ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ ጃዋር መሓመድ ካብ ኮቪድ-19 ናጻ'ዩ ተባሂሉ

ጃዋር መሓመድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ደረጃ መጋብእያ ቤት ፍርዲ ኣራዳ ፌደራል፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ጃዋር መሓመድን ካልኦት 14 ጥርጡራትን ዝተኸፈተ መዝገብ ቅድመ መርመራ ንምርኣይን ቃል መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ ንምስማዕን ተኸፊቱ ውዒሉ።

ብመሰረት ዝሓለፈ ሰኑይ ዝሃቦ ቖጸራ ኩሎም ጥርጡራት መርመራ ኮቪድ-19 ከም ዝተገበረሎም ዘረጋግጽ መረዳእታ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ቀሪቡ ተባሂሉ።

ካብዚ ብዝብገስ ኣቶ ጃዋር መሓመድ፣ ኣቶ በቀለ ገርባ፣ ኣቶ ሃምዛ ኣዳነን ሸምሰዲን ጠሃን መርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይሩሎም ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ መረዳእታ ሕክምና ፖሊስ ኣቕሪቡ።

ብኻልእ ወገን ጉዳይ ሕክምና ኣቶ ጃዋር መሓመድ ቖጸራ ተታሕዝሉ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣቶ ጃዋር ኣገልግሎት ሕክምና ንክረክብ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ ነይሩ።

ትማሊ ኣብ ዝወዓለ መጋብኣያ ግን ኣቶ ጃዋር መሓመድ ሕክምና ከም ዘይረኸበን ሕጂ'ውን ይሕሞ ከም ዘሎን ብምግላጽ "መግቢ ክበልዕ ከለኹ ይሕመኒ፤ ውጽኣት'ውን ኣለኒ" ኢሉ።

ይኹን'ምበር ንህይወቱ ስለ ዝሰግእ ንሱ ብዘይፈልጦ ሓኪም ክሕከም ከም ዘይደሊ ተዛሪቡ።

ብፍላይ "ሃጫሉ ሞይቱ'ዩ፤ ጃዋር'ዩ ተሪፉ እናተባህለ ነይሩ። ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል'ውን ህይወተይ ኣብ ስግኣት ብምህላው ሓለዋ ይገብረለይ ኣሎ። ኣነ'ውን ትካላት ሕክምና መንግስቲ ብምስትንዓቕ ዘይኮነ ብመንጽር ንህይወተይ ብዘለኒ ስግኣት ብናይ ውልቂ ሓኪም እየ ክሕከም ዝደሊ" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ብሰኑይ መርማሪ ፖሊስን ዓቃቢ ሕግን ብናይ ውልቁ ሓኪም ክሕከም ከም ዝኽእል ሓቢሮምሉ'ኳ እንተነበሩ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ውልቁ ሓኪም ቴሌፎን ስለ ዘይነበሮ ኣብ ቀጻሊ መዓልቲ መጺኡ ንክሕክሞ ከም ዘይተፈቐደሉን ከም ዝተመለሰን ገሊጹ።

ኣብዚ ጉዳይ ዓቃቢ ሕጊ "ኣብቲ እዋን ብቕልጡፍ ሕክምና የድልዮ እንተኾይኑ ብዝብል ነቲ ሓኪም ጸዊዕናዮ ነይርና። ግን ድማ ቴሌፎን የብለይን ስለዝበለ ክሕከም ኣይክኣለን። ካብዚ ወጻኢ ነቲ ዘሎ መስርሕ ተኸቲሉ እዩ ክሕከም ዘለዎ" ክብል ነቲ ቤት ፍርዲ ኣረዲኡ።

ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል'ውን ኣቶ ጃዋር መሓመድ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ፖሊስ ፌደራል ንክሕከም ከም ዘዳልወሉን ኣብኡ ዝሕከም እንተኾይኑ "ንህይወቱ ዋሕስ" ከም ዝኾኖን ተዛሪቡ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብኽልቲኡ ወገን ዝቐረበ ሓሳብ ምስ ሰምዐ፡ ዓንቀጽ 21 ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ብናይ ውልቂ ሓኪም ናይ ምሕካም መሰል ከም ዘለዎ ብምግላጽን ተፈጻሚ ክኸውንን ትእዛዝ ሂቡ።

ብኻልእ ወገን ካልኦት ጥርጡራት ብጠበቕኦም ዘልዓሉዎ ጉዳይ ካሜራ ነይሩ።

እዚ ድማ ጠበቓታት ምስቶም ጥርጡራት ክራኸቡ ከለው ብምስልን ድምጽን ዝቐድሖም ካሜራ ከም ዝተተኸለን ሚስጢሮም ብዝተሓለወ መገዲ ክዘራረቡ ከም ዘይኽኣሉን ተዛሪቦም ነይሮም።

እቲ ቤት ፍርዲ'ውን ጠበቓታት ዓማዊሎም ሚስጥሮም ብዝተሓለወ መገዲ ክረኽቡዎም ዝኽእልሉ ኩነታት ክተኣታቶ ትዝዛዝ ሂቡ ምሃቡ ይዝከር።

ይኹን'ምበር እቶም ጠበቓታት ትማሊ'ውን ነቲ ቤት ፍርዲ ከም ዝበሉዎ፡ ሰኑይ፣ ሮቡዕን ዓርብን ምስ ዓማዊሎም ንምርኻብ ቖጸራ ከም ዝተትሓዘሎም ብምግላጽ፡ ብሮቡዕ ናብቲ ቦታ ምስ ከዱ ካሜራ ከም ዝርኣዩን እቲ ካመራ ምስ ተኣልየ ከምዝምለሱ ገሊጾም።

"ንሎሚ ከነዘራርቦም ቖጸራ ሒዝና ተመሊስና፤ ሎሚ ንጉሆ [ብሓሙስ] ክንከይድ ከለና ድማ ኣብ ዘይተፈቐደልኩም መዓልቲ መጺእኹም ክተዛርቡዎም ኣይትኽእሉን ተባሂልና ተመሊስና። ፖሊስ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣየኽብርን ዘሎ" ኢሎም።

ኮሮና

ፖሊስ ብወገኑ እቲ ካሜራ ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ቤተ መጽሓፍቲ ንምሕላው ከም ዝተተኸለ ብምግላጽ ጠበቓታት ምስ ዓማዊሎም ንክራኸቡ ቦታ ከም ዘመቻችአን ከም ዝተራኸቡን፡ ነዚ ዘረጋግጽ ክኣትው ከለው ዝፈረሙዎ ቅጥዒ ከም ዘለዎን ገሊጹ።

ይኹን'ምበር ጠበቓታት "ቅድሚ ሕጂ ብዝነበረ ኣሰራርሓ ኣቲና ኣዛሪብና ክንወጽእ ከለና ኢና ንፍርም፤ ሕጂ ግን ምስ ዓማዊልና ከይተራኸብና ክንፍርም ይግበር ኣሎ። ኣቲና ከይረኸብናዮም ከኣ ንምለስ ኣለና" ኢሎም ተኻቲዖም።

ንኽትዕ ክልቲኡ ሸነኽ ዘዳመጸ ቤት ፍርዲ ብወገኑ፡ ጠበቓታት ሚስጥሩ ኣብ ዝተሓለወ ቦታ ምስ ዓማዊሎም ክራኸቡ ኣለዎም፤ እዚ'ውን ተፈጻሚ ክኸውን ኣለዎ፤ እንተዘይኾይኑ ግን ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ እየ ብምባል ውሳነ ሂቡ።

ኣብ መወዳእታ እቲ መጋብኣያ፡ ኣብ ጉዳይ ጥርዓን ተጠርጠርትን ዓቃቢ ሕግን ትእዛዝ ንምሃብን ቃል መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ ንምስማዕን ን18 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ [ሰኑይ] ቖጸሮ ሂቡ።

ጥርዓን ጋዜጠኛ መለሰን ውሳነ ቤት ፍርድን

እቲ ቤት ፍርዲ ቅድም ኢሉ ኣብ ትሕቲ መዝገብ ቅድመ መርመራ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ዝርከቡ ጥርጡራት ብሙሉኦም መርመራ ኮቪድ-19 ክግበረሎም ትእዛዝ ሂቡ ነይሩ።

ይኹን'ምበር ጋዜጠኛ ኦኤምኤን መለሰ ድሪባ ሓዊሱ 14 ሰባት መርመራ ከም ዘይተገበረሎም ጠበቕኦም ዝኾነ ኣቶ ዋቤ ሓጂ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ጋዜጠኛ መለሰ "ምሳና ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም'ዮም። እቲ ቤት ፍርዲ መርራ ክግበረልና'ኳ እንተኣዘዘ ክሳብ ሕጂ ግን ኣይተመርመርናን። ፖሊስ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣየኽብርን ዘሎ" ኢሉ።

ብተወሳኺ እቶም ተጠርጠርቲ ምስ ቤተሰቦም ብቴሌፎን ከም ዘይራኸቡን ኣቶ መለሰ'ውን ከም ዝተኸልከለን ነቲ ቤት ፍርዲ ተዛሪቦም።

እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ንጥርዓኖም ምላሽ ንምሃብን ተወሳኺ መረዳእታ ዓቃቢ ሕጊ ንምስማዕን ንሰኑይ ተለዋጢ ቖጸራ ሂቡ።

መግለጺ ቪድዮ, ስልጣን ናይ ምሓዝ ድሌት የብለይን