ሩሲያ ቢትኮይን ንዕዳጋ ወጻኢ ክትጥቀመሉ ትሓስብ ኣላ

ቢትኮይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሩስያ ክፍሊት ናብ ሃገራት ወጸእ ንእትልእኾም ምህርታት ነዳድን ዘይትን ብቢትኮይን ክትቕበል መደብ ከም ዘለዋ ኣባል ባይቶ ሓጋጊ እታ ሃገር ተዛሪቡ።

ፓቬል ዛቫልኒይ፡ ምህርቲ ሃገሩ ዝዕድጋ "ፈተውቲ" ሃገራት ዝፍጽምኦ ክፍሊት ብክሪፕቶካረንሲ ወይ ብናይ ባዕለን መተዓዳደጊ ገንዘብ ንክኸፍላ ከተፍቅደለን ከም እትኽእል ሓቢሩ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን "ፈተውቲ ዘይኮና" ሃገራት ምህርቲ ነዳዲ ሩስያ ክገዝኣ እንከለዋ ብመተዓዳደጊ ገንዘብ ሩስያ [ሩብል] ንክኸፍላ ከም ዝደሊ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ ስጉምቲ፡ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ጥንካረ ልዕሊ 20 ሚኢታዊት ዋጋ ዝስኣነ ሩብል ክምልሶ ከም ዝኽእል ይግመት።

በዚ መሰረት ሩብል ዓብዪ ምልዕዓል ኣርእዩ ኣሎ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር ብምፍጻማ፡ ብሪጣኒያ፣ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ልዕሊኣ እገዳታት ኣንቢረን እየን።

እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ መተዓዳደጊ ገንዘብ እታ ሃገር ጽልዋ ስለ ዝፈጠረ ዝቕባበ ዋጋ ኣስዒቡ ኣሎ።

ይኹን'ምበር፡ ሩስያ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ተፈጥሮኣዊ ነዳዲ ብምቕራብ መሪሕ ኮይና ብነዳዲ ዘይቲ'ውን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ።

ኣካቢ ኮሚቴ ጸዓት ባይቶ ዱማ ፓቬል ዛቫልኒይ ሃገሩ ናብ ወጻኢ ንእትልእኾም ምህርታት ነዳድን ጋዝን ኣማራጺ ናይ ክፍሊት መገዲታት ትርኢ ምህላዋ ኣመልኪቱ።

ወሲኹ፡ ቻይናን ቱርክን ኣብቲ ልዕሊ ሩስያ ዝውሰድ ዘሎ "ጸቕጢ እገዳታት ዘይተሳተፋ ፈተውቲ" ሃገራት እየን ኢሉ።

"ንነዊሕ እዋናት ምስ ቻይና ኣብ እንገብሮ ልውውጥ ንግዲ ክልቲአና ሃገራት ብዘለና መተዓዳገዲ ገንዘብ ሩብልን ዩዋንን ክንገብሮ ኣማራጺ ከነቕርብ ጸኒሕና ኢና" ዝበለ ዛባልኒ "ምስ ቱርኪ ብሊራ ክንተዓዳደግ ኢና" ኢሉ።

እቲ ኣባል ባይቶ ወሲኹ "ብቢትኮይን'ውን ክንተዓዳደግ ንኽእል ኢና" ክብል ተዛሪቡ።

ተንተንቲ፡ እዚ ስጉምቲ ሳዕቤናት ክህልዎ ከም ዝኽእል ብምግላጽ ብፍሉጣት ክሪፕቶካረንሲ ክትተዓዳደግ እንተጀሚራ ግን ተጠቃሚት ክትኸውን ትኽእል እያ ይብሉ።

እንተኾነ፡ ዋጋ ቢትኮይን ዝቀያየር ስለ ዝኾነ ሓደጋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

ሃፋትም ሩስያ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝግበሩ ዘለው እነገዳታት ንምህዳም ክብሉ ክሪፕተሮካረንሲ ክጥቀሙ ይኽእሉ'ዮም ብዝብል፡ ፖለቲከኛታት ዩክሬን፣ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዕዳጋታት ክሪፕሮካረንሲ ንተጠቀምቲ ሩስያ ክእግዱ ክሓቱ ጸኒሖም'ዮም።

ይኹን'ምበር እዞም ሕቶታት ተቐባልነት ኣይረኸቡን።