአን።

ኣመሪካ፡ ነቲ ካብ መዝነቱ ዝሰናበት ዘሎ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ዝትክእ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝመዘዘት ገሊጻ።

ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ዞባ ኮይኑ ከምዝተመዘዘ ኣፍሊጡ።

ፈልትማን ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ምንባሩ'ዩ ዝግለጽ። እንተኾነ ግን ብዛዕባ'ቲ ናይ ስንብታ ዝተባህለሉ ዑደት ፈልትማን ዝወጸ ዝርዝር ሓበሬታ ዛጊት የለን።

ሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ምስ ኲናት ትግራይ ዝምልከት መርገጺታትን መግለጺታትን ኣመሪካ ክነቕፉ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብታ ሃገር ክግበር ዝሕሰብ ዘሎ ሃገራዊ ልዝብ ዕዉት ንምግባር፡ ሓያሎ ፍሉጣት እሱራት ፖለቲካ ፈቲሑ ነይሩ።

ካብቶም ብዓርቢ ምሸት ዝተፈትሑ እሱራት፡ መስራትን መራሕን ህወሓት ነበር ኣቶ ስብሓት ነጋ፡ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ጃዋር መሓመድን፡ መራሒ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ እስክንድር ነጋን ይርከብዎም።

ምፍታሕ ናይቶም እሱራት ሓያል ተቓውሞ ዘስዓበሎም ሰብመዚ ኢትዮጵያ ግን፡ ብምሕረት ዘይኮነስ ክሶም ብምስሓብ ከምዝተፈትሑ ዝገልጽ ተወሳኺ መብሪሂታት ክህቡ ቀንዮም ኣለዉ።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ዋላ'ኳ ሓይልታት ትግራይ ካብቶም ተቖጻጺሮሞም ዝነበሩ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን እንተወጹን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያውን ኣብቶም ዝተቖጻጸሮም ከባቢታት ክልቲኦም ክልላት ደው ክብል ከምዝተኣዘዘን፡ ሓሓሊፉ ኣብ መንጎኦም ውግኣትን ግጭትን ይካየድ ምህላዉ ይንገር።

እቲ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ዕንወትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።