ወራር ዩክረይን፡ ሻብዓይ ሩስያዊ ጀነራል ኣብ ኲናት ዩክረይን ከምዝተቐተለ ተገሊጹ

ሌተናል ጀነራል ያኮቭ ረዛንሰቭ

ምንጪ ስእሊ, Denis NASik/WikimediaCommons

መግለጺ ስእሊ, ሌተናል ጀነራል ያኮቭ ረዛንሰቭ

ሌተናል ጀነራል ያኮቭ ረዛንሰቭ ዝተባህለ ካልእ ሩስያዊ ኣዛዚ ሰራዊት ኣብ ኲናት ዩክረይን ብመጥቃዕቲ ሰራዊት እታ ሃገር ከምዝተቐተለ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩክረይን ገሊጹ፡፡

እቲ ኣብ ጥቓ ደቡባዊት ከተማ ኬርሶን ከምዝተቐተለ ዝተገለጸ ጀነራል፡ ኣዛዚ መበል 49 ጥሙር ሰራዊት ሩስያ ዝነበረ እዩ፡፡

ረዛንሰቭ ኣብ ዩክረይን ዝተቐተለ መበል ሻብዓይ ጀነራል ከምዝኾነ ዝገለጸ ሓደ ምዕራባዊ በዓል ስልጣን፡ ዛጊት ህይወቱ ዝሰኣነ ካልኣይ ለተናል ጀነራል ከምዝኾነ ተዛሪቡ፡፡

ኣብ ሰራዊት ሩስያ ዘሎ ትሑት ናይ ምውጋእ ወኒ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ናብ ዓውደ ኵናት ቀሪቦም ክመርሑ የገድዶም ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ፡፡

ብሰራዊት ዩክረይን ኣብ ዝተጨወየ ድምጺ፡ ሓደ ሩስያዊ ወታሃደር፡ ጀነራል ረዛንሰቭ፡ እቲ ኲናት ምስተጀመረ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ እቲ ኲናት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ክውዳእ እዩ ኢሉ ከምዝተዛረበ ብመረረት ክገልጽ ይስማዕ፡፡

እቲ ጀነራል ኣብ ጥቓ ኬርሶን ኣብ ዝርከብን ሩስያ ከም ቀንዲ መአዘዚኣ እትጥቀመሉን ዘላ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዝተቐተለን እቲ ከባቢ ብሰራዊት ዩክረይን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞን መራኸቢ ብዙሃን ዩክረይን ብዓርቢ ገሊጸን፡፡

ካልእ ኣንድሬ ሞርድቪቸቭ ዝተባህለ ሌተናል ጀነራል ኣብቲ መአዘዚ ብመጥቃዕቲ ሰራዊት ዩክረይን ከምዝቐተለ ተገሊጹ ነይሩ፡፡

ኬርሶን ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ሩስያ ዝወደቐት ቀዳመይቲ ከተማ ኮይና፡ ዛጊት ግና እቶም ወረርቲ ካብታ ከተማ ክወጹ ዝጠልቡ መዓልታዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ይካየዱ ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡

ኲናት ዩክረይን ካብ ዝጅመር ሸውዓተ ጀነራላት ሩስያ ከምዝተቐተሉ፡ ዩክረይንን ምዕራባውያንን እኳ ይገልጹ እንተሃለዉ፡ ሩስያ ግና ናይ ሓደ ጀነራል ሞት ጥራሕ እያ ተኣሚና ዘላ፡፡

ሞት ናይ ኣዛዚ ቸንቸን ናሽናል ጋርድ ሜጀር ጀነራል ማጎመድ ቱሻየቭ እውን ኣከራኻሪ እዩ ዘሎ፡፡

ትጽቢት ዘይተገበረሉ ብርቱዕ ምክልኻል ዩክረይን፣ ዘይምዕቡል መሳርሒታት ሩስያን ልዑል ሞት ወታሃደራትን ንድኹም ናይ ምውጋእ ወኒ ሰራዊት ሩስያ ምኽንያታት ከምዝኾኑ ይግለጽ፡፡

ዩክረይን ንኣዘዝቲ ሰራዊት ሩስያ ዒላማ ገይሩ ዝሰርሕ ናይ ስለላ ክንፊ ከምዘለዋ ሓደ ንመራሒ እታ ሃገር ቮሎድሚር ዘለንስኪ ቅርበት ዘለዎ ውልቀ ሰብ ንዎል ስትሪት ጆርናል ገሊጹ ነይሩ፡፡

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን እቲ ኲናት ምስተጀመረ ድሕሪ መዓልቲታት ሓደ ጀነራል ከምዝቐተለ ተዛሪቡ ነይሩ፡፡

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትጅምር 1352 ወታሃደራት ከምዝተቐተሉዋ ክትገለጽ እንጀላ፡ ዩክረይንን ምዕራባውያንን ግና እቲ ቑጽሪ መወትቲ ኣዝዩ ዝለዓለ ከምዝኾነ እዮም ዝሕብሩ፡፡

ዛጊት ካብ ዝሞቱ ጀነራላት ሩስያ

ኡለግሚትዬቭ- ኣዛዚመበል 150 ክፍለሰራዊትራይፍል

ሜጀር ጀነራል ኦለግ ሚትዬቭ ኣብ ጥቓ ከተማ ማርዩፖል ከምዝቐተለ እዩ ዝንገር፡፡ እታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዩክረይን እትርከብ ከተማ ዛጊት ካብ ዝተኻየዱ ከበድቲ ውግኣት ዘተኣናገደት እያ፡፡

ኣዞቭ ዝተባህለ ሕሉፍ በጦሎኒ ነቲ ጀነራል ከምዝቐተሎ ሓቢሩ ኣሎ፡፡

እቲ ጀነራል ናይታ ብ 150 ራይፍል እትፍለጥ ኣብ 2016 ዝተጣየሸት ሓዳሽ ሞተራይዝድ ክፍለ ሰራዊት ኣዛዚ እዩ ነይሩ፡፡

ኣንድሬኮለሲንኮቭ- ኣዛዚመበል 29 ጥሙርሰራዊት

ሜጀር ጀነራል ኣንድሬ ኮለሲንኮቭ 11 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ከምዝተቐተለ መራሕቲ ዩክረይን ይገልጹ፡፡

ዝርዝር ኩነታት ኣማውትኡ ግን ኣይተገለጸን፡፡

ኮለሲንኮቭ ኣብቲ ኲናት ዝተቐተለ ሳልሳይ ሩስያዊ ጀነራል ምስኮነ፡ ታሕተዋይ ሰራዊት ሩስያ ናይ ምውጋእ ሞራል ስለዘይብሉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ቀሪቦም ክመርሑ ተገዲዶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሓደ ላዕለዋይ ምዕራባዊ በዓል ስልጣን ንፕረስ ኣሶሴሽን ገሊጹ ነይሩ፡፡

ቪታሊ ጌራሲሞቭ- ላዕለዋይ ኣዛዚ መበል 41 ጥሙር ሰራዊት

ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩክረይን ከምዝለጾ፡ ሜጀር ጀነራል ቪታሊ ጌራሲሞቭ 7 መጋቢት ኣብ ጥቓ ምብራቓዊት ከተማ ካርኪቭ እዩ ተቐቲሉ፡፡

ኣብ ጥቓ ዶብ ሩስያ እትርከብ ከተማ ካርኪቭ ብሓይልታት ሩስያ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ክፍጸማ ጸኒሑ እዩ፡፡

ጌራሲሞቭ ኣብ ካልኣይ ኲናት ቸንቸን፣ ሩስያ ኣብ ሶርያ ኣብ ዘካየደቶ ወፍርን ኣብቲ ኣብ 2014 ሩስያ ንክሬምያ ዝመንዘዐትሉ ኲናትን ተሳቲፉ እዩ፡፡

ኣንድሬሱክሆቨትስኪ- ምክትልኣዛዚመበል 41 ጥሙርሰራዊት

ኣብታ ጌራቪሞቭ ዝነበራ ዩኒት ምክትል ኣዛዚ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ኣንድሬ ሱክሆቨትስኪ፡ ኣብ 3 መጋቢት ብስናይፐር ከምዝተቐተለ እዩ ዝግለጽ፡፡

ንሱ እውን ከም ጌራሲሞቭ ኣብ ኲናት ሩስያን ክሬምያን ተሳቲፉ እዩ፡፡

ካብ ናይ ካልኦት ጀነራላት ብዝተፈለየ፡ ሞት ሱክሆቨትስኪ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ሩስያ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ፑቲን እውን ኣብ ዩክረይን ጀነራል ከምዝተቐተሎም ተዛሪቡ ነይሩ፡፡