ቅልውላው ዩክረይን፡ ፕረዚደንት ባይደን ወተሃደራቱ ንዩክረይን ኣይክልእኽን እዩ፡ ስለምንታይ?

ወተሃደር ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፕረዚደንት ባይደን፡ ተጻብኦ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንምቕልባስ ሓያሎ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ከካይጽ ጸኒሑ።

ምምሕዳር ባይደን፡ ከየባተኸ ብዛዕባ'ቲ ግሙት ዝነበረ፡ ብግብሪ ኸኣ ዝተራእየ ወራር፡ ከም ደወል መወዳእታ ዓለም ምዃኑን፡ ንዓለማዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ከም ዘውድቕን ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።

እንተዀነ ፕረዚደንት ባይደን፡ ዋላ'ኳ ሩስያ ኲናት ከም እትመርጽ እንተነጸረት፡ ኣሜሪካ ግን ድሌት ኲናት ከም ዘይብላ ኣነጺሩ እዩ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ዩክረይን ዝጸንሑ ዜጋታት ኣሜሪካ ንምድሓን ዝብል ተልእኾ ዝተዋህቦ ሓይሊ ኣሜሪካ ክንቀሳቐስ ኣዚዙ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብታ ሃገር ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ኰይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኸኣ ስሒብዎም ኣሎ።

ባይደን፡ ኣብ ዘመነ ፕረዚደንትነቱ ኣመና ተሃዋሲ ኰይኑ ዘሎ ቅልውላው ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢኡ፡ 'ቀይሕ መስመር' ዘነጸረሉ ስለምንታይ እዩ? ፕረዚደንት ባይደን ስለምንታይ'ዩ ወተሃደራቱ ንዩክረይን ዘይልእኽ?

line
line

ረብሓ ሃገራዊ ድሕነት የለን

ዩክረይን፡ ብመሰረቱ ኣብ ጥቓ ኣሜርካ ትርከብ ጐረቤት ወይ መዳውብቲ ኣይኰነትን፣ ወተሃደራዊ ነቝጣ ኣመሪካ'ውን የብላን። ስትራተጂካዊ ዝዀነ ሃብቲ ነዳዲ የብላን፣ ቀንዲ መሻርኽቲ ንግዲ ኣሜሪካ'ውን ኣይኰነትን።

እንተዀነ፡ ሃገራዊ ረብሓ ዘይምህላው ንዝቐደሙ ፕረዚደንትታት፡ ንስለ ኻልኦት ክብሉ ደምን ሃብትን ካብ ምኽፋል ኣይዓገቶምን።

ኣብ 1995፡ ቢል ክሊንተን፡ ምብትታን ዩጐዝላቭያ ኣብ ዘስዓበ ኲናት ወተሃደራዊ ጣልቃ ገይሩ። ኣብ 2011፡ ባራክ ኦባማ ብተመሳሳሊ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሊብያ ኢዱ ሓዊሱ። ክልቲኦም እዞም ምትእትታዋት ከኣ፡ ብስም ሰብኣውነትን፡ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተመኽነዩ እዮም ነይሮም።

ጆርጅ ቡሽ [ዓቢይ] ኣብ 1990፡ ዒራቕ ካብ ኵዌት ንምውጻእ፡ ምንጋስ ልዕልና ሕጊ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ጫካ ብዝብል ኣህጕራዊ ኪዳን'ዩ ንስጕምቲ ሃገሩ ምኽኑይ ዝገበረ።

ላዕለዎት ሰብ መዚ ሃገራዊ ጸጥታ ምምሕዳር ባይደን ከኣ፡ ንኣስጋእነት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኣህጕራዊ መትከላት ሰላምን ጸጥታን ኣመልኪቶም ተመሳሳሊ ቃላት ከስምዑ ጸኒሖም ኣለው።

እንተዀነ፡ ኣብ ክንዲ ወተሃደራዊ ስጕምቲ፡ ጽልዋ ዘለዎ እገዳታት ብምግባር፡ ነቲ ኵነታት ብምጣነ ሃብታዊ ኲናት ምግጣሙ ከም ዝሓይሽ ግን ይማጐቱ።

ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ቦዝንያ-1995

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ቦዝንያ-1995

ባይደን፡ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣይገብርን እዩ

እዚ፡ ብገለ ሸነኹ ምስቲ ኣብ ግዜ ዝማዕበለ፡ 'ዘይምትእትታው' ዝብል ጽኑሕ ኣተሓሳስባ ባይደን ዝተሓሓዝ እዩ።

ንሱ፡ ነቲ ኣሜሪካ ኣብ 1990ታት ኣብ ግጭት ባልካን ንዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ደጊፉ፣ ነቲ ኣብ 2003 ዝተኻየደ ሕማቕ ዝዕጫኡ ወራር ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ'ውን ኣድሚጹ ነይሩ። እንተዀነ ድሕሪ'ዚ ኵነታት'ዚ፡ ኣብ ዛዕባ 'ምጥቃም ወተሃደራዊ ሓይሊ' ምሒር ከስቈርቍር ተራእዩ።

ባይደን፡ ነቲ ኣቦማ ኣብ ሊብያ ዘካየዶ ምትእትታውን፡ ምውሓዝ ወተሃደራት ናብ ኣፍጋኒስታንን ተቓዊምዎ ነይሩ።

ነቲ ብኣግኡ ብዙሕ ሕንፍሽፍሽን ሰብኣዊ ቀውስን ዘስዓበ፡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ዘውጽአ ውሳነኡ'ውን ዲግ ኢሉ ተኸራኺሩሉ እዩ።

እቲ ዝለዓለ ዲፕሎማሰኛኡ፡ 'ሕሹኽ መባህልቱ' ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ጐድኑ ዝሰርሐን ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ባይደን ዝነደፈን ምዃኑ ዝንገረሉ ኣንቶኒ ብሊንከን እውን፡ ካብ ወተሃደራዊ ጣልቃ፡ ንክሊማዊ ለውጢን ዓለማዊ ሕማማትን ምቅላስ፡ ከምኡ ኸኣ ምስ ቻይና ምውድዳር ዝያዳ ሃገራዊ ረብሓ ኣሜሪካ ከም ዘረጋግጽ ይኣምን።

ፕረዚደንት ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣሜሪካያን'ውን ኲናት ኣይደልዩን

ብማእከል መጽናዕቲ ህዝባዊ ጕዳያት ኣሶሸይትድ ፕረስ [AP-NORC] ዝተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ 72% ኣድመጽቲ፡ ኣሜሪካ፡ ኣብ ጕዳይ ሩስያን ዩክረይንን ኣዝዩ ውሱን ተራ ክትጻወት፣ ወይ ከኣ ዝዀነ ተራ ከይህልዋ ድምጾም ሂቦም።

ንሳቶም፡ ዝያዳ ዘተኵሩሉ፡ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ፍርቂ-ወቕቲ'ውን ባይደን ከስተውዕለሉ ዘለዎ፡ ጕዳይ ማሕፉዳኦምን እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዝቕባበን እዩ።

እዚ ቅልውላው፡ ነቶም እገዳታት ዝጠልቡ ዘለው ሓገግቲ ኣካላት ኣሜሪካ'ውን ምሒር ጸሚድዎም ኣሎ።

እንተዀነ ከም በዓል ተድ ክሩዝ ዝኣመሰሉ፡ ተሪር መርገጺ ዘለዎም ሪፓብሊካን ሰነተራት'ውን፡ ባይደን ወተሃደራት ክልእኽን ምስ ፑቲን 'ኣብ ተዅሲ ክኣቱን' ኣይደልዩን። ሰነተር ማርኮ ሩቢዮ'ውን፡ እቲ ኣብ ክልተ ዓበይቲ፡ ኑክሊየር ዝዓጠቓ ሃገራት ዓለም ዝግበር ውግእ ንዋላ ሓደ ከም ዘየርብሕ ይዛረብ።

ሰራዊት ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደገኛነት ምትፍናን ልዕለ-ሓያላን

መኽዘን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ፑቲን - እቲ ናይ መጨረሽታ መስመር እዩ።

ባይደን፡ ወተሃደራት ኣሜሪካን ሩስያን ኣብ ዩክረይን ብምርጻም "ውግእ ዓለም" ክጅምር ኣይደልን እዩ፣ ብዛዕባ'ዚ ድማ ንጹር መርገጺ እዩ ዘለዎ።

"እዚ፡ ልክዕ ከም ምስ ሓደ ሽበራዊ ሓይሊ እንገብሮ ዓይነት ኣተሓሕዛ ኣይኰነን፣ እዚ ጕዳይ ምስ ሓደ ግዙፍ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዓለምና እዩ፡" ክብል ባይደን፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ'ዚ ን "NBC" ገሊጹ። "ኣመና ኣሸጋሪ ኵነታት እዩ፣ ብቕልጡፍ ከኣ ናብ ሕማቕ ክምዕብል ዝኽእል እዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ሓላፍነት ዘሰክም ውዕል የላን

ኣሜሪካ ነዚ ሓላፍነት ክትወስድ ዘገድዳ ውዕል የለን። ብመሰረት ዓንቀጽ ሓምሽተ፡ ኔቶ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣባል ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ልክዕ ኣብ ልዕሊ ኵለን ከም ዝተፈጸመ እዩ፣ እዚ ድማ ኵለን ነቲ መጥቃዕቲ ክከላኸላ የገድደን።

ኰይኑ ግን፡ ዩክረይን ኣባል ኔቶ ኣይኰነትን። እዛ ነጥቢ'ዚኣ ምርኵስ ገይሩ ብሊንከን፡ ኣሜሪካ ምእንቲ ነቲ ኣበርቲዓ ክተሞጕሶ ዝጸንሐት ክብርታት ኢላ ኣብ ኲናት ከምዘይትኣቱ ኣነጺሩ። ኣብዚ ገለ ግርንቢጥነት ይርአ እዩ፣ እዚ ግርጭት፡ ፑቲን፡ ዩክረይን ኣባልነት ኔቶ ከይፍቀዳ ውሕስነት ንኽወሃቦ ምኽንያት ገይሩ ዝተላዕለ እዩ።

ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ፡ ፕሮፌሰርን ክኢላ ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢን ዝዀነ ስቴፈን ዋልት፡ ብኣሜሪካን ካልኦት ኣባላት ኔቶን ዝተገብረ ንጽገት ሕድገታት፡ ምስቲ ዝዀነ ወተሃደራዊ ድፍኢት ክገብራ ፍቓደኛታት ዘይምዃነን እንክርአ ትርጕም ዘለዎ ነገር ከም ዘይኰነ ይከራኸር።

እቲ ዓንዲ-ሸቶ ይንቀሳቐስ ዶ ይኸውን?

ፕረዚደንት ባይደን፡ ብርግጽ ወተሃደራት ናብ ኤውሮጳ ሰዲዱ እዩ፣ ነቶም ድሮ ኣብኡ ዝጸንሑ'ውን ነተን ምስ ሩስያ ዝዳወባ መሻርኽቲ ኔቶ ዝዀና ሃገራት ንምጥንኻር ኣንቀሳቒሱ'ሎ።

እዚ፡ ነተን ብሰንኪ 'ቲ፡ 'ኔቶ፡ ሓይልታቱ ካብ ምብራቕ ኤውሮጳ ንኸውጽእ ጸቕጢ ምግባር' ዝብል ገፊሕ ዕላማ ፑቲን ዝተቘጥዓ ሪፑብሊካት ሶቭየት ነበረ ውሕስነት ንምሃብ ተባሂሉ፡ ብምምሕዳር ኣሜሪካ ዝተደገፈ እዩ።

እንተዀነ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተኻየደ ወራር፡ ብወዝቢ ልሒሙ ወይ ብደይመደይ ብሩስያ ብዝግበር መጥቃዕቲ ናብ ሰፊሕ ግርጭት ከየምርሕ ንብዙሓት ኣስጊኡ'ሎ።

"ናብ ሃገራት ኔቶ ተንቀሳቒሱ እንተዝነብር፡" ይብል ባይደን፡ "ምኣተና ኔርና።"