‘ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኲናት ዩክረይን ዘይሻራውያን ክኾና ኣይኽእላን’-ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይሻራዊ ቕዋም ዝወሰዳ ኮይነን፡ እዚ መርገጺአን ግን ብምዕራባውያን ኣይተፈተወን፡፡
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኲናት ዩክረይን ዘይሻራውያን ኮይነን ክቕጽላ ኣይኽእላን ኢላ፡፡
ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዘሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኹንን ቅዋም ንምውጻእ ዝጸወዖ ሓፈሻዊ ጉባኤ 17 ሃገራት ኣፍሪቃ ድምጸ ተዓቅቦ እንትገብራ ሸሞንተ ሃገራት ኣፍሪቃ ጠቕሊለን ድምጺ ኣይሃባን፡፡
ኣምባሳደር ሊንዳ፡ "እዚ ቅልውላው ከምቲ ናይ እዋን ዝሑል ኲነት ዓይነት፡ ኣብ መንጎ ምዕራባውያንን ሩስያንን ዝተፈጠረ ንሕንሕ ስለዘይኮነ ዘይሻራዊ ዝበሃል ባይታ የለን" ኢላ፡፡
ሃገራት ካብ ሩስያ ንዝዕድገኦም ሸቐጣት ኣማራጺ ምንጪታት ኣብ ምርካብ ንምሕጋዝ ኣመሪካ ትሰርሕ ከምዘላ እውን እታ ኣምባሳደር ተዛሪባ፡፡
ብተወሳኺ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ንሩስያን ዩክረይንን ንምሽምጋል ዘቕረበቶ ጠለብ ኣመሪካ ከምእትድግፎ ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ ተዛሪባ፡፡
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኹንን እማመ ንምውጻእ ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኤርትራ ነቲ እማመ ዝተቓወመት ብሕታዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር እንትትከውን ኢትዮጵያ ጠቕሊላ ድምጺ ኣይሃበትን፡፡
ሩስያ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትገብሮ ዝጸንሐት ወታሃደራዊ ሓገዛት ቀሊል ዘይበሃል ጸቕጢ ክትፈጥር ከምዘኽአላ እዩ ዝግለጽ፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







