ኲናት ዩክሬን፡ መርከብ ኲናት ሩስያ ኣብ ወደብ በርድያንስክ ዓንያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ትሕቲ ሩስያ ኣትያ ኣብ ዘላ ወደብ በርድያንስክ ተዓሺጋ ዝነበረት ወተሃደራዊት መርከብን ክልተ ካልኦት ናእሽቱ መራክብን ከም ዝዓነዋ ሰበ ስልጣን ዩክሬን ገሊጾም።
ሓይሊ ምክልኻል ዩክሬን፡ እታ 'ኦርስክ' ዝተባህለት መርከብ ኲናት ብሓይልታቱ ከም ዝተሃርመት ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሑ።
ጠንቂ ኣብታ መርከብ ናይ ዘጋጠመ ነትጕን ሃልሃልታን ግን ብዝርዝር ኣይነጸረን።
በርድያንስክ፡ ካብታ ተኸቢባ ዘላ ወደብ ማሪዮፖላ ንሸነኽ ምዕራብ እትርከብ ኰይና፡ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ምጅማር ወራር ሩስያ እያ ተታሒዛ።
ሩስያ፡ ነቲ ወደብ ንወተሃደራታ ዝኸውን ናውቲ መራገፍን መሰጋገርን ክትጥቀመሉ ከም ዝጸንሐት ትገልጽ።
ተለቪዥን ምክልኻል ሩስያ፡ መርከብ 'ኦርስክ' ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳመይቲ መርከብ ኲናት ኣብ በርድያንስክ ዝኣተወት ብምዃና ጠቒሳ፡ ነቲ ኩነታት 'ጅግንነታዊ ፍጻመ' ክትብል ገሊጻቶ።
ሙራድ ጋዝዲቭ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ቴሌቭዥን ሩስያ፡ ብድሮን ዝቐረጾ ኣሳእል፡ ዕጡቓት ወተሃደራት ካብ መርከብ ኦርስክ ኣብቲ ወደብ ክራገፉ የርኢ።
ወተሃደራዊ መካይን፡ ንሓይልታት ሩስያ ንምሕያል ዝዓለማ ምዃነን ከኣ እታ ቴሌቪዥን ወሲኻ ትገልጽ።
ሓሙስ ንግሆ ብሓይሊ ባሕሪ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ነትጕን ምቅጻል ዓባይ መርከብን ኣብቲ ወደብ የርኢ።
ኦርስክ ተቓጺላ ክትዓኑ እንከላ፡ ባርዕ ሓዊ ናብ ካልኦት መራኽብን መኽዘን ተተኰስትን ነዳድን ከም ዝለሓመ ኸኣ ጸብጻባት ይገልጹ።
ካልእ ኣሳእል'ውን ክልተ መራኽብ ብናህሪ ካብቲ ወደብ ክወጽኣ የርኢ።
ምኽትል ሚኒስተር ምክልኻል ዩክሬን ሃና ማልያር፡ ሰራዊት ዩክረይን ነታ 20 ታንክታት፡ 45 ድሩዓት ወተሃደራዊ መካይን 400 ወተሃደራት ክትስከም እትኽእል "ገዚፍ ዒላማ" ሃሪሙ ክትብል ንቴሌቭዥን 'ታ ሃገር ገሊጻ።
ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ብሩስያ ኣብ ዝድገፍ ማዕከን ዜና ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ሙራድ ጋዝዲቭ፡ ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን ከም ዝጸብጸቦ ሚሳይላት ዩክረይን ብተደጋጋሚ ናብ ወደብ በርድያንስክ ክድብድብ ቀንዩ፣ እንተዀነ ነፍስ ወከፍ ሚሳይል፡ ብጸረ-ሚሳይል ሩስያ ይብርዕን ነይሩ።
በርድያንስክ፡ ኣብ መንጐ ክረምያን ማሪያፖልን እትርከብ፡ ንሩስያ ዓቢይ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ወደብ እያ።
ገለ ካብቶም ካብ ማሪያፖል ሃዲሞም ኣብታ ወደብ ዝበጽሑ ሰባት፡ ብመሬት ናብ ከተማ ዛፖሪዝያ ክግዕዙ ምዃኖም ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዩክረይን ሓቢሩ ነይሩ።
በርድያንስክን መሊቶፖልን ምቍጽጻር፡ ካብ ቀንዲ ዕላማታት ሩስያ ኰይኑ፡ ንክረምያን ምስ ዶባት ሩስያ ንምርኻብን ክሳብ ዛፖሪዝያ ዝዝርጋሕ መስመር ንምውሓስን ምዃኑ ከኣ ይንገር።
በርድያንስክ ብወተሃደራት ሩስያ ድሕሪ ምትሓዛ ነበርቲ ተቓውሞኦም ክገልጹ ናብ ጐደናታት ክወጽኡ ተራእዮም።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮታት ከም ዘርእዮ ድማ፡ ወተሃደራት ንኣድመኛታት ንምብታት ክሃርምዎም እንከለው ዘርኢ እዩ።
ሰበ ስልጣን ዩክረይን ከም ዝገልጽዎ ዘለው፡ ምህራም ኦራስክ ኣገዳሲ ትእምርቲ እዩ።
እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ 2014 ድሕሪ ምትሓዝ ክረምያ ንኣዛዚ 'ታ መርከብን ኣባላቱን ዝተዋህበ ኒሻን ከም ምምቓል ክሕሰብ ይከኣል፡ በሃልቲ እዮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







