ኵናት ዩክረይን፡ ፑቲን፡ ብሰንኪ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነበረ ማዕቐብ ከም ወራር ከምዝርእዮ ገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ብሰንኪ ወራር ዩክረይን ብምዕራባውያን ሃገራት እተገብረሉ ማዕቀብ "ውግእ ከም ምእዋጅ " ከም ዝቑጸር ገሊጹ።
ይኹን እምበር "ኣምላኽ ይመስገን ናብኡ ኣይተበጽሐን" ኢሉ።
ብዘይካ'ዚ ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝግበር ናይ በረራ ምእጋድ ፈተነ ልክዕ ኣብ ኵናት ከም ምስታፍ እዩ ዝረአ ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣብ ሩስያ ናይ ህጹጽ ኣዋጅ ግዘ ወይ ወተሃደራዊ ሕጊ (ማርሻል ሎው) ክእወጅ እዩ ንዝብል ርእይቶ ነጺግዎ ።
ፑቲን፡ ነተን ኣብ ጥቓ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ማእከል ስልጠና ኤሮፍሎት ንዝርከባ ጉጅለ ኣሰልጠንቲ ደቂ ኣንስትዮ ምስተረኽበ እዩ ከምኡ ኢሉ።
ሃገራት ምዕራብ፡ ዓስራይ መዓልቱ ብዝገበረ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ወራር ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ኣጽኒዐን ኣለዋ።
ገለ ካብቲ እገዳ ከኣ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ንብረት ፑቲን ምእጋድን፡ ንባንክታት ሩስያ ካብ ኣህጉራዊ ስርዓተ-ክፍሊት ስዊፍት ከልኪለነአን ኣለዋ።
እቲ ቁጠባዊ ማዕቀብ: ንክብሪ ዋጋ ገንዘብ ሩስያ ሩብል ከምዝጎድል ገይሩዎ ኣሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ ከም ዛራ: ፐይፓልን ሳምሰንግን ዝኣመሰላ ዓለማዊ ትካላት ንግዲ ስርሐን ኣቋሪጸን ኣለዋ። ብሰንኪ'ዚ ቁጠባዊ ስጒምቲ ከኣ ወለድ ማእከላይ ባንክ ሩስያ ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ።
ፕረዝደንት ፑቲን ኣብ ቀረባ ግዘ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ነቶም ቋንቋ ሩስያ ዝዛረቡ ማሕበረሰብ ካብ "ወተሃደራዊ ናዚያዊን" ጥፍኣት ኽከላኸለሎም ከም ዝደሊ ከመኽንየሉ ፈቲኑ።
ነቲ ምዕራባውያን ተንተንቲ ምክልኻል፡ ወተሃደራዊ ወፍሪ ሩስያ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይሰጎመን ንዝብል ትንታነ፡ "ሰራዊትና ኵሉ ዕዮታት ከምቲ ክኾኖ ዝግበኦ እዩ ዝፍጽሞ ዘሎ። ብዛዕብኡ ፈጺመ ኣይጠራጠርን እየ። ኵሉ ነገር ከምቲ ዝተወጠኖ እዩ ዝኸይድ ዘሎ" ክብል ምላሽ ሂቡሉ።
ፑቲን ብምቕጻል ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ዘለው ኩሎም ሞያውያን ወተሃደራት ጥራይ ከም ዝዀኑን፡ ዋላ እኳ ብኻልእ ካልእ ጸብጻባት እንተቐረቡ ዝኾኑ ሓደስቲ ዕሉማት ኣብቲ ስርሒት ከምዘይተሳተፉ ሓቢሩ።
እቲ ሩስያዊ መራሒ፡ ንክሊ ኣየር ዩክረይን ነፈርቲ ዘይበራሉ ዞባ ንምግባር ዝካየድ ጻዕሪ፡ ንሩስያ ናብ ወተሃደራዊ ግጭት ዝደፍእ ሓደ ስጉምቲ ገይራ ከምእትወስዶን እቶም [ነቲ ስጉምቲ ዝወስዱ] ከኣ ከም ጸላእቲ ከምዝውሰዱ ገሊጹ።
ብምቕጻል "እቶም ሕጂ ዘለዉ መራሕቲ፡ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ተግባር እንተቐጺሎሞ ናይ ዩክረይን ናይ መጻኢ ዕድል ኣብ ሓደጋ ከም ዘእትውዎ ክርድኡ ኣለዎም" ኢሉ ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብወገኑ፡ ኔቶ ንክሊ ኣየር ዩክረይን ነፈርቲ ዘይበራሉ ዞባ ንምግባር ብምንጻጉ ኮኒንዎ እዩ።
ይኹን'ምበር ፡ ምዕራባውያን መራሕቲ'ውን ከምቲ ዘለነስኪ ዝሓቶ ምግባር ነቲ ኩነታት ምግዳድ እዮም ዝብሉ።
ብዘይካዚ፡ ፑቲን ኣብ ሩስያ ወተሃደራዊ ሕጊ ( ማርሻል ሎው) ናይ ምእዋጅ መደብ ከም ዘይብሉ ገሊጹ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ፡ ኣብቲ "ወተሃደራዊ ግጥማት" ዝካየደሊ ቦታ ጥራይ እዩ ክውሰድ ዘለዎ።
"ይኹን እምበር ንሕና፡ ከምኡ ዓይነት ኵነታት ጸገም ስለዘይብልና ከምኡ ከይንገብር ተስፋ እገብር" ኢሉ።
ፑቲን ናይ ማርሻል ሕጊ ክእውጅ መዲቡ ከም ዝነበረ ይዝረብ እዩ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ንቡር ሲቪላዊ ሕጊ ተወንዚፉ ንኹሉ ተግባራት መንግስቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ክቆጻጸሮ እንከሎ እዩ።
"ዓቢ ናይ ግዳም ስግኣት" እንተልዩ ጥራሕ እዩ ማርሻል ሎው ዝእወጅ፡ ይኹን እምበር ካልእ ዘሰክፍ ድንገተኛ ኩነታት እውን ከምዘየሎ ገሊጹ ።
ይኹን እምበር ክሳዕ ሽዑ ከኣ፡ ዲፕሎማስያዊ ዘተታት ይቕጽል ኣሎ ።
ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሚኒስተር ናፍታሊ በነት ብቐዳም ምስ ፑቲን ኣብ ሞስኮ ተራኺቡ፡ ብዛዕባ እቲ ውግእ ብዝምልከት ንሰለስተ ሰዓት ዝኣክል ምይይጥ ኣካይዱ ነይሩ።
ብድሕሪኡ ናፍታሊ በነት ምስ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ንምርኻብ ናብ በርሊን ኣምርሐ። ኦርቶዶክስ ኣይሁዳዊ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ናይ ዕለተ ቀዳም ( ሳባት) መገሻ ብሕጊ ኣይሁድ ህይወት ሰብ ንምድሓን ሰይሩዎ።
ዋላ'ኳ እስራኤል ቀንዲ ደጋፊት ኣመሪካ እንተኾነት፡ በነት ግን ምስ ሩስያ ጽቡቕ ርክብ ንምዕቃብ ይፍትን ኣሎ። ናይ ዩክረይን ፕረዚደንት ዘለንስኪ እውን ኣይሁዳዊ ስለዝኾነ እስራኤል ነቲ ቀውሲ ንምትዕራቕ ጻውዒት ቀሪቡ ኣሎ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ድማ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን፡ ዲሚትሮ ኩለባ ተራኺቡ፡ ምስ ሩስያ ደው ምባሉ ድፍረት ከምእተሰምዖ ነገሮ ።
እቶም ክልተ መራሕቲ ኣብ ዶብ ፖላንድ-ዩክረይን እዮም ተራኺቦም። ሚስተር ኩለባ ካብ ኔቶ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ደገፍ ክረክብ ከም ዝደልን ብዛዕባ ምኽልካል ክሊ በረራ ኣብ ዩክረይን ኣወንታዊ ተስፋ ከም ዘለዎን ደጊሙ ገሊጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







