ሩስያ፡ ኣብ ዩክረይን 'ደርቲ' ዝበሃል ሓደገኛ ኬሚካላዊ ቦምባ እንተተጠቒማ፡ ኔቶ ክሳተፍ ድዩ?

ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዩክረይን ኣብ ዓውደ ውግኣት ክትጥቀመሉ ዘይግባእ ብሕቡራት ሃገራት ዝተኽልከለ 'ደርቲ' ዝተባህለ ቦምባን ኬሚካላዊ ኣጽዋርን ክጥቀም ይኽእል እዩ ዝብል ሻቕሎት ተፈጢሩ ኣሎ።

ላዕለዋይ ጋዜጠኛን ዓለመዊ ወኪልን ቢቢሲ፡ ጎርደን መይንስ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ኪቭ፡ ከምኡ እውን ወኪል ቢቢሲ ኣብ ኣውⶂጳ፡ጄኒይ ሂል ካብ ርእሰ ከተማ ሞስኮ፤ ካብ ሰማዕቲ ቢቢሲ ንዝቐርቡ ሕቶታት ምላሽ ይህብሉ፡

እንተደኣ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተኽልከለ "ደርቲ" ዝተባህለ ቦምባን ኬሚካላዊ ኣጽዋርን ኣብ ኵናት ዩክረይን ተተኲሱ ኔቶ ክትሳተፍ ተኽእሎ ኣሎ'ዶ?

ሊዝ ዶኬት ከምዚ ክብል ይምልስ ፦

እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ ኣእምሮ ኣባላት ኔቶ ክትህሉ ኣለዋ። እንተዀነ ግን ወተሃደራዊ ኣጽዋርን ተተኳስን ካብ ምሃብ ንላዕሊ ኣብቲ ኵናት ተሳሒቦም ንከይኣትው ኣዝዮም ጥንቁቓትን እዮም ዘለው።

ኣብ ናይ ኔቶ መትከላት ኣብ ዓንቀጽ ሓሙሽተ ሰፊሩ ዘሎ "ሓባራዊ ምክልኻል" ዝብል ዓንቀጽ "ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣባል ሃገር መጥቃዕቲ ምፍናው ኣብ ልዕሊ ኩለን መሻርኽቲ ሃገራት መጥቃዕቲ ከም ምፍጻም'ዩ ዝቑጸር" ዝብል እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኔቶ ንነፍሲ ወከፍ "ሰንቲ ሜተር" ልዑላዊ ክላ ንምክልኻል ትጽዕር ኣላ። እንተኾነ ኣብ ዝኾነ ስግረ ዶብ ሰጊሩ ዘሎ ስግኣት ናይ ላዛ ጠመተ ኣለዋ ።

ዋላ እኳ ሩስያ ንኻልኦት ሃገራት ናይ ምውራር መደብ ከም ዘይብላ እንተ ገለጸት ፡ እዚ ስግኣት'ዚ ከም ዘሎ ግን ኔቶ ይፈልጥ እዩ።

ስለምንታይ ኢና ናብተን ዝተኸበባ ከተማታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክንህብ ዘይንበርር? - ስቲቭ ሃርቪ ፡ ኖርዝሃምፕቶንሼር

ሊዝ ዶኬት ከምዚ ክብል ይምልስ ፦

ዩክረይን ንክሊ ኣየራ ኣይትቈጻጸሮን እያ ዘላ። ብዙሕ መዓልቦ ነፈርቲ ዩክረይን ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ውግእ ሩስያ እዩ ዘሎ። ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት እታ ሃገር ብሰማይን ምድርን መጥቃዕቲ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ስለዝኾነ ናይ ነፈርቲ በረራ ምክያድ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ።

ከምቲ ሪኢኻዮ ክትከውን እትኽእል፡ ብምዕራባዊ ዶባት ዩክረይን ብዙሕ ረድኤት ይመጽእ ኣሎ ። ከም ለቪቭ ዝኣመሰላ ገና ብተዛማዲ ቀጥታዊ ናይ ሩስያ መጥቃዕቲ ዘይበጽሐን ምዕራባውያን ከተማታት፡ መደበራት ሰብኣዊ ረድኤት ኰይነን ኣለዋ ።

ኵለን እተን ምስ ዩክረይን ዝዳወባ ሃገራት፡ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ ዝተራእየ ብዝተፈልየ መገዲ ናይ ህጹጽ ረድኤት መደበራት ገይረንኦ ኣለዋ።

ኣብ ዝዀነ ይኹን ውግእ ወይ ሓደጋ፡ ኵሉ ሳዕ ናይ ንዋትን መተሓላለፍን ሕቶ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ እተን ረድኤት ዝጸዓና ማካይን ብሰንኪ ካብ ሰራዊት ሩስያ ዘጋጥመን ደብዳብ ክምለሳ ይግደዳ ኣለዋ ።

ማዕከናት ዜና ሩስያ ብወገነን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሩስያ ኣብ ዝኣተወ ከባቢታት ናይ ሩስያ ረድኤት ምዕዳል ዘርኢ ስእሊ ይዝርግሓ ኣለዋ።

እቲ ኣብ ዩክረይን እተላዕለ ውግእ፡ ናብ ምሉእ ኵናት ሩስያን ኔቶን ክምዕብል ይኽእል'ዶ? ኮኖር ፡ ሰሜን ኣየርላንድ

ጀኒ ሂል ከምዚ ክትብል ትምልስ፦

ዘይከኣል ኣይኮነን፡ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኔቶ ጣልቃ ንከይኣቱ ኣዝዩ ተጠንቂቑ ዘሎ።

ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ዩክረይን ንዘካይዶ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት ዝኾነት ሃገር ዕንቅፋት እንተኾይና "ኣብ ታሪኸን ርእያቶ ዘይትፈልጥ" ከቢድ ሳዕቤን ከም ዘጋጥመን እዩ ከፈራርሕ ጸኒሑ። ነዚ ከኣ ብዙሓት ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከም ምጥቃም ማለቱ ምዃኑ ወሲዶሞ ኣለው።

እቲ ፑቲን ዝበሎ ነገር ማዕረ ክንደይ ኣርዚንካ ትርእዮ ንዝብል ኣጸጋሚ እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዘርእዮ ዘሎ ዘይትጽበዮ ተግባር ኣብ ምዕራብ ዘለዉ ሰባት እዚ ኩነታት ናበይ ገጹ ክምዕብል ከምዝኽእል ኣሻቒሉዎም ኣሎ።

ሚስተር ፑቲን ነቶም ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ ዝዀኑ ህዝቢ ምብራቓዊ ዩክረይን ካብቲ ኣብ ኪቭ ዝርከብ መንግስቲ ንዘጋጥሞም ዘሎ ተጽዕኖ ንምክልኻል እቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዝወሰዶ እዩ ዝዛረብ። ይኹን እምበር እቲ ፖለቲካዊ መደቡ እንታይ ምዃኑ ርግጸኛታት ኴንና ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና።

ንዩክረይን "ክሕዝ" ከም ዘይደልን ብድሕሪኡ እውን ከምዘይወራን እዩ ዝዛረብ። ልዕሊ ኵሉ፡ ነቲ ከም ዓቢ ስግኣት ሩስያ ገይሩ ዝርእዮ ህላዌን ኣቃውማን ኔቶ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ክብድሆን ክቕይሮን ከምዝደሊ ካብቲ ዝጸሓፍ ንፈልጥ ኢና።

ኔቶ ኣብተን ካብ 1997 ኣባላታ ዝኾና ምስ ዩክረይንን ቤላሩስን ዝዳወባ ሃገራት መጥቃዕቲ እንተተፈንዩ ምላሽ ክህበሉ ክግደድ እዩ።

ሓይልታት ሩስያ ናብ ምዕራብ ገጾም ምስ ሰጎሙ፡ ኣብ ግዝኣት ኔቶ ብሃንደበታዊ ዘይተሓስበ ሓደጋ ወይ እውን ኮነ ኢልካ ብፍላጥ ብዝግበር ምትዅታኽ መጥቃዕቲ ናይ ምስዓብ ተኽእሎ ኣሎ።

ስለምንታይ እያ ዓባይ ብሪጣንያ ንዅሎም ኣብ ለንደን ዝርከቡ ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታትን ሰራሕተኛታትን ዘየባረረት? - ጁሊ ቶምሰን ፡ ፕሬስቶን

ጀኒ ሂል ከምዚ ክትብል ትምልስ፦

ብግምተይ፡ እዚ ኩነታት ብዲፕሎማሲ ክሃድእ ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ እኳ እንተሎ፡ እንግሊዝን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ግን እቲ ብሞስኮ ዝግበር ዘሎ ከም ምትዅታኽ እዮም ዝርእይዎ።

ከምኡ እንተገይሮም ከኣ ኣባላቶም ኤምባሲኦም እውን ካብ ሩስያ ክስጎጉ ይኽእሉ እዮም።

ኵለን ባቡራት ብሰብ አዕለቕሊቐን እናረኣናየን ስለምንታይ ኢና ነቶም ዝሃድሙ ሰባት ንምድሓን ዝያዳ ባቡራት ዘይተላእካ? - ኬት ራስል ፡ ግላስጎው

ሊዝ ዶኬት ከምዚ ክብል ይምልስ ፦

ዋላ እውን ኣብ እዋን ውግእ ብዙሓት ባቡራት ኣብ ሰዓተን እየን ዝንቀሳቐሳ ዘለዋ። ይኹን እምበር ኣብ ከም ምዕራብ ኪቭ ዝርከብ ኢርፒን: እቲ መገዲ ባቡርን እስቴሺንን መጥቃዕቲ ስለ ዝወረዶ እቲ መደበር ኣይሰርሕን እዩ ዘሎ ።

ናብቲ ኣብ ኪቭ ዝርከብ ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበረ ዘደንቕ መደበር ባቡር ኣብ ዝገበርክዎ ናይ መወዳእታ ጕዕዞ፡ ኣብተን ናብ ምዕራብ ዘምርሓ ባቡራት ብዙሕ ሰብ ከም ዘይነበረ እየ ኣስተብሂለ።

ጠንቂ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን እንታይ እዩ ? - ካረን ኬቨን ፡ ናይጀርያ

ጀኒ ሂል ከምዚ ክትብል ትምልስ፦

እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ብርግጽ ኣይንፈልጥን ኢና ።

ቭላድሚር ፑቲን፡ ነቶም ግዳያት "ጃምላዊ ቅትለት" ዝዀኑ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ተዛረብቲ ቛንቋ ሩስያ ዝኾኑ ንምድሓን ከምዝኣተወ'ዩ ዝገልጽ። እዚ ግን ብመንግስቲ ኪቭ ምንም መርትዖ የብሉን።

ፑቲን፡ ዩክረይን ነቲ ኣብ ምብራቕ ዝርከብ ክፍሊ ግዝኣታን ነታ ብ2014 ብሩስያ ብሓይሊ ዝተታሕዘት ክሬሚያ ንሩስያ ኸተረክብ እዩ ዝደሊ። ብዘይካ'ዚ ፡ ዩክረይን ናብ ኔቶ ንኽትጽምበር ዝነበራ ድሌት ኸተቋርጾ እዩ ዝደሊ ።

ካብኡ ዝዓቢ ድሌት ኣለዎዶ? ምናልባት። ንሱ ኔቶን (ብፍላይ ከኣ ነተን ድሕሪ 1997 ናብ ኔቶ ዝተጸንበራ ኣባላት ሕብረት ሶቭየት ነበር) ከም ስግኣት ጸጥታ ሩስያ ገይሩ ከም ዝርእየን ንፈልጥ ኢና ።

ሞስኮ ኣብ ኣቃውማ ኔቶ ለውጥታት ክግበር ጠለብ ኣቕሪባ ኣላ። ንኣብነት፡ ከም ጀርመን ዝኣመሰላ ንኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣመሪካ ዘተኣናግዳ ሃገራት ኤውሮጳ፡ እቲ ኣጽዋር ናብ ኣመሪካ ክመልሳኦ እያ ትደሊ ።

እቲ ምፍራስ ሕብረት ሶቬት ዘሕምሞን ዘጣዕሶን ፑቲን ንሶቭየት እንደገና ንምህናጽ ንዘለዎ ድሌት እውን ከነነኣእሶ ኣይንኽእል ኢና ዝብሉ ተንተንቲ እውን ኣለዉ ።