ግብጺ ብሰንኪ ኵናት ዩክሬን ካብ ኣይኤምኤፍ ሓገዝ ሓቲታ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ ግብጺ፡ እቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ልዑል ቁጠባዊ ቅልውላው ስለ ዝፈጠረሉ ካብ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ [ኣይኤምኤፍ] ሓገዝ ከም ዝሓተተ ተገሊጹ።
እታ ካብ ኩለን ሃገራት ዓለም ካብ ወጸኢ ስርናይ ብምሽማት ቀዳመይቲ ዝኾነት ግብጺ፡ ዝበዝሐ ካብ ደገ ትሽምቶ ኣእኻል ካብ ዩክረይንን ሩስያን እዩ ነይሩ።
ከም ውጽኢቱ፡ እቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ድማ ብኸቢድ ከም ዝጸለዋ'ዩ ዝግለጽ።
ግብጺ ኣብዚ ሰሙን ነቲ ብሰንኪ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ናህራ ዋጋ ዝተራኣዮም ሃለኽቲ ነገራት ንምቁጽጻር ዋጋ ናይቲ ብድጎማ እትስርሖ ሕብስትታት ምዕሩይ ዋጋ ንኽህልዎ ዘገድድ ሕጊ ኣተኣታትያ ኣላ።
ግብጺ፡ ካብ ቱሪዝም ትረኽቦ ዝነበረት ኣታዊታት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኸቢድ ድሕሪ ምህሳዩ፡ ኣብዚ እዋን'ውን ኵናት ዩክሬን ጽልዋ ይፈጥረሉ ምህላዉ ይግለጽ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን መንግስቲ ግብጺ፡ ቁጠባዊ ምትዕርራይ ንምግባር ዋጋ ባጤራ እታ ሃገር ከም ዘሕሰሮ ይዝከር።
ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ'ውን ነቲ ግብጺ ዝወሰዶ ተበግሶ ዘለዎ ናእዳ ኣብ ግዚኡ ገሊጹ ነይሩ እዩ።
ካብ ዝጅመር ሓደ ወርሒ ኣቁጺሩ ዘሎ ኵናት ዩክሬን፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ቁጠባዊ ቅልውላው ከስዕብ እንከሎ፡ ብደረጃ ዓለም ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ንኽውስኽ ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ከም ዘሎ እዩ ዝግለጽ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







