ኵናት ዩክረይን፡ መራሕቲ ኣውሮጳ ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ንምርካብ ብሓደገኛ መገዲ ባቡር ተጓዒዞም

ምንጪ ስእሊ, EPA/Presidential Press Service
ዩክረይን፡ ንፕረዝደንት ዘለንስኪ ንምርካብ ንርእሶም ኣብ ሓደጋ ብምጥሓል ካብ ፖላንድ ብሓደገኛ ጉዕዞ ባቡር ናብ ኪቭ ንዝመፅኡ መራሕቲ ኣውሮጳ ንኢዳ።
ቀዳሞት ሚኒስትራት ፖላንድ፣ ስሎቬኒያን ቼክ ሪፐብሊክን ትማሊ ሰሉስ እዮም ብባቡር ተጓዒዞም ናብ ርእሰከተማ ኪቭ ኣምሪሖም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ቼክ ሪፐብሊክ ፔተር ፍያላ፡ "ዩክሬናውያን በይንኹም ኣይኮንኩምን" ብምባል፡ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ዩክረይን ምዃኑ ገሊፁ።
ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ሩስያ ንዩክረይን ምውራራ ስዒቡ ናብ ዩክረይን ዝበፅሑ ፈላሞት መራሕቲ ሃገራት እዮም።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "ንናህትና ህይወት'ውን ከምትቃለሱ ንፈልጥ ኢና። በይንኹም ኣይኮንኩምን፤ ኣብ ጎንኹም ኢና" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ፖላንድ ማቴዮሽ ሞራቬስኪ ብወገኑ፡ ኣውሮጳ እንተድኣ ንዩክረይን ስኢና ከም ቀደማ ኣይክትኸውንን ኢሉ።
ፕረዝደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ "ምብፃሕኩም ንዩክረይን ዓብይ ድጋፍ እዩ" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ዴኒስ ሽሚሃል ድማ፡ "ኣብ ልዕሊ ሩስያ ብዛዕባ ክንበር ዝግበኦ ማዕቐብን ደጋፊት ግብረራዕዲ ምዃናን ተዘራሪብና ኢና" ክብል ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Twitter/@MorawieckiM
ነትጒታት ተሰሚዖም
እቶም መራሕቲ ኣብ ዝዝትይሉ እዋን፡ ብርቱዕ ነትጒታት ይስማዕ ነይሩ።
ሕብረት ኣውሮፓ ዋላ'ኳ ሰለስቲኦም ፖለቲከኛታት ዝተፈለየ ዛዕባ ሒዞም እንተዘይከዱ፡ እቶም ኣብ ብራስለስ ዘለዉ መራሕቲ እቲ ሕብረት ግና ብዛዕባ እቲ ምብፃሕ ይፈልጡ'ዮም ኢሉ።
ምክትል ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ፖላንድ ማርሲን ፕርሲዳክዝ፡ ዝነበሮም ጉዕዞ ሓደገኛ ከምዝነበረ ብምእማን፡ " እንተኾነ ንዕላማ ዝተገበረ ከምዝኾነ" ሓቢሩ።
ብዛዕባ እቲ ምብፃሕ ንሩስያ ከምዘፍለጡ'ውን ተዛሪቡ።
ሰለስቲኦም መራሕቲ ብናይ ፖላንድ ወተሃደራዊ ኣየር እንተድኣ ተጓዒዞም ሩስያ ከም ምትዂታኽ ክትርእዮ ትኽእል'ያ ብዝብል ስግኣት እዮም፡ ባቡር ክጥቀሙ ወሲኖም።
እታ ነዞም መራሕቲ ሒዛ ዝመፅአት ባቡር መዓስ ናብ ርእሰከተማ ፖላንድ ዋርሶ ከምትምለስ ኣይተፈለጠን።
ፕረዝደንት ዩክረይን ዘለንስኪ፡ ክሊ ኣየር ሃገሩ ካብ በረራ ክእገድ ብተደጋጋሚ ንኔቶ ዝተማሕፀነ እንትኾን፡ ኔቶ ግና ነዚ ስጉምቲ ንምውሳድ ፍቓደኛ ኣይኮነን።
ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡"ንዘበናት ናብ ኔቶ ክንፅንበር ኣፍደገታት ክፉታት'ዮም ንበሃል ነይርና። ሕዚ ግና ኣባል ኔቶ ክንኸውን ከምዘይንኽእል ተነጊሩና። እዚ እዩ እቲ ሓቂ፤ ኣፍልጦ ክወሃቦ ድማ ይግባእ። ህዝበይ ነዚ ተረዲኡ ኣብ ባዕሉን ኣብ ዝሕግዛና ሃገራት ክምርኰስን ምጅማሩ ሕጉስ እየ" ኢሉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







