ወናኒ ጋንታ ቸልሲ ሮማን ኣብራሞቪች ተሰሚሙ ከይኸውን ጠርጢሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሮማን ኣብራሞቪች፡ ወናኒ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ኣብ ጸገም ጥዕና ከም ዝወደቐን፡ ተመሪዙ ክኸውን ከም ዝኽእልን ተሓቢሩ።
ሩስያዊ ቢልየነር ሮማን ኣብራሞቪች ብሰንኪ ምስማም ኣብ ጸገም ጥዕና ከም ዝኣተወ ካብ ዝቐርብዎ ምንጪታት ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብራሞቪች ንዝርርብ ሰላም ዩክረይንን ሩስያን፡ ኣብ ፈለማ'ዚ ወርሒ ናብ ዶብ ዩክረይን-ቤላሩስ ኣብ ዝገሸሉ እዋን ተመሪዙ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
እቲ ቢልየነር ኣብዚ እዋን ናብ ዝሓሸ ኵነታት ጥዕና ከም ዝተመልሰን፣ ቃንዛ ዓይንን ምቅርራፍ ቆርበትን ግን ይረኣዮ ምህላውን ተሓቢሩ።
ካልኦት ክልተ ንዩክረይን ዝወከሉ ተሸማገልቲ'ውን ግዳይ እቲ ምስማም ከም ዝዀኑ ይዝረብ።
እቲ ምስማም፡ በቶም ነቲ ዘተ ንምትእጉጓል ዝሸርሑ ሕሉፋት ፖለቲከኛታት ሩስያ ዝተዋደደ ከምዝኾነ ሓደ ጸብጻብ ኣመልኪቱ'ሎ።
ሓደ ስሙ ዘይተገለጸ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ግን፡ "ከባቢያዊ ለውጢ" ዘኸተሎ እምበር ምስማም ከምዘይኮነ ምዝራቡ ሮይተረስ ገሊጹ።
ኢሆርን ዞቭካቭ ዝተባህለ ሹመኛ ቤተ መንግስቲ ዩክረይን ብወገኑ፡ ንኣብራሞቪች'ኳ እንተዘየዘራረቦ፡ እቶም ልኡኻት ዩክረይን ግን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና ከም ዘለዉን፣ ሓደ ካብኦም'ውን እቲ ሓበሬታ "ሓሶት'ዩ" ከም ዝበሎን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ቃንዛ ዓይኒ"
ዎል ስትሪት ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣብራሞቪች ከምኡ'ውን ኣባል ባይቶ ዩክረይን ረስተም ኡሜሮቭ ዝርከቦም ተወከልቲ ዩክረይን ድሕሪ እቲ ብ 3 መጋቢት ዘጋጠመ ኵነታት፡ ጥዕናኦም ተመሓይሹ'ሎ።
ንኣብራሞቪች ቀረባ ዝኾነ ምንጪ ሓበሬታ'ውን ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ኵነታት ጥዕናኡ ተመሓይሹ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኲናት ንኸብቅዕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ዘተ'ውን ተመሊሱ'ሎ።
መንቀሊ ምስማም እቲ ቢልየነር ንጹር ኣይኮነን ዘሎ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣብራሞቪች ነቲ ብሩስያ ዝተፈጸመ ወራር ኣብ ምዝሕሓል ሓገዝ ክገብር ከም ዝደሊ ከም ዝሓበሮ፡ ብሰንበት ገሊጹ ነይሩ።
ኣብራሞቪች፡ ካብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ፡ ብምኽንያት'ቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዝርርብ፡ ብተደጋጋሚ ካብ ሞስኮ ናብ ኪቭ ከም ዝተመላለሰ ይግለጽ።
ናብ ኪቭ ኣብ ዝገበሮ መገሻ'ውን ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ከም ዝረኸቦ ይዝረብ።
ኣብ ምጽራይ ገበናት ዘድህብ ጕጅለ መርማሪ ጋዜጠኛ ቤሊንካት ብወገኑ፡ ኣብራሞቪችን ካልኦት ወከልቲ ዩክረይንን፡ "ምስ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ዝመሳሰል ምልክታት ምስማም" ከምዝተራእዮም ሓቢሩ'ሎ።
እቲ ምልክታት፡ "ኣብ ዓይኒን ቆርበትን ዝፍጠር ነድሪ፡ ከምኡ'ውን ንዓይኒ ዝወግእ ኣቐንዛዊ ስምዒት" ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
ኣብራሞቪች ድሕሪ፡ ብ14 መጋቢት ኣብ ተልኣቪቭ፡ እስራኤል ተራእዩ ነይሩ።
ንሱ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ርክባት ኣለካ ብዝብል ብሕብረት ኤውሮጳን ብሪጣንያን ማዕቐባት ከም ዝተነበረሉ ይፍለጥ።
ብወገኑ ግን ነቶም ክስታት ይነጽጐም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







