ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከመይ ኣሎ?

መከላኺ ክዳን ዝተኸድነ ሓኪም

ምንጪ ስእሊ, SOPA IMAGES

ክሳብ ሎሚ ኣብ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ልዕሊ 1.1 ሚልዮንን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ 780 ሽሕ ሰባት ካብቲ ሕማም ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

ብምኽንያት እዚ ሕማም ኣብቲ ዞባ ሞት 24 ሽሕን 682 ሰባት ተመዝጊቡ፤ ልዕሊ 280 ሽሕ ሰባት ድማ ኣብ ገዝኦምን ኣብ ሕክምናን ኮይኖም ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሎም ኣሎ።

ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ለካቲት'ዩ ኣብ ሃገረ ግብጺ ተራእዩ።

ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ድማ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት በዚ ቫይረስ ክልከፉ ክኢሎም።

ደቡብ ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለዉዋ ኮይና ኣብታ ሃገር ዛጊት 589 886 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም 11982 ሞይቶም።

ካልኦት ልዕሊ 477 ሽሕ ሰባት ድማ ካብዚ ሕማም ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ።

እዚ ቁጽሪ ምርኩስ ብምግባር፡ ፍርቂ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ'ዮም ዝርከቡ።

ግብጺ ድማ ንደቡብ ኣፍሪቃ ተኸቲላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ።

ግብጺ 96 ሽሕን 590 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉዋ እንከለዉ፡ ኣብታ ሃገር ሞት 5173 ሞት ተመዝጊቡን 60651 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮምን እዮም።

ኩነታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃኸ ከመይ ኣሎ?

Transparent line

ሸውዓት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 85 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክህልወን እንከሉ ኣብ ወርሒ መጋቢት'የን ናይ መጀመርታ ብኮሮናቫይረስ ዘተለኸፉ ሰባት ረኺበን።

ኤርትራ

ኤርትራ ናይ መጀመርታ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ 21 መጋቢት ክትረክብ እንከላ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር 306 ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለው።

ካብዚኦም 274 ሰባት ካብቲ ሕማም ምሉእ ንምሉእ ሓውዮን ነናብ ቤቶም ክፋነዉ እንከለዉ፡ 32 ሰባት ኣብ ትሕቲ ናብዮት ሕክምና ከም ዝርከቡ ካብ ሚኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ክወጽእ ዝጸንሐ ሓበሬታ የረድእ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ብኮሮናቫይረስ ሞት ዘይተመዝገበለን ሃገራት ዓለም ኮይና መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ለካቲት ምሉእ ዕጽዋ ድሕሪ ምእዋጃ፡ ዋላ ድኣ ናይ ኮሎጃትን 11 ክፍልን ትምህርቲ ዳግማይ ትጀምር ክሳብ ሕጂ እቲ ኣዋጅ ዕጽዋ ብወግዒ ኣየልዓለቶን ዘላ።

ኢትዮጵያ

ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዘመዝገበት ሃገር እያ።

ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ብምምዝጋብ ድማ ንሱዳን ብምስዓብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ።

ኣብታ ሃገር ክሳብ ሎሚ 34 ሽሕን 058 ሰባት ኮሮናቫይረስ ክርከቦም እንከሎ ካብዚኦም 13 ሽሕን 308 ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም፤ 600 ሞይቶም ኣለዉ።

ካልኦት 20 ሽሕን 150 ድማ ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሎም ኣሎ።

ጅቡቲ

ሃገረ ጅቡቲ እቲ ለበዳ ኣብ መጀመርታ እኳ ቅልጡፍ ወሰኽ ኣርእዩ እንተነበረ ካብ ወርሒ ሰነ ንድሓር ግን ዝግ ክብል እዩ ተራእዩ።

ኣብታ ሃገር ክሳብ ሎሚ 5374 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ካብዚኦም 5216 ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

ጅቡቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን 99 ተሓከምቲ ኮቪድ-19 ክህልውዋ እንከለዉ ሞት 59 ሰባት ድማ ኣመዝጊባ ኣላ።

ሶማልያ

ሶማልያ 3265 ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ኣለውዋ። ካብዚኦም እቶም 2396 ምሉእ እንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

ኣብታ ሃገር ኣብዚ ሕጂ እዋን 776 ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ እንትህልው፡ ሞት 93 ሰባት ድማ ኣመዝጊባ ኣላ።

ኬንያ

ሃገረ ኬንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት ንኢትዮጵያ ስዒባ እታ ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለዉዋ ሃገር እያ።

ኬንያ ንዝሓለፈ ሓያሎ ኣዋርሕ ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጃ ነቲ ሕማም ክትቆጻጸሮ እኳ እንተፈተነት እቲ ቁጽሪ ግን መዓልታዊ'ዩ ዝውስክ።

ክሳብ ሎሚ 31 ሽሕን 015 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉዋ እንከለዉ፡ ካብዚኦም እቶም 17 ሽሕን 612 ሰባት ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ።

እታ ሃገር ኣብዚ ሕጂ እዋን 12 ሽሕን 897 ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ ኣለውዋ፤ ሞት 506 ሰባት ድማ ኣመዝጊባ።

ኬንያ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ ቁጽሪ ካብ ኮሮናቫይረስ ዝሓወዩ ሰባት ዘለውዋ ሃገር እያ።

ደቡብ ሱዳን

ደቡብ ሱዳን 2494 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ካብዚኦም እቶም 1290 ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን 1157 ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ ኣለው። 47 ሰባት ድማ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም።

ሱዳን

ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብስፍሓት መሬት ዝዓበየት ሱዳን፡ 12 ሽሕን 582 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉዋ እንከለዉ ካብዚኦም እቶም 6456 ካብቲ ሕማም ሓውዮም ነናብ ቤቶም ዝተፋነዉ እዮም።

ሱዳን ኣብዚ ሕጂ እዋን 5314 ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ እኳ እንተሃለውዋ፡ 812 ሰባት በቲ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ሞይቶም።

ሱዳን ብብዝሒ ብስንኪ ኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ዘላ ሃገር እያ።

ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ቀይሕ ዞባ ኣበይ'ዩ ዘሎ?

እተን ዝለዓለ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለዉወን ደቡብ ኣፍሪቃን ግብጽን'የን።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ካብ ዝተረኸቡ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ድማ እቶም 75 ሚእታዊት ኣብዘን ክልተ ሃገራት'ዮም ተረኺቦም።

ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ናይጀርያ፣ ጋና፣ ኬንያ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ዛምብያን ዙምባብወን ዘሎ ቅልጡፍ ወሰኽ መልከፍቲ ይከታተሎ ከም ዘሎ'ውን ዳይሬክተር እቲ ማእከል ዶክተር ጆን ኒኬንጋሰንግ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ካብ 55 ሃገራት ኣፍሪቃ እተን 65 ሚኢታዊት ትሕቲ 5000 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣለዉወን።

እንታይከ ይግበር ኣሎ?

ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይከም ካልኦት ሃገራት ኣብ ምቁጽጻር እዚ ለበዳ ዝወስድኦ ስጉምትታት ናእዳ ረኺበናሉ'የን።

እንተኾነ እኹል መርመራ ይግበር ስለ ዘየሎ ስክፍታታት ከም ዘሎ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ይገልጽ'ዩ።

ዶክትር ጆን ንከንጋሶንግ፡ እቲ ካልእ ስክፍታ ሰባት ነቲ መከላኸሊ ሜላታት ኣብ ምኽታል ድኽመት የርእዩ ምህላዎም እዩ ኢሉ።

"መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ነዚ ሕማም ንምግታእ ሓጋዚ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ሰብ'ውን ይሕበሮ ኣሎ፤ ኣብ ምትግባር ግን ድኻማት ኣሎ"።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ዝተገበረ ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ብራዚልን ድሕሪ ምፍታኑ ኣብ ምምዕባል ውሽጣዊ ተጻዋርነት ሰባት ዓቢ ውጽኢት ኣመዝጊቡ ተባሂሉ እዩ።

እንተኾነ፡ ኣብ ብዙሓት ተፈቲኑ ውጽኢቱ ተራእዩ፤ እቲ ውጽኢት ዕውት እንድሕር ኮይኑ ናብ ኩሉ ክባጻሕ ግዜ ከም ዘድሊ ዝሕብር ዶክተር ጆን፡ ክሳብ ሽዑ ሰባት ኩሉ ዓይነት ጥንቓቐ ክገብሩ ተማሕጺኑ'ሎ።

ኮሮና