ሱዳን፡ ህላወ ሩስያውያን ዕሱባት ወተሃደራት ነጺጋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሱዳን፡ ህላወ ሩስያዊ ብሕታዊ ወተሃደራዊ ትካል ኣብ ሃገራ ነጺጋ።
እዚ፡ ነቲ ብወከልቲ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ኖርወይን፡ 'ኣባላት ዋግነር ግሩፕ ኣብ ወፍሪ ምዝባዕ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መድያን፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቅን ኣብ ሱዳን ተጸሚዶም ኣለው፡' ዝብል ሓባራዊ መግለጺ ዝሰዓበ ምላሽ እዩ።
"መንግስቲ ሱዳን ነዚ ጸብጻብ ብምሉኡ ክነጽጐ ይደሊ፡" ይብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን።
ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት ንሱዳን ናብቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክእትውዋ ይደልዩ ኣለው ብምባል ሰበስልጣን ሱዳን ይኸሱ።
ምኽትል ጀነራል ኣብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን [ሕሜቲ] ዳጋሎ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሩስያ ምብጻሕ ኣካይዱ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ሩስያውያን ዕሱባት ኣብ ማእከላይ ሪፑብሊክ ኣፍሪቃ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻም ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ምዕራባውያን ሃገራት፡ ዕሱባት 'ዋግነር' ኣብ ማሊ ተዋፊሮም ምንባሮም ይገልጻ።
እዚ ወተሃደራዊ ጕጅለ፡ ኣብ ሊብያ ኣንጻር 'ቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ንዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ ዓለወኛ ጀነራል ኸሊፋ ሓፍተር ዝድግፉ ኣሽሓት ተዋጋእቲ ኣለውዎ።
ወተሃደራውያን መራሕቲ ሱዳን፡ ካብ ዘመነ-ስልጣን 'ቲ ኣብ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ዝተዓልወ ጀነራል ዑመር ኣልበሽር ኣትሒዞም ምስ ሩስያ ጥቡቕ ዝምድና ጸኒሕዎም እዩ።
ኣልበሽር፡ ኣብ 2017 ኣብ 'ሲቺ ሪዞርት' ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ካብ "ተጻባኢ ተግባራት ኣሜሪካ" ክለላ ሩስያ ከም ዝደሊ ሓቲቱ ነይሩ።
ዋግነር
እዚ ኣዝዩ ሓደገኛን ምስጢራዊ ዝኾነ ጉጅለ፡ ኣብ 2014 ነቶም ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ኣብ ዝነበረ ግጭት ነቶም ክንጸሉ ዝደልዩ ሩስያውያን ጕጅለ ኣብ ዝድግፈሉ ዝነበረሉ እዋን’ዩ ንፈለማ ግዜ ተለልዩ።
ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ከኣ፡ ኣብ ሶርያ፡ ሞዛምቢክ፡ ሱዳን፡ ሊብያን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ኣብ ዝርከባ ሃገራት ይሳተፍ ኣሎ ተባሂሉ ይኽሰስ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







