ኵናት ዩክረይን፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ከሚካላዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ትህቅን ኣላ - ዋይት ሃውስ

ምንጪ ስእሊ, SOPA IMAGES/GETTY IMAGES
ካብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ [ዋይት ሃውስ] ዝወጽአ መረዳእታ፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ከሚካላዊ ወይድማ ባዮሎጂካል ኣጽዋር ክትጥቀም ትህቅን ከምዘላን ብትኹረት ክትትል ይግበረሉ ከምዘሎን የመልክት።
ፕሬስ ሴክሬታሪ ጄን ሳኪ፡ 'ኣመሪካ ኣብ ዩክረይን ባዮሎጂካል ኣጽዋር ዝፈርየሉን ቤተ ፈተነን ማእከል ሃኒጻ' ዝብል ካብ ሩስያ ዝተፈነወ ክሲ ድማ፡ 'መመኽነይታ እዩ ነይሩ' ትብል።
እዚ 'ናይ ሕሶት ክሲ'፡ ከሚካላዊ መጥቃዕቲ ንምፍናው ዝዓለመ ጉልባብ እዩ ክትብል ወሲኻ ከሲሳ።
ካልኦት ሰብ ስልጣን ምዕራባውያን'ውን ተመሳሳሊ ስግኣታት ከምዘለዎም እናገለጹ ይርከቡ።
ንሳቶም፡ እቲ ኲናት ከይጋደድን ሩስያ ድማ ዘይግቡእ ኣጽዋር ከይትጥቀም ስግኣት ከምዘለዎም እዮም ዝገልጹ።
እዚ ኣባሃህላ፡ ብቐንዱ ንዓበይቲ ከሚካላዊ ኣጽዋር ዝምልከት እንተኾነ'ኳ፡ ካልኦት ኣናእሽቱ ኑክሌራዊ ኣጽዋራት፣ ባዮሎጂካል መሳርሒ ኲናትን 'ደርቲ' ቦምባን'ውን ዝምልከት እዩ።
ሓደ ዲፕሎማት ምዕራባውያን፡ "ክንጠራጠር ዝገብረና ሓደ ወሳኒ ምኽንያት ረኺብና ኣለና" ኢሉ።
ንሱ ድማ፡ ኣብ ከም በዓል ሶርያ ዝኣመሰሉ፡ ሩስያ ዝተሳተፈትሎም ካልኦት ዓውድታት ኲናት፡ መሻርኽታ ከሜካላዊ ኣጽዋር ተጠቒሞም እዮም ዝብል እዩ።
ጄን ሳኪ፡ "ሩስያ ኣብ ዩክረይን ኬሚካላዊ ኣጽዋር ክትቀም ድያ ኣይትጥቀምን ሙሉእ ኣቓልቦ ገይርና ክንከታተሎ ኢና" ኢላ።
ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ሚኒስትር ሓይልታት ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሩስያ 'ቴርሞባሪክ ሮኬት' ከምዝተኮሰት ብመገዲ ትዊተር ኣፍሊጡ።
እዞም 'ቫክዩም ቦምብ' ዝብል መጸውዒ'ውን ዘለዎም ሮኬታት፡ ኣብ ኣየር ዝጸንሑን ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኦክስጅን ብምምጣጥ ልዑል ሙቐት ብምፍጣርን፡ ሓያሎ ነትጒ ከምዝፈጥሩ ይዝረበሎም።
ከምኡ ብምዃኖም ድማ፡ ተመሳሳሊ መጠን ካብ ዘለዎም ካልኦት ልሙዳት ኣጽዋራት ውግእ ብዝኸፍአ፡ ኣብ'ቲ ክሊ ኣየር ንዝርከቡ ሰባት ሰፊሕ ሳዕቤን ዘብጽሑ እዮም።
እቲ ሚኒስተሪ፡ ጽንሕ ኢሉ ድማ፡ እቲ ኣጽዋር ምስ መንግስቲ ሩስያ ኾይኖም ዝሰርሑ ዕሱባት ናይ ብሕቲ ወተሃደራዊ ትካላት ዝገበርዎ ክኸውን ከምዝኽእል ግምቱ ኣስፊሩ ኣሎ።
ወሲኹ ድማ፡ ዕሱባት ሩስያ፡ ኣብ ከም ሶርያ፣ ሊብያን ሴንትራል ኣፍሪቃ ሪፐብሊክን ዝኣመሰሉ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብኸምኡ ዓይነት መገዲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ከምዝኽሰሱ ኣዘኻኺሩ።
ብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሃገር ኣመሪካ ዝተመወለ፡ ባዮሎጂካል ኬሚካል፡ ኣብ ገለ ማእከላት ኣብያተ ፈተነ ዩክረይን፡ ተሰሪሑ ዝብል ሰነዳት ተረኺቡ ኢሉ ኢምባሲ ሩስያ ዘቃለሖ 'ሓበሬታ' ኣሎ።
ኣመሪካ፡ እዚ ቅድም ክብል'ውን ሩስያውያን ክነዝሕዎ ዝጸንሑን ዝተለምደ ኣገባብ ምዝርጋሕ ስኑዕ ሓበሬታ ክትብል ነጺጋቶ ኣላ።
እዚ ከምዚ እንተሎ፡ መራኸቢ ብዙሃንን ዲፕሎማሰኛታት ሩስያን፡ ዩክረይን ራድዮ ኣክቲቭ ጨረር ዝፍንው ቦምባ ትሰርሕ ከምዝነበረትን ይኸሱ ኣለዉ።
ከምኡ'ውን፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ዩክረይን ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ክትሃንጽ ትፍትን ምንባራ ገሊጹ።
ገለ ምዕራባውያን ሰበ ስልጣን፡ መንግስቲ ሩስያ እዚ ስኑዕ ሓበሬታ ኮነ ተባሂሉ 'ዩክረይን እያ ቀዲማ ከምኡ ዓይነት መሳርሕተታት ኲናት ተኲሳ' ኢሉ ንምኽሳስ ዝዓለመ ምዃኑ እዮም ዝግምቱ።
ስለያዊ ሓበሬታ መሰረት ገይሮም'ውን፡ ህላዌ እቲ ሓደጋ ጭቡጥ ከምዝኾነ እዮም ስግኣቶም ዝገልጹ።
ኑክሌራዊ ኣጽዋራት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ከባብን ጃምላዊ ጉድኣት ስለዘስዕቡ፡ ብዓለምለኸ ሕጊ ኣብ ረብሓ ከይውዕሉ ክልኩላት እዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







