ኲናት ዩክረይን፡ ቀንዲ ምዕባለታት ናይቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሞስኮ ኣስታት 70 ሚእታዊት ካብ ሰራዊታ ኣብ ኲናት ዩክረይን ኣዋፊራ ከምዘላ ጸብጻባት ይገልጹ።
እንተኾነ ግን፡ ሓይልታት የክረይን'ውን፡ ሓያል ናይ ምክልኻል ተቓውሞታት የካይዱ ምህላዎምን፡ ኣስታት 5,710 ወተሃደራት ሩስያ ምዉታትን ቁሱላትን ከምዝገበሩን ገሊጾም ኣለዉ።
ቢቢሲ ነቲ ዝተባህለ ቁጽሪ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾኑ ወተሃደራት ሩስያ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን።
ኣብ ርእሰከተማ ኪቭ፡ ኣብ ጥቓ ቀንዲ 'ታወር' ተለቪዢን ጽዑቕ ትኪ ንሰማይ ክዓርግ ተራእዩ'ሎ። እቲ ኩነታት ምስ መጥቃዕቲ ሩስያ ዝተሓሓዝ እንተኾይኑ ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ።
ብዛዕባ'ቲ ሎሚ ሓሙስ ክካየድ ዝወዓለ ምዕባለታት ናይቲ ኲናት እዚ ዝስዕብ ክጥቀስ ይክኣል፤
- ገለ ሓይልታት ሩስያ ናብ ደቡባዊት ከተማ ከርሰን ክኣትዉ ኪኢሎም ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ድማ ምስ ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ናይ ጎደናታት ውግእ ተጸሚዶም ይርከቡ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይታ ከተማ ነትጒ ከምዝነበረ ዝገልጽ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ሓቂ ምዃኑ ቢቢሲ ከረጋግጽ ኪኢሉ ኣሎ።
- ኣብ ምብራቕ ድማ፡ ኣብታ ኣብ ዩክረይን ብዕብየታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ከተማ ካርኪቭ፡ ብፍላጥ ኣብ ሲቪላውያን ዝነብሩሉ ከባቢ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 10 ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም።
- ፕረዚደንት ቦሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረግ'ዩ ክብል ከሲሱ'ሎ።
- ኣብታ ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ማሪዩፖል መብራህቲ ክቋረጽ እንከሎ፤ ክቆጻጸርዋ ዝህቅኑ ዘለዉ ሓይልታት ሩስያ ብዘይምቁራጽ ይድብድቡዋ ኣለዉ። ምሉእ ብምሉእ እንተ ተቖጻጺሮማ፡ ኣብቲ ተገንጸልቲ ሓይልታት ዝቆጻጸርዎ ምብራቓዊ ዞባታት ዝርከብ ክፋል ሰራዊት ሩስያ ምስቲ ኣብ ክሪምያ ዘሎ ሓይሊ ብመሬት ክራኸብ ዕድል ዝፈጥር'ዩ።
- ብኻእል ወገን፡ ገዚፍ ወተሃደራዊ ቃፍላይ ድሩዓት መካይን ናብ ርእሰከተማ ኪቭ ይግስግስ ኣሎ። ዛጊት ኣብ ጥቓ እታ ከተማ በጺሑ ዘሎ ሓይሊ ሩስያ ብዝገጠሞ ተቓውሞ ካብ ማእከል ከተማ 30 ኪሜ ኣብ ዘሎ ቦታ ከምዝተዓግተ ይግለጽ።
- ሩስያ ብሰሉስ ንጉሆ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ቀንዲ መዓስከራት ሓይልታት ጸጥታን፡ ማእከል ስነኣእምሮኣዊ ኲናት ዩክረይንን መጥቃዕትታት ከተካይድ ምዃና ብምሕባር፡ ነበርቲ ክግዕዙ ከምዘለዎም ኣጠንቂቓ ነይራ።
- ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ኣብ እትርከብ ከተማ ኦክትሪካ ድማ፡ ኣስታት 70 ወተሃደራት ዩክረይን ብደብዳብ ሓይልታት ሩስያ ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







