ብዛዕባ እቶም ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ፖለቲከኛታት እንታይ ንፈልጥ?

ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተኸሰቱ ክልተ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቅልውላዋት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ናይ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣባላትን መራሕትን፤ ጡረተኛታትን ክፍትሑ ከምዝተወሰነ ጥሪ 7 ተገሊጹ እዩ።
ኣብ በዓል ልደት ናይ ምፍትሖም ዜና ቅድሚ ምውጽኡ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ይቕርታን ምሕረትን ብዝምልከት "ዓወትና ዘላቒ ምእንቲ ክኸውን ምሕረት ነቲ እቲ ግጭት ዝፈጠሮ ወጥሪ ክነህድእ ኢና" ብምባል ዘአንፍት መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ "እቲ ዝበደለ ክቕጻዕ፣ ዝበደለ ከምዝኽሕስ ዝገብር ንኹሉ ዘካተተ ፍትሒ ብመርኣዪ ፍትሒ ስግግርን ተሓድሶን፣ ሃገራዊ ባህልናን ክብርታትናን ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ ፍትሒ ክነስፍን ኢና" ኢሉ።
ኣማስይኡ ከኣ መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ውሳነ ብመገዲ ቤትጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መግለጺ እኳ እንተኣውጽአ፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝተፈላለየ ምላሽ ኣኸቲሉን ሕቶታት ኣለዓዒሉን ኣሎ።
ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ነቲ ውሳነ ኣመልኪቱ "ኢትዮጵያ ንዘላቒ ብሄራዊ ሓድነት ዝኾነ መስዋእቲ ክትከፍል እያ" ብዝብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንጸገማት ኢትዮጵያ ኩለንትናዊ ብዝኾነ መልክዕ ምፍታሕ ከምዘድሊ እምነት መንግስቲ ምዃኑ ጠቒሱ።
ነዚ ከኣ መንግስቲ ኣሳታፊ ሃገራዊ ዘተ ዕውት ንክኸውን ክገብሮ ካብ ዘለዎ ሞራላዊ ግዴታታት ሓደ ምሕረት ምዃኑ ብምጥቃስ "ንዝሓሸ ፖለቲካዊ ኩነታት ክበሃል መንግስቲ ንገለ እሱራት ብምሕረት ካብ ማእሰርቲ ፈቲሑ ኣሎ" ኢሉ።
ሚኒስትሪ ፍትሒ ብወገኑ ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፌደራል መጋባእያ ሕገ መንግስትን ግብረሽበራን ክርአ ካብ ዝጸንሐ ኣብ ናይ ጃዋር መሓመድን እስክንድር ነጋን መዝገብ ዝርከቡ ተኸሰስቲ፤ ክሶም ክእለይ ከምዝተገበረ ሓቢሩ።
ብዘይካ'ዚ ናይ ጥዕናን ኩነታት ዕድመን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ናይ በዓል ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል መዝገብ ዝተኸሰሱ ሽዱሽተ ኣባላትን መራሕቲ ነበርን ህወሓት ክሶም ክእለይ ከምዝተገበረ እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ።
ንምዃኑ እዞም ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ዝተወሰነሎም ውልቀሰባት እኒ መን እዮም?
ስብሓት ነጋ
ህወሓት ብረታዊ ቃልሲ ክጅምር እንከሎ ካብ መስረትቲ ሓደ ዝኮነ ኣቶ ስብሓት ነጋ ኢህወዴግ ፖለቲካዊ ስልጣን ምስጨበጠ ሓደ ካብ ጽልዋ ፈጠርቲ ፖለቲከኛታት ኮይኑ ቀጺሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ንኣቶ ስብሓት ነጋ ሓደ ካብ ቀንዲ መለዓዐልቲ እቲ ጎንጺ ብዝብል ናይ ማእሰርቲ ወረቐት ካብ ዘውጽኣሎም መራሕትን ነበርን ህወሓት ሓደ እዩ።
ወዲ 86 ዓመት ኣቶ ሰብሓት ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ቁጽጽር ዝኣተወ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ 30 2013 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ትግራይ’ዩ ነይሩ።
ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣቦ መንበር ህወሓት ኮይኑ ዘገልገለ ኣቶ ስብሓት ነጋ ንትካል እግሪ ምትካል ትግራይ’ውን መሪሑ’ዩ።
ክሳብ ብጥሮታ ዝወጽእ ድማ ሓላፊ ትካል ሰላምን ስትራቴጅካዊ መጽናዕቲ ርክባት ወጻኢ ኮይኑ ይመርሕ ዝነበረ ኣቶ ስብሓት ነጋ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጎቦታት ዓዴት ምስ በዓልቲ ቤቱ፣ ሓፍቱን ካልኦት ነባራት መራሕቲ ህወሓት ተታሒዙ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ይፍለጥ።
ኣቶ ስብሓት ነጋ ብናይ ሃገር ክሕደት፣ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ብምፍጻምን ናዕቢ ብምልዕዓልን ዝብሉ ክስታት ቀሪብሉ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነይሩ።
ጃዋር መሓመድ
ጃዋር መሓመድ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ፖለቲካ ኦሮሞ ካብ ዝጥቀሱ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ሓደ ኮይኑ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ወጻኢ ሃገር ድሕሪ ምንባር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ እዩ ናብ ዓዱ ዝተመለሰ።
ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይካየድ ንዝነበረ ተቓውሞ ብምምራሕን ብምውህሃድን ልዑል ተራ ዝነበሮ ኣቶ ጃዋር ኦኤምኤን ዝተባሃለ ናይ ሳተላይት መደበር ቴለቪዥን ብምትካልን ብምምራሕን ቀንዲ ተራ ነይርዎ።
ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምላሱ ናብ ናይ ሰልፊ ፖለቲካ ንምእታው ብምውሳኑ፡ ቅድሚ ምእሳሩ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣሜሪካዊ ዜግነቱ ምምላሱ ይዝከር።
በዚ ከኣ ብፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ንዝምራሕ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ብምጽንባር ምንቅስቓስ ጀሚሩ ኣብቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝተሰጋገረ ምርጫ ክሳተፍ ኣብ ምድላው ነይሩ።
እቲ ምርጫ ድሕሪ ምስግጋሩ ኣብ ሰነ 2012 ኣቆጻጽራ ግእዝ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምቕታሉ ምስ ዝተልዓለ እግርግር ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ምእታው ዝዝከር እዩ።
ሽዑ ኣብ ትሕቲ መዝገብ ጃዋር ልዕሊ 20 ሰባት ንሕጊ ጸረ ሽብር፣ ናይ ቴለኮም ኣዋጅን ንኣዋጅ ምምሕዳርን ምቁጽጻርን ብረት ብምጥሓስ ተኸሲሶም ጉዳዮም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ቤትፍርዲ ክርአ ጸኒሑ።
ኣቶ ጃዋር ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተፈላለየ ናይ ጥዕና ጸገማት ኣጋጢምዎ ከም ዝነበረ ክግለጽ እንከሎ፡ ሓደ እዋን ነቲ ማእሰርቲ ብምቅዋም መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ብምግባሩ ኩነታት ጥዕንኡ ኣሻቓሊ ኮይኑ ምንባሩን ክሳዕ ኣብ ሆስፒታል ምድቃስን በጺሑ ምንባሩ ይዝከር።
በቀለ ገርባ
ኣቶ በቀለ ገርባ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ዝነበረ ኸይኑ፡ ደሓር ድማ ኣባልን ኣመራርሓን ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ክሲ መዝገብ ኣቶ ጃዋር መሐመድ ተመሳሳሊ ክሲ ካብ ዝቐረቦም ሓደ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ስዒቡ ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሐ ኣቶ በቀለ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ድማ ንቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ምኽንያት እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ጸኒሑ።
ኣቶ በቀለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ኣቶ ጃዋርን ካልኦትን ኮይኑ ናይ ምግቢ ምህሳም ኣድማ ዘካየደ ኾይኑ፡ ጥዕንኡ ናብ ኣዝዩ ዘሻቕል ኩነታት ወሪዱ ክሳብ ኣብ ሆስፒታል ክትትል ዝገበረሉ ኩነታት በጺሑ ነይሩ።
እስክንድር ነጋ
ፖለቲከኛን ጋዜጠኛን ኣይተ እስክንድር ነጋ ቅድሚ ሕዚ ምስ ሞይኡ ብዝዛመድ ብተደጋጋሚ ተኣሲሩ'ዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ጋዜጣታት ብምድላውን ብምሕታምን ዝፍለጥ ኮይኑ ንመንግስቲ ብምንቃፍ ይፍለጥ። ብምኽንያት እዚ ንተደጋጋሚ ማእሰርትን ምንግልታዕን ዝተሳጥሐ እስክንድር፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት'ዩ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ።
ኣይተ እስክንድር ካብ ማእሰርቲ ምስ ወፅአ ናብ ናይ ጋዜጠኝነት ስርሑ ዝተመልሰ እንትኾን፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ኣዲስኣበባ ዘድህብ ውድብ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ መስሪቱ ክመርሕ ፀኒሑ።
ኣብ ወርሒ ሰነ 2012 ኣቆፃፅራ ግእዝ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ዝተኣሰረ እስክንድር ነጋ፡ ንኣዋጅ ፀረ ግብረራዕዲ ብምጥሓስን ሓይሊ ብምጥቃም መንግስቲ ንምቁፅፃር ብምፍታንን ተኸሲሱ፡ ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ክረአ ፀኒሑ።
ምስ ኣይተ እስክንድር ሓቢሮም ዝተኣሰሩ ኣባላት እቲ ውድብ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተካየደ መረፃ ንምስታፍ ንቦርድ መረፃ እታ ሃገር ሓቲቶም ተቐባልነት ኣይረኸቡን። ቤት ፍርዲ ግና ንሕቶ ኣባላት እቲ ውድብ ተቐቢልዎ ኔሩ።
ቅድሚ ሕዚ ብዘይተርኣየ ኩነታት፡ ኣይተ እስክንድር ሓዊሱ ኣመራርሓ ውድብ ባልደራስ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ሕፁያት መረፃ ኮይኖም'ኳ እንተቐረቡ፡ እንከይተመረፁ ተሪፎም።
እስክንድር ነጋ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ፡ ብሓደ እሱር ከምዝተጠቕዐ ዝተገለፀ እንትኾን፡ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርድን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ብምቕራብ ስጉምቲ ክውሰድ ሓቲቱ ኔሩ።
ንኣይተ እስክንድር ነጋ ሓዊሱ፡ ኣይተ ስንታየሁ ቸኮል፥ ወይዘሮ ኣስቴር ስዩምን ኣስካለ ደምሌን ዝተብሃሉ ኣመራርሓ ባልደራስ 29 ታሕሳስ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ተፈቲሖም።
ቅዱሳን ነጋ
ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ነበር ወ/ሮ ቅዱሳን ነጋ ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ዝኣተዉ መራሕቲ ህወሓት ሓንቲ እያ።
ንሳ ኣብ መወዳእታ 60ታት ናብቲ ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ዝተጸምበረት ተጋዳሊት ኮይና ሓፍቲ ኣቶ ስብሓት ነጋ እያ።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ትግራይን ከንቲባ ከተማ መቐለን ኮይና ዘገልገለት ወ/ሮ ቅዱሳን ነጋ በዓልቲ ቤት ፕረዚደነት ትግራይ ነበር ኣቶ ጸጋይ በርሀ ከምዝኾነት ይፍለጥ።
ወ/ሮ ሙሉ ገብረእግዝኣብሄር
ወ/ሮ ሙሉ ገብረእግዝኣብሄር ኣባል ህወሓት ኮይና ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ እያ ነይራ። ካብኡ ብተወሳኺ’ውን ኣብ ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ፌደራል ሚኒስትር ደኤታ ኮይና ኣገልጊላ።
ንሳ ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝወዓሉ ኣባላት ህወሓት ሓንቲ ኮይና ጉዳያ ብቤት ፍርዲ ክርአ ድሕሪ ምጽናሕ ምሕረት ተገይርሎም ካብ ዝተፈትሑ እሱራት ሓንቲ እያ።
ኣስቴር ስዩም
ብኬሚስትሪ ብልዑል ማዕርግ ዝተመረቐት መንእሰይ ፖለቲከኛ ቀለብ (ኣስቴር) ስዩም ቅድሚ ዓመታት ንውድብ ሓድነት ንፍትሕን ዲሞክራስን ጨንፈር ዞባ ሰሜን ጎንደር ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ኮይና ትንቀሳቐስ ኔራ።
ኢህወደግ ንኢትዮጵያ ይመርሓሉ ኣብ ዝነበረ ግዘ ብሓይልታት ፀጥታ ተታሒዛ ብገበን ግብረራዕዲ ተኸሲሳ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ማእከላውን ቅሊንጦን ንኣርባዕተ ዓመታት ተኣሲራ፤ ፍርዳ ወዲኣ ድማ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሓ።
ኣደ ክልተ ቆልዑ ዝኾነት ኣስቴር ውድብ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ እንትምስረት ናብቲ ውድብ ተፀንቢራ ብኣመራርሓ ክተገልግል ፀኒሓ። ካልኦት ኣመራርሃ እቲ ውድብ ብዝተኣሰርሉ ክሲ ድማ ንልዕሊ ሓደ ዓመትን ሽድሽተ ወርሕን ተኣሲራ ድሕሪ ምፅናሕ'ያ ሎሚ ተፈቲሓ።
ኣስቴር፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝተደረኸን ንመራሕቲ ዝነቅፍን 'የመሪዎች ሴራ በኢትዮጵያ'ን (ሽርሒ መራሕቲ ኣብ ኢትዮጵያ) 'ሀገር ስታምጥ'ን ዝብሉ ክልተ መፅሓፍቲ ፅሒፋ እያ።
ኣስቴር ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምእሳራ ስዒቡ ብዘጋጠማ ኣካላውን ስነ-ልቦናውን ጉድኣት፡ ዝተፈላለዩ ፀገማት ጥዕና ከምዘጋጠማ ትዛረብ።
ካልኦትከ
ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ኣብ ቁጽጽር ዝኣተዉ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓትን ነበርን፡ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ብዙሓት ከምዝኾኑ’ኳ ዝፍለጥ እንተኾነ ብምሕረት ክፍትሑ ዝተወሰነሎም ግን 6 ጥራይ እዮም።
በዚ መሰረት ኣቶ ስብሓት ነጋ፣ ወ/ሮ ቅዱሳን ነጋ፣ ወ/ሮ ሙሉ ገብረእግዝኣብሄር፣ ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ኣቶ ኣባይ ወልዱ፣ ኣቶ ኣባዲ ዘሙን ወ/ሮ ኪሮስ ሓጎስን እዮም።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







