ሩስያዊ ቢልየነር ወናኒ ቼልሲ ሮማን ኣብራሞቪች ናብ ስዊዝ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም

ሩስያዊ ወናኒ ቼልሲ ሮማን ኣብራሞቪች

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሩስያዊ ቢልየነርን ወናናኒ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቼልሲን ሮማን ኣብራሞቪች ፍቓድ መንበሪ ስዊዘርላንድ ተኸልኪሎም።

እዞም ሩስያዊ በዓል ሃፍቲ ናብ ስዊዘርላንድ ንከይኣትዉ ፖሊስ ዝኸልከሎም፡ ንፀጥታ እታ ሃገር ስግኣት እዮም ብዝብል ከምዝኾነ ፀብፃባት ሓቢሮም።

ፌደራል ፖሊስ ስዊዝ ከምዝገለፆ፡ ቢሊየነር ኣብራሞቪች፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ኢድ ክህልዎም ይኽእል ብዝብል ጥርጣረ እዩ፡ መንበሪ ፍቓድ ንኽክልከሉ ገይሩ ዘሎ።

ወዲ 51 ዓመት ሩስያዊ በዓል ሃፍቲ ሩስያዊ ኣብራሞቪች ግና፡ '' ከምዚ ዓይነት ተግባር ንዓይ ዝገልፅ ኣይኮነን'' ኢሎም።

ጠበቕኦም እውን፡ '' ዓሚለይ ሮማን ኣብራሞቪች ምስ ዘይሕጋውያን ሰባት ኮኑ ትካላት ዋላ ሓደ ርክብ የብሉን" ብምባል ነዚ ጉዳይ ውድቂ ገይሮሞ።

ዋላ እኳ ፖሊስ እታ ሃገር ኣብራሞቪች ናብ ስዊዘርላንድ እንተድኣ ኣትዮም ነታ ሃገር ስግኣት ድሕንነት እዮም እንተበለ፡ ዛጊድ ግና ዘውፅኦ ዝርዝር መረዳእታ የለን።

ጠበቕኦም ዳንኤል ግላስል፡ እዚ ኩነታት ብዘይ ገለ መረዳእታ ኣጀንዳ መራኸብቲ ሓፋሽ ምዃኑ ከምዘሕረቖም ገሊፆም።

''ፌደራል ፖሊስ ስዊዘርላንድ ንጥርጣርኡ ዝድግፍ ኮነ ዘረጋግፅ ዋላ ሓደ መረዳእታ ኣይረኸበን፤ እዚ ወፍሪ ፀለመ እዩ'' ኢሎም ጠበቓ ዳንኤል ግላስል።

ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት ብተመሳሳሊ ኣብራሞቪች ናብ ኢንግሊዝ ከይኣትዉ ምኽልካሎም ይዝከር።

ኣብራሞቪች ግና በዚ እንከይተሓለሉ፡ ካልእ ኣማራፂ እዮም ወሲዶም። 'ናይ እስራኤል ቪዛ ዘለዎ ሰብ ናብ ኢንግሊዝ ምእታው ይኽእል እዩ' ዝብል ሕጊ ብምጥቃም፡ ናይ እስራኤል ቪዛ ብምውፃእ ናብ ኢንግሊዝ ክኣትዉ ክኢሎም እዮም።

ወዲ 51 ዓመት ቢልየነር ኣብራሞቪች፡ ሩስያ ኣለዉኒ ካብ ሞንጎ ትብሎም ሰብ ሃፍቲ ሓደ እዮም።

ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ቭላድሚር ፑቲን እውን ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎም ይግለፅ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣዋልድ ኩዕሶ እግሪ ክጻወታ የብለንን ዝበለ መን'ዩ?