ኵናት ዩክሬን፡ ኔቶ ናብ ምብራቕ ኣውሮጳ ተወሰኽቲ ሰራዊት ክሰድድ’ዩ

ዋና ጽሓፊ እቲ ኪዳን ጀንስ ስቶልተንበርግ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዋና ጽሓፊ እቲ ኪዳን ጀንስ ስቶልተንበርግ

ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡ ናብ ምብራቕ ኣውሮጳ ተወሰኽቲ ሰራዊት ናይ ምውፋር ውጥን ከም ዘለዎ ዋና ጽሓፊ እቲ ኪዳን ጀንስ ስቶልተንበርግ ሓቢሩ።

እቲ ሓላፊ ኣብ ድሮ እቲ ብምኽንያት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ንዝካየድ ዘተ ኣመልኪቱ: ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ነዚ ተዛሪቡ።

ጀንስ ስቶልተንበርግ ኣብ መግለጺኡ እቶም ሰራዊት ኔቶ ናብ ሃንጋሪ፣ ስሎቫክያ፣ ቡልጋርያን ሮማንያን ክምደቡ ምዃኖም'ውን ገሊጹ።

ብዘይካ እዚ ኣብቲ ዝካየድ ኣኼባ፡ ኔቶ ንዩክረይን ዝገብሮ ደገፍ ብፍላይ ከኣ ነታ ሃገር ካብ ኬሚካላዊ፣ ባይሎጂካውን ኒኩለራዊን መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝዓለመ ንኸዕብዮ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሕ ምዃኑ ጀንስ ስቶልተንበርግ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ኣኼባ ብኣካል ክሳተፍ ምዃኑ'ውን ተሓቢሩ።

ጆ ባይደን ምስ መራሕቲ ኣውሮጳ ኣብ ዝገብሮ ዘተ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ፡ ፖሎቲከኛታትን ሰበስልጣን ሩስያ ዝግበር ተወሳኺ እገዳ ከፍልጥ ትጽቢት ይግበር።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ጃክ ሱሊቫን መራሕቲ ሃገራት ጉጅል 7 ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝግበር እገዳ ዝሕይለሉን ዝትግበረሉን ኣገባብ ክዝትዩ ምዃኖም ገሊጹ።

እዚ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንባይቶ ፈረንሳ ብማንዛ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ፈረንሳ ኣብ ሩስያ ዘሎ ኩሉ ትካላታ ክትዓጹ ኣብ ዝሓተተሉ'ዩ ዝወጽእ ዘሎ።

ወተሃደራት ኔቶ ኣብ ፖላንድ ወተሃደራዊ ልምምድ እናኣካየዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራት ኔቶ ኣብ ፖላንድ ወተሃደራዊ ልምምድ እናኣካየዱ

ጀንስ ስቶልተንበርግ ኣብ መግለጺኡ ኩለን ኣባላት ሃገራት "ኔቶ ኣብ መሬት፡ ባሕርን ኣየርን ምብራቕ ኣውሮጳ ዘለዎ ሓይሊ ክድልድል ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሓ" ልዑል ትጽቢት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ካብ ጸሊም ባሕሪ ክሳብ ዞባ ባልቲክ ዝዝርጋሕ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ኣስታት 40 ሽሕ ሰራዊት ኣለዎ።

ጀንስ ስቶልተንበርግ፡ እዚ ሓድሽ ውጥን ወሰኽ ሰራዊት ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ "ዘህውኽ ነገር የብልናን እንተኾነ እቲ ቦታ ርጉእ ሰላም ስለ ዘይብሉ ኸኣ ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን እና" ኢሉ።

እቲ ሓላፊ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን እትግብሮ ዘላ ናይ ኒኩለር ምውጥዋጥ "ሓደገኛን ዘይሓላፍነታውን'ዩ" ብምባል ንሩስያ ኣጠንቒቁ።

ብምስዓብ፡ ሩስያ ዝኾነ ኬሚካላዊ ይኹን ባይሎጂካዊ ኣጽዋር እንተተጠቒማ "ገዚፍ ሳዕቤን" ከኸትለላ ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኣብ ዝኾነ ግዜ ንዝኾነ ስግኣት ናይ ምክልኻልን ሓላፍነት ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ጽሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሩስያ ኣብ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝፈጸመቶ መጥቃዕትታት መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሰራዊት ሩስያ ገበን ኵናት ከም ዝፈጸመ ኣብ መደምደምታ ከም ዝበጽሐ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ንፕረዚደንት ፑቲን 'ናይ ኵናት ገበነኛ' ኢሉ ከም ዝገለጾ ይዝከር።