ኲናት ዩክረይን: ኤርትራ ንሩስያ ዝኹንን ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ተቓዊማ

ፕሬዝደንት ኤርትራ ኢሳይያስ አፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕሬዝደንት ኤርትራ ኢሳይያስ አፈወርቂ

ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ንወራር ሩስያ ብምኹናን ሓይልታታ ብህጹጽ ካብ ዩክረይን ከተውጽእ ጸዊዑ'ሎ።

እቲ ኣብ ህጹጽ ኣኼባ ናይቲ ባይቶ ዝሓለፈ ውሳነ፡ ካብ 194 ኣባል ሃገራት እተን 141 ብዝሃበኦ ደገፍ'ዩ ክጸድቕ ኪኢሉ።

ሓሙሽተ ሃገራት ግን ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ድምጸን ሂበን።

ካብተን ነቲ ውሳነ ዝተቓወማ ሩስያ ባዕላ ኣብ ቅድሚ ትስራዕ።

መሓዝኣ ዝኾነት ቤላሩስ'ውን ኣንጻር እቲ ውሳነ'ያ ኣድሚጻ። ገለ ክፋል ናይቲ ናብ ዩክረይን ዝኣተወ ወራሪ ሓይሊ ሩስያ ካብ ቤላሩስ ከምዝተበገሰ ይፍለጥ።

ህጹጽ መጋባእያ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ንወራር ሩስያ ዝኾነነ ህጹጽ መጋባእያ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት

ብወተሃደራዊ ሓገዝ ሩስያ ዝዓኾኸት ብባሻር ኣልኣሳድ ትምራሕ ሃገረ ሶርያ'ውን ምስ ሩስያ ዘለዋ ምሕዝነት ንምግላጽ ኣንጻር እቲ ውሳነ መርገጺ ወሲዳ'ላ።

እተን ዝተረፋ ክልተ ነቲ ውሳነ ዝነጸጋ ሃገራት ድማ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን እየን።

እታ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ ከጋጥማ ዝጸንሐት ኤርትራ ምስ ሩስያ ዘለዋ ዝምድና ዝሓሸ ምዃኑ ይግለጽ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ድምጺ ዝወሃበሉ ክፍለ ግዜ ብዘይምርካብ፡ ከየድመጸት ከምዝተረፈት ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብቲ ብቤትምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተጸውዐ ኣኼባ፡ ኣምባሳደር ዩክሬን ኣብቲ ውድብ ሰርጊ ኪስሊስያ፡ ሩስያ "ዩክሬን ክትህሉ ዘለዋ መሰል ክትነፍግ መጺኣትና" ክብል ከሲሱ።

ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቫሲሊ ነበንዚያ ብወገኑ፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ ምብራቕ ዩክሬን ዘሎ ናይ ተገንጸልቲ ግጭት ደው ንምባል ከምዝኣተወት ብምምጓት፡ ሃገራት ምዕራብ፡ እቲ ውሳነ ንክሓልፍ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ቅሉዕ ጸቕጢ ገይረን ክብል ነቒፉ።

ሓፈሻዊ ባይቶ ናይቲ ውድብ ድሕሪ 1997 ንፈለማ እዋን'ዩ ህጹጽ ኣኼባ ዘካይድ ዘሎ።