ኵናት ዩክረይን፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዶብ ዩክረይን ኣድልዎ ይፍፀም'ሎ ንዝብል ፀብፃብ ነፂጉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኬንያ፡ ኣብ ዶብ ዩክረይን ኣንፃር ኣፍሪቃውያን ይፍፀም ኣሎ ንዝብሉ ፀብፃባት ነፂግዎም።
ብሰንኪ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈፀመቶ ወራር ልዕሊ 200 ኬንያውያን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ እቲ ዝተውሃበ መግለፂ ይሕብር።
እቲ መግለፂ፡ "ሕብረት ኣውሮጳ በቲ ብተደጋጋሚ ኣብ መራኸቢቲ ሓፋሽ ኬንያን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝወፅአ ዘይትኽክልን ቀይናን ፀብፃብ ሓዚኑ'ዩ፡ ሓቅነቱ ድማ ብጥንቃቐ ምርግጋፅ የድሊ" ኢሉ።
"ኣብ ገለ ጉዳያት ኮነ ተባሂሉ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክዝርጋሕ ተገይሩ'ዩ። ኣብ ኬንያ ዘለዋ ኤምባሲታት ሕብረት ኣውሮጳ ድማ ቅኑዕ መረዳእታ ንምሃብ ድሉዋት እየን" ኢሉ።
ፖላንድ፣ ስሎቫኪያ፣ ሃንጋሪን ሮማንያን ካብቲ ኣብ ዩክረይን ተወሊዑ ዘሎ ጎንፂ ንዝሃድሙ ብዘይገደብ ንክኣትዉ ከምዝፈቐዳ ከኣ እቲ ልኡኽ ሓቢሩ።
"ከምቲ ፀብፃባት ገለ ማዕከናት ዜናታት ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብ ዶብ ዝበፅሑ ኬንያውያን፡ ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ናብ ዝኾና ሃገራት ክኣትዉ ተሓጊዞም እዮም" ይብል፡ መግለፂ እቲ ልኡኽ።
ኣብ ዩክረይን ዝነበሩ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ተምሃሮ፡ ካብታ ሃገር ከይወፅኡ ብኣካላት ፀጥታ ዩክረይን ከምዝተኸልከሉ ምግላፆም ይፍለጥ።
ዩክረይን ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ኣይኮነትን።
ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ተፈፂሙ ዝበሃል ኣድልዎ ኮኒንዎ'ዩ።
ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኬንያ፡ ካብቶም ካብ 24 ለካቲት ክሳብ 28 ለካቲት ናብ ፖላንድ ምስጋር ዝኸኣሉ 350 ሽሕ ስደተኛታት፡ 7721 ኣፍሪቃውያን ከምዝነበሩን ካብዚኦም እቶም 88 ኬንያውያን" ከምዝኾኑ ሓቢሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ካብ 40 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመፅኡን ኣብ ዩክረይን ዝነበሩን 4150 ሰባት ናብ ስሎቫኪያ ከምዝሰገሩ ገሊፁ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







