ሩስያ ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ሰደድ እትገብሮም ምህርታት ኣጊዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩስያ ነቲ ካብ ምዕራባውያን ዝተነብረላ ዓጸፋዊ ምላሽ፡ ካብ ሃገራ ናብተን ሃገራት ሰደድ ኣብ ልዕሊ ዝግበሩ ምህርታት እገዳ ኣንቢራ።
እቲ እገዳ ክሳብ መወዳእታ ዓመተ ምህረት ኣውሮጳ 2022 ዝጸንሕ እዩ።
እቲ ክልከላ፡ ከም ሰደዳት ቴሌኮም፣ መድሕኒት፣ ተሸከርከርቲ፣ ሕርሻዊ ምህርቲ ከምኡ’ውን ኤሌክትሪካዊ መሳርሕታት ይርከቦም።
ሚኒስትር ቁጠባ እታ ሃገር፡ እቲ ስጉምቲ ናይ ካልእ ሃገራት መራኽብ ናብ ወዳበት ሩስያ ከይጽጋዓ ክሳብ ምኽልካል ክኸይድ ከምዝኽእል ኣንፊቱ ኣሎ።
መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ፡ “እቶም ዝተወስዱ ስጉምቲታት ነቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ርትዓዊ ምላሽ እዮም” ኢሉ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ሰደዳታት ሩስያ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ፡ ንልዕሊ 200 ምህርታት ከምዘካትት ዝተገልጸ ኾይኑ፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ዝጸንሕ እዩ ተባሂሉ።
ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያን ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ቅርበት ኣለዎም ዝበልዎም ውሑዳት ቢልዮኖራት ሰብ ሃብትን፡ ተረርቲ እገዳታት ኣንቢሮም ኣለዉ።
ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ዝተገብረ እገዳ ዝጥቀስ እዩ።
ንኣመሪካን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ሓዊሱ፡ እቲ ሓድሽ እገዳ ን48 ሃገራት ከምዝትንክፍ ተፈሊጡ’ሎ።
እቲ እገዳ ከም ደቡብ ኦስትያን ኣብኻዝያን ዝኣመሰላ ካብ ጆርጅያ ንዝተነጸላ ሃገራት ሃገራት ከምዘየካትት ድማ ተገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒሰተር ሩስያ ሚካኤል ሚሹሰቲን ከምዝበሎ፡ እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ብዝርከቡ ኩባንያታት ወጻኢ ዝፈርዩ ምህርታት ከካትት ይኽእል እዩ።
ፕረዚደንት ሩስያ ነበር ደሚትሪ ሜድቭዲቭ፡ ኣብ ሩስያ ዝርከባ ኣብዚ እዋን ግን ሰራሕ ጠጠው ዘበላ ኩባንያታት ንብረተን ክውረስ ከምዝኽእል ኣንፊቱ ኣሎ።
ከም በዓል ስታርባክስ፣ ካተርፒላር፣ ሶኒ ዝኣመሰላ ናይ ዓለምና ዓበይቲ ኩባንያታት ካብተን ኣብታ ሃገር ስራሕ ጠጠው ኣቢለን ጠንጢነን ዝወጸኣ እየን።
ትማሊ ረቡዕ፡ ሞስኮ፡ ናይቶም ምስ ወራር ኲናት ዩክረይን ተኣሳሲሩ፡ ሃገር ለቒቖም ዝወጽኡ ኩባንያታት ወጸኢ ንብረት ንምውራስ ዘኽእል ሕጊ ኣጽዲቓ ኣላ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ነቶም ስራሕ ጠጠው ኣቢሎም ዝወጽኡ “ተመሊሶም ናብ ዕደጋና ክኣትዉ ከኸብዶም እዩ” ድማ ኢሉ።
ገለ እዋናዊ መረዳእታታት ከምዘመልክትዎ፡ ካብተን ምስ ሩስያ ጥቡቕ ቁጠባዊ ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ዩናይትድ ኪንግዶም ኮይና፡ ኣብ ዓመት 15.9 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ንግዲ ልውውጥ ይገብራ።
ተንተንቲ ቁጠባ፡ ዝበዝሑ ካብ ሩስያ ዝቐርቡ ሰደዳት ጥረ ኣቑሑት ምዃኖምን፡ እቲ ሕዚ ተነቢሩ ዘሎ ክንድዚ ዝኣክል ጽልዋ ከምጽእ ዘከምዘይኽእልን ይሕብሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







