ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣዊጁ ዝጸንሐ ህጹጽ እዋን ክለዓል መንግስቲ ወሲኑ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, PM Office/twitter

ኣብ ኢትዮጵያ ተኣዊጁ ዝጸንሐ ህጹጽ እዋን ክለዓል ከምዝተወሰነ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣፍሊጡ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ 18 ጥሪ 2014 (ግእዝ) ዘካየዶ “ህጹጽ ኣኼባ”፡ እቲ “ዝነበረ ኩነታት ስለዝተቐየረ” እቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ዝተባህለ ኣዋጅ ክለዓል ከምዝወሰነ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ዝወጸ ኣዋጅ፡ ሓይልታት ትግራይ ነተን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ኣገደስቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ብምቁጽጻር ናብ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ኣብ ዝነበርሉ እዋን’ዩ ተወሲኑ ነይሩ።

“ኮይኑ ግና፡ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ንምውጻእ ናይ ግድን ኣድላዪ ዝነበረሉ ኩነታት ስለዝተቐየረን እቲ ስግኣት ብስሩዕ ናይ ሕጊ ምኽባር ስራሕ ንምክልኻልን ምቁጽጻርን ናብ ዝከኣለሉ ደረጃ ብምብጽሑ” ክለዓል ከምዝተወሰነ ቤት ጸሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ጠቒሱ።

እቲ ወሳነ ንክጸድቕ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተመሓላሊፉ ከምዘሎ’ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣዋጅ ጉልባብ ብምግባር ሰባት ይኣስርን፡ መሰላትን ናጽነታት ፕረስን ይጥሕስ ኣሎ ተባሂሉ ክኽሰስ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ: መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንምዝርራብ ድልው ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ምዝራቡ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሺየትድ ፕረስ (ኤፒ) ጸብጺቡ።

ቅድሚ ሒደት ሳምንታት መራሕቲ ህወሓት ነበር ዝርከብዎም ሓያሎ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ምፍትሑ ይዝከር።

ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት

ምንጪ ስእሊ, PM Office/twitter

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መንጎ ሓይልታት ህወሓትን መላፍንቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝኾኑ ሓይልታት ክልል ዓፋርን ኣብ ዶባት ክልቲአን ውግእ ክካየድ ቀንዩ ነይሩ።

ሓይልታት ህወሓት ንገለ ከባቢታት ክልል ዓፋር ከምዝተቖጻጸሩ ብምግላጽ፡ እቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ነቲ ብኤርትራ ዝድገፉ ዝበልዎም ሓይልታት ዓፋር ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ንምሃብ ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብቶም ዝተቖጻጸርዎም ቦታታት ዓፋር ናይ ምጽናሕ መደብ ከምዘይብሎም’ውን ገሊጾም ኣለዉ።

ብወገን ኤርትራ ኮነ ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ተሳታፍነት ኤርትራ ኣብቲ ክካየድ ዝቐነየ ውግኣት ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን።

ነቲ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካን ኬንያን ዝርከብዎም ወገናት ጻዕርታት የካይዱ ምህላዎም ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዝለሓመን ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ይርከብ።