ኵናት ዩክረይን፡ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ብረንት ርኖድ ኣብ ዩክረይን ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዩክረይን ይሰርሕ ዝነበረ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ኣብ ከተማ ኢርፒን ከምዝተቐተለ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ወዲ 50 ዓመት ጋዜጠኛን ኣዳላዊ ፊልምን ብረንት ርኖድ፡ ኣብቲ ዞባ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ።
ሓለቓ ፖሊስ ከተማ ኪቭ ኣንድሪ ነቢቶቭ፡ ብወተሃደራት ሩስያ ከምዝተቐተለ ገሊፁ።
ካልኦት ክልተ ጋዜጠኛታት’ውን ተጎዲኦም ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።
ኵናት ዩክረይን ካብ ዝውላዕ ንነዘ፡ ነቲ ኵናት ሽፋን ዝህቡ ጋዜጠኛታት ወፃኢ ግዳይ ሞት እንትኾኑ እዚ ፈላማይ እዩ።
ጉድኣት ካብ ሞንጎ ዝበፅሖም ጋዜጠኛታት ጁዋን ኣርዶንዶ ንሓደ ጣልያናዊ ሪፖርተር ከምዝገለፀሉ፡ ተኹሲ ኣብ ዝተኸፈተሉ እዋን ምስ ርኖድ ብሓደ እዮም ነይሮም።
“ኣብ ኢርፒን ካብ ዘለዉ ድልድላት ስግር እቲ ፈላማይ ኢና ነይርና፡፡ ንዝወፅኡ ካልኦት ስደተኛታት ንምቕራፅ እናኸድና ነይርና፤ ካብኡ ናብ መኪና ኣቲና” ኢሉ፡ ኣብቲ ብመገዲ ትዊተር ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ።
“ናብቲ ካልእ ድልድል ክወስደና ዝኾነ ሰብ ረኺብና ኬላ ምስ ሓለፍና፡ ኣብ ልዕሌና ክትኵሱ ጀሚሮም። ካብኡ እቲ ዘዋሪ መኪና ተጠውዩ፤ ግና ምትኳስ ቀፂሎም። ክልቴና ኢና፣ መሓዛይ በርንት ርኖድ’ዩ፤ ብዝተተኮሰ ዓረር ኣብ ክሳዱ ክውቃዕ ርእየዮ” ኢሉ።
ርኖድ ካብ ኒውዮርክ ታይምስ ከምዝተውሃበ ዝገልፅ መለለይ መንነት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ኣሎ።
ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ብሞት ርኖድ “ኣዝዩ ከምዝሓዘነ” ብምግላፅ፡ ርኖድ ኣብ ዩክረይን ንኒውዮርክ ታይምስ ይሰርሕ ኣይነበረን ኢሉ።
ርኖድ ኣብ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንመወዳእታ ግዘ ነቲ ጋዜጣ ከምዝሰርሐን፡ እቲ ሒዝዎ ዝነበረ መለለይ መንነት ድማ ቅድሚ ዓመታት ኣገልግሎቱ ከምዘብቀዐን ኣፍሊጡ።
መግለፂ ኒውዮርክ ታይምስ፡ “ተዓዋታይ ሽልማት ፒቦይ ጋዜጠኛን ኣዳላዊ ፊልምን ብረንት፡ ብዙሕ ግዘ ምስ ሓዉ ብምዃን ከበድቲ መደባት (ዛንታታት) ከምዘዋደደ” ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብረንት ርኖድ፡ ካብ ኣፍጋኒስታን፣ ዒራቕን ሃይትን ዝፀብፀበ እንትኾን፡ ነቲ ኣብ 2014 ብዛዕባ ምዕፃው ኣብያተ ትምህርቲ ቺካጎ ብተኸታታሊ ዘዳለዎ ሰናዳዊ ምድላው ድማ ንሽልማት ‘ፒቦይ ኣዋርድ’ ተዓዊትሉ’ዩ።
ርኖድ ዝበዝሕ ግዘ ኣዳላዊ ፊልም ምስ ዝኾነ ሓዉ ክረይግ እዩ ዝሰርሕ። ክረይግ ናብ ዩክረይን ምስኡ ተጓዒዙ ድዩ ዝብል ግና ዛጊድ ኣይተፈለጠን።
ቅድም ክብል፡ ሩስያ ኣብ ኪቭ ንዝርከብ መደብር ተሌቬዥን ኣብ ዝደብደበትሉ እዋን፡ ዩክሬናዊ በዓል ሞያ ካሜራ የቭሀኒ ስኳም ከምዝተቐለ ይፍለጥ።
ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ከኣ፡ ብሪጣንያዊ ጋዜጠኛ ብዝተተኮሰ ብረት ቆሲሉ’ዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







