ሃገራውነት፡ ሃገራት ዝፈጥርን ዘሐይልን ስነሓሳብ

ወተሃደራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓያል ሃገራዊ መንነት ንህላወ ሓይልን ሓድነትን ሓንቲ ሃገር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

Presentational grey line

ሓደ ለይቲ ታሕሳስ 1939 [ኣቈጻጽራ ኤውሮጳ]፡ ብኸምዚ ሕጂ ኣብ ዩክሬይን ዝኸውን ዘሎ ኵነታት ሕብረት ሶቭየት ንፊንላንድ ወሪራታ።

ዕጡቕ ጕጅለ ፊንላንድ ወሰናንስ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር ኣብ ዘሎ ዓቢይ ጫካ ታይጋ ይንቀሳቐስ ነይሩ።

እዚ ከባቢ ሕጂ ኣካል ሩስያ እዩ።

እቲ ከባቢ ካብ ወርሒ ሕዳር ክሳብ ሚያዚያ ሓያል ውርጪ ዘለዎ ኣዝዩ ቈራሪ ዝዀነ ቦታ እዩ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ዕጥቂ ሒዝካ ምንቅስቓስ ማዕረ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ንምግማት ኣየጸግምን።

ሽዑ፡ ወተሃደራት ፊንላንድ 160 ሽሕ ጥራይ'ዮም ነይሮም።

ሩስያ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ዝጋልቡዎም ኣፍራስን ዓጋዘንን ዝተኣማመኑ 460 ሽሕ ወተሃደራትን 2000 T2 ታንክታትን ዓጢቓ ነበረት።

እታ ንርእሳ ካብ ወራር ሶቭየት ትከላኸል ዝነበረት ፊንላንድ ግን ሓደ ዓብዪ ብልጫ ነይርዋ፣ ሓያል ሃገራዊ መንነት ዝነበሮ ህዝቢ።

ኣብቲ ሽዑ ግዜ ፊንላንድ፡ ቅድሚ 22 ዓመት ካብ ሩስያ ናጽነታ ዝረኸበት ሓዳስ ሃገር'ኳ እንተነበረት፡ ዜጋታታ ግን በታ ሓዳስ ሃገሮም ሕቡናት ነይሮም።

እቲ 'ኲናት ዊንተር' ወይ ኲናት ሓጋይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኲናት ምስ ተወልዐ ድማ ፊንላንዳውያን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ፍቕሪ ሃገሮም ኣሐይሎም ኣንጸር ጸላኢኦም ሓቢሮም።

ብዙሓት ብዛዕባ ሃገሮም ክዛረቡ እንከለው፡ ሃገር ኣቦ[ታት] ኢሎም ዝጽውዑዋ ኰይኖም ኣብ ግዴታን መስዋእትን የተኩሩ ነይሮም።

እዛ ሓዳስ ሃገር፡ ብ ሩስያ ምስ ተወረረት ህዝባ ንስለ ናጽነቱ ንክስዋእ ድልው ኰነ። እዚ ሓባራዊ ጥንካረ ድማ፡ "መንፈስ ኲናት ዊንተር" ኢሎም ይጽውዑዎ።

"ንሶም [ሶቭየታውያን] ሃገራዊ መንነት ፊንላንድ ኣንኢሶም እዮም ርእዮምዎ" ይብል ፕሮፌሰር ዘመናዊ ታሪኽ ብሪጣኒያ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ፖል ሪድማን።

ንሱ፡ ብርክት ዝበሉ ኣብ ሃገራዊ መንነት ዘድሃቡ መጽሓፍቲ ጽሒፉ እዩ።

ፊንላንዳውያን ብዛዕባ ታሪኾምን መሬቶምን ዓሚቝ ፍልጠት ዘለዎም ህዝቢ እዮም።

ካብኡ ሓሊፉ፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ካብ ግዜ ቁልዕነቶም ዝመሃርዎ፡ መብዛሕትኦም ክሳዕ ሕጂ ዝመልክዎ ክእለት ምንሽርታት ኣብ በረድ ነይርዎም።

እዚ ሓደ ኣብቲ ውግእ ካብ ዝጠቐሞም ክእለት ኮይኑ፡ ንቐዝሒ ዝኸውን ኣከዳድና'ውን ብዝግባእ ዝፈልጡ ስለ ዝነበሩ ካኪ ዩኒፎርም ኣይተኸደኑን።

ብተወሳኺ፡ እቲ ከባቢ ኣዝዩ ውሑድ ጽርጊያ ስለ ዝነበሮ እተን ታንክታት ብግቡእ ክጥቀሙለን ኣይክኣሉን።

ምስ ግዜ ድማ ፊንላንዳውያን ናብቲ "ሲሱ" ኢሎም ዝጽውዑዎ ባህላዊ ኣገባብ ምክልኻልን ምጥቃዕን ክቕይሩ ኣትዮም።

ኣብ ቀላይ ላዶጋ ዝነበሩ ወተሃደራት ሶቭየት ግን ብኣንጻሩ፡ ብሰንኪ እቲ ቀዝሒን ኣስሓይታን ተዳሂሎም መሬቶምን ህዝቦምን ንምክልኻል ድልየት ኣይነበሮምን።

ስለዚ፡ ወተሃደራት ፊንላንድ ንብረት ወተሃደራት ሶቭየት ብሓዊ ከቃጽልዎ እንከለው ዋላ ሓንቲ ኣይገበሩን።

ኒውዮርክ ታይምስ ከም ዝጸብጸቦ እንተዀይኑ ኣብ ክንዲ ጸረ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ወተሃደራት ሩስያ ኣእዳዎም ከማሙቝ ናብቲ ሓዊ ጐየዩ።

ድሕሪኡ፡ እቶም ዝተማረኹ ወተሃደራት ብሓይሊ ናብቲ ውግእ ንኽኣትው ብዘዝቶም ብድሕሪት እናተተኰሶም ከም ዝተሃረሙ ተዛሪቦም ነይሮም።

ኣብ በረድ ዝንሸራተቱ ወተሃደራት ፊንላንድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፊንላንድ፡ ዋላ'ውን 11 ሚእታዊት ክፋል መሬታ እንተዘይውሓሰትን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ምስ ናዚ ጀርመን ልፍንቲ እንተፈጠረትን፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ኣንጻር ወረርታ ተቓሊሳ መብዛሕትኡ መሬታ ክትሕዝ ክኢላ እያ።

ብኣንጻሩ፡ ዘመናዊት ብሪጣኒያ እንተርኢና ዕድመ ሰለስተ ክፍለ ዘመን ዘለዋ ሃገር እያ። ኣብ ዓለም ግን ዝተሓተ ፍቕሪ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር እያ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዕድመኦም ካብ 18 ክሳብ 24 ዓመት ዘለው 15 ሚእታዊት ጥራይ "ልዑል" ሃገራውነት ይስምዓና ከም ዝብሉ መንግስቲ ዘካየዶ ዳህሳስ የመልክት።

ካልእ ኣዘራራቢ ዝዀነ፡ 51 ሚእታዊት መናእሰይ፡ "ህይወት ኣብ ብሪጣኒያ" ["Life in the UK"] ዝብሃል ፈተና ወዲቘም'ዮም።

እዚ ፈተና፡ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ክብርታት፡ ባህሊ፡ ፖለቲካ፡ ታሪኽን ሕግን ብሪጣኒያ ዘለዎ ፍልጠት ንምምዛን ዝወሃብ ፈተና ኮይኑ፡ ዜግነት እታ ሃገር ንምርካብ ዝሓቱ ስደተኛታት'ውን እዚ ፈተና ክሓልፉ ግድን እዩ።

እዚ፡ ዜጋታት ብኸመይ'ዮም ሃገራዊ መንነት ዝረኽቡ? ስለ ምንታይከ ገለአን ሃገራት ሕሉፍ ፍቕሪ ሃገር ኣሎወን? እዚኦም ጥዕና ዘለዎም ስምዒታት'ዶስ ጐዳእቲ? ዝብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት የልዕል።

ረቂቕ ኣምር

ሃገራዊ መንነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ብባህሪ 'ተን ሃገራት ስለ ዝውሰን እዩ።

"እንተ ሓሲብካዮ እኮ ኵለን ሃገራት ሰብ-ሰርሖ ህንጸት'ዩ ዘለወን። ሰባት ምስታ ናተይ ዝብሉዋ ሃገር ዘለዎም ምትእስሳር ጥራይ'ዩ ደው ኢለን ክኸዳ ዝገብረን" ትብል ፕሮፌሰር ታሪኽን ፖሊሲን ዩኒቨርሲቲ ዌስትሚኒስተር ፒፓ ካቴርኦራል።

ወዲ ሰብ ከም ሃገራት ዝሰየመን ከባቢታት ኣብ ዝኾነ ሓደ ዓለምለኻዊ ኣመኽንዮ ዝተሞርኮሳ ኣይኰናን።

እኳ ደኣ ካብ ሓደ ባህላዊ ውርሻ ዝመጽኣን ውጽኢት ባህላዊ ህንጸትን ኰይነን ብሳላ ህዝበን ይቕጽላ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ማሕበረሰብ ዓለም ክህልዋ ኣለወን ኢሉ ስለ ዝተሰማምዐ ጥራይ ይህልዋ ወይ ይቕጽላ።

ከምቲ እስራኤላዊ ተመራማሪ ታሪኽ ዮቫል ሃራሪ፡ ብ2011 ኣብ ዝጽሓፎ መጽሓፍ 'ሳፒየንስ' ዘስፈሮ፡ ህዝቢ ብዛዕባ ሃገር ዘለዎ ኣረኣእያ እንተተቐይሩ ወይ ንርእሱ እንተጠፊኡ - ንኣብነት ብሰንኪ ኲናት፡ ጥምየትን ስደትን - እታ ሃገረይ ኢሉ ዝጽውዓ'ውን ትጠፍእ ይብል።

"ስለዚ ካብቲ ፊዚካላዊ ህላወ ብዝተፈለየ መልክዕ ይቕጽላ፤ ንኣብነት ብጸርጊ [ራዲዮኣክቲቪቲ]። ከምኡ ኮይነን'ውን ኣብ ዓለም ኣዝዩ ገዚፍ ጽልዋ ኣለወን" ክብል ጽሒፉ።

ልክዕ ከም ሃገራት፡ ኣገደስቲ ፍጻሜታት ታሪኽ ብኸምዚ መገዲ እዮም ዝፍጠሩ ይብል፤ ንኣብነት ሕግን ገንዘብን።

ስልጣነ ሰባት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ማእለያ ዘይብሎም ሃገራትን ንግስነታትን መጺኦምን ከይዶምን እዮም።

እዚ ብሰንኪ ሰባት ኣብኦም ዝነበሮም እምነት ደው ስለ ዘለበለ እዩ ብምባል እቶም ምሁራት ይዛረቡ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ካብ ሪፐብሊክ ሮማ ክሳብ ግብጺ፡ ሃገራት ፓፓል፡ ፐርሺያን ምብራቕ ጀርመንን ዝነበሩ ስልጣነታትን ንግስነታትን ፈሪሶም'ዮም።

ኣብ ማእከላይ ዓለም ፍሉጥ ዝነበረ ሃብትን ኣብ ዓለም ኣዝዩ ሃብታም ዝተባህለ ሰብን ዝፈጠረ ንግስነት ማሊ'ውን ፈሪሱ።

ሃገራዊ መንነት ዝጸንዕ፡ ህዝቢ ናተይነት ክስምዖ እንከሎን ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓቱ እምነት እንተሃልይዎን እዩ፤ እዚ ኸኣ እዩ ቀጻልነት ክህለዎ ዝገብር።

ኣብዚ ግዜ፡ ሰባት ኣካል እቲ ዘለውሉ ሕብረተሰብ ወይ ሃገር ምዃኖም ሓበን ዝስምዖን ዝኾርዑሉን ክኸውን እንከሎ፡ ፍቕሪ ሃገር [ሓርበኝነት] የምጽእ።

"ስርዓታት፡ ግዝኣት ይዅን ካልእ ንምቍጽጻር ወይ ንምብሓት ስለ ዘኽእሎም፡ ዝዀነ መግለጺ ዘለዎ መንነት ክፈጥሩ ምኽኣሎም ጽቡቕ ነገር እዩ" ትብል ፕሮፌሰር ፒፓ ካቴርኦል።

መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት፡ ንሓደ መንግስቲ ብኸም ባይቶ ዝበሉ ትካላት ከም ዝሓስብዎ እውን ትገልጽ።

እንተዀነ ሃገራዊ መንነት፡ ብዘይድህሰስ መገዲ ሓደ ፖለቲካዊ ስርዓት ሕጋውነት ከልብሶ ከም ዝኽእል ተረድእ።

ብሄራውነት/ ብሄርተኝነት ካብዚ ሓደ ስጕሚ ንቕድሚት ዝኸደ እዩ።

ኣብዚ፡ ሓደ ሰብ ናይ ትውልዲ ግዝኣተይ ዝብሎ ሓሳብ ይመርጽ'ሞ ብቐጥታ እዚ ኣተሓሳስባ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ኣካል ዝድገፍ ክኸውን ይገብር።

እዚ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝብላ ዓሚቝ እምነት ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብዚ ብዝነቅል ሃብቲ ንምርካብ ንኻልእ ቦታ ናይ ምውራር ዝበሉ ስጕምታት ክወስድ ይኽእል።

ናይ ሓባር ጸላኢ

ግዳማዊ ጸላኢ ክህልወካ እንከሎ ዝሓሸ ስምዒት ዋንነት ክህልወካ ይገብር።

ፕሮፌሰር ሬድማን፡ "ብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽ ሃገራዊ መንነት ብሪጣኒያ ኣብ እዋን ኲናት ብፍላይ ከኣ ምስ ፈረንሳ ኣብ ዘካየደቶ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ኲናት ከም ዝተመስረተ'ዮም ዝምጕቱ። እዚ ኸኣ ኢንግሊዝ - ስኮትላንድ፡ ዌልስን ኣየርላንድን - ኣንጻር ሓባራዊ ጸላኢ ብሓባር ደው ክብላ ገይሩ" ይብል።

ካብ 1792 - 1815 ኣብ መንጐ ፈረንሳን መላፍንቲ ካልኦት ሓይልታት ኤውሮጳን ንኢንግሊዝ ዝተኻየዱ ሰውራ'ውን ናፖሊዮናውን ኲናታት ይጥቀሱ።

ብሪጣኒያ፡ መብዛሕትኡ ፕሮቴስታንት ፈረንሳ ድማ ዝበዝሕ ካቶሊክ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣብ መጐአን ዝነበረ ጽልኢ ክሳብ 18ን 19ን ክፍለ ዘመን ቀጺሉ።

ኣብ ፊንላንድ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተኣወጀ ኲናት ሓጋይ፡ ህዝቢ እታ ሃገር ብሄርተኛ እዩ ነይሩ።

እታ ሃገር ግን ኣብ መንጐ ንዴሳዊት ፊንላንድ ዝድግፉን ንዕኦም ዝቃወሙ ጸዓዱ ፊንላንዳውያን ዝተመቐለት'ያ ነይራ።

እዚኦም፡ ድሕሪ ናጽነት እታ ሃገር ኣብ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ፡ ንሓድሕዶም ተዋጊኦም'ዮም፤ እዚ ክሳብ ሕጂ በሰላ ኣይሓወየን።

ሶቭየት ትንክታት ሒዛ ምስ መጽአት ግን ክልቲኦም ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝነበሮም ፖለቲካዊ ሓይልታት ንሓደ ዕላማ ኣብ መስመር ዓሲሎም።

ክሳብ ሕጂ ድማ ኲናት ሓጋይ ከም ሓደ ማእከል ሓይሊ ህላወ እታ ሃገር ተገይሩ ይውሰድ።

እዚ ስምዒት ሓድነት፡ ኣብ 1991 ድሕሪ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ኣብ ዝተመስረተት ዩክረይን'ውን ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ተራእዩ'ዩ።

እዛ ሃገር፡ ካብ ክረምሊን ዝነቅል ስግኣት እናወሰኸ ብምምጽኡ ቀስ ብቐስ ንነብሳ ካብ ጕርብትና ሩስያ እናርሓቐት ዝምድናኣ ዝያዳ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ከተደልድል ጸኒሓ።

በዚ ምኽንያት፡ "ሩስያውያን ኣብ ዩክረይን ቅልጡፍ ሃገራዊ መንነት ንኽፍጠር ገይሮም'ዮም፡" ትብል ፕሮፌሰር ካቴርኦል።

ፕሮፌሰር ሮድማን ብወገኑ፡ "እዚ ሓደ ካብ ባእታታት ሃገራዊ መንነት እዩ። ውግእ እዋናዊ ርእሲ ስለ ዝዀነ፡ ንርእስኻ ብመንጽር እቲ ዘይዀንካዮ መን ምዃንካ ንኽትርዳእ ዝሕግዝ እመስለኒ፡" ይብል።

ይዅን'ምበር፡ ቀልጢፍካ ሃገራዊ መንነት ንኽትሃንጽ ዘኽእሉ ካልኦት ብዙሓት መገዲታት ኣለው።

ፕሮፌሰር ካቴርኦል ኣብነት ማእከላይ ምብራቕ ተቕርብ።

ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን፡ እቲ ዞባ ኣብ ምውዳቕ ዝነበረ ንግስነት ኦቶማን [ቱርክ] ተቘጻጺርዎ ነይሩ።

ኣብ 1916 ግን፡ እቲ ንግስነት ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምውዳቝ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት፡ ክልተ ዲፕሎማት፡ ሓደ ካብ ብሪጣኒያ ሓደ ድማ ካብ ፈረንሳ ተራኺቦም ምስጢራዊ ስምምዕ ገይሮም።

እዚ፡ ክልቲአን ሃገራት እቲ ዝተረፈ ከባቢ ከመይ ክማቐላኦ ከም ዘለወን ዝነግር ስምምዕ እዩ።

እዚ፡ ስምምዕ ስካይስ-ፒኮት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት፡ ሊባኖስ፡ ፍልስጤም፡ ሶርያ፡ ዒራቕ፡ ዮርዳኖስን ስዑዲ ዓረብን ዝርከባአን ብዙሓት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ክፍጠራ ክኢለን።

ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ እውን ብሰንኪ ናዕቢ ዶባተን ዳግም ክጥረር ገይረን።

ኣብ መብዛሕትአን ድሕሪ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተፈጥራ ሃገራት ዝነበረ ኢድ ኣእታውነት እንግሊዝን ፈረንሳን ነቶም ኣብ ቋንቋ፡ ዓሌትን ሃይማኖትን ዝነበሩ ኣፈላላያት ንጐድኒ ኣጽኒሕካ ኣብቲ ሽዑ እዋን ንኤውሮጳ ብዘርብሕ ፖለቲካዊ ኩነታት እየን ተፈጢረን።

እዚ ኣብ ሰፊሕ ክፋል ኣፍሪቃ ዝተደግመ ኰይኑ፡ ባዕዳውያን ገዛእቲ ቅድሚኡ ኣብ ዘይነበሩ ቦታታት ኣብ ካርታ ዶባት ብምጥራር ብዙሓት ሃገራት ፈጢሮም።

እዚ ኸኣ ክሳብ ሕጂ ጸገም ይፈጥር ኣሎ።

"ኵሎም እዞም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብኤውሮጳውያን ዝተሓንጸጹ መስመራት ብገለ ኽፋል ኣብ ኣፍሪቃ'ውን ኣለው። ስለዚ እዘን ሃገራት ብመግዛእቲ ብዝተፈጥሩ ዶባት እናተሸገራ፡ ከመይ ኣቢልካ እዩ ኣብዘን ሃገራት 'ሓደ ዓይነት ህዝቢ ኣሎ' ምባል ዝክኣል?" ትብል ካቴርኦል።

ነዚ ዝኸውን መልሲ፡ ሃገራዊ መንነት ብቐሊሉ ክትፈጥሮ ዝክኣል ስለ ዝዀነ ዝብል እዩ።

ኣብዚ እቶም ብልምዲ ዝምዕብሉ "ምሁዝ ልምድታት" ካብ ሕሉፍ ወለዶ ክውረሱ ዝኽእሉ ምዃኖም እቶም ምሁራት ይገልጹ።

ነዚ ብኣብነት ከብርሁ እንከለው፡ "ከም ምኽባር ህዝባዊ በዓላት ወይ ባንዴራ ትሕት ኣቢልካ ምስቃል ዝኣመሰሉ ልምድታት ኣለው። እዚኦም ሃገር ዝብሃል ፖለቲካዊ ስርዓት ከመይ ክትፈሊ ከም ዘለካ ዝውስኑ ልሂቃን ዝፈጥርዎም ነገራት እዮም" ክትብል ካርቴኦል ተብርህ።

እቶም ልምድታት ግን ካብዚ ንላዕሊ ዝኸዱ፡ መሰረታዊ ሃገራዊ ባህሪ ወይ ልምዲ ኣመጋግባ ክቕይሩ ይኽእሉ'ዮም።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝካየድ ውድድር ግመል፣ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝካየድ ሃድን ሽላ ኣብነታት ናይዚ ብልምዲ ዝምዕብሉ ባህልታት እዮም።

ኣብ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ናይ ግመል ውድድት ፍሉጥ "ባህላዊ ስፖርት" ኮይኑ እቲ ዝዓበየ ሽልማት 2.2 ሚሊየን ዶላር ክበጽሕ ይኽእል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ናይ ግመል ውድድት ፍሉጥ "ባህላዊ ስፖርት" ኮይኑ እቲ ዝዓበየ ሽልማት 2.2 ሚሊየን ዶላር ክበጽሕ ይኽእል

ብዙሓት ድሕሪ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ዝተፈጥራ ሃገራት'ውን ተመሳሳሊ መገዲ እየን ተጠቒመን።

ልክዕ ከም ዩክረይንን ካልኦት 13 ድሕሪ 1991 ዝተፈጥራ ሃገራትን ክጅመር እንከሎ ኣብዚ እቶ ዝብሃል ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣይነበረንን።

እኳ ደኣ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ሶቭየት ንኽጸንሕ ድምጹ ሂቡ ነይሩ። ድሕሪኡ እተን ሃገራት ናይ ባዕለን ሃገራዊ መንነት ዝብላኦ ክፈጥራ ጀሚረን።

ታሪኻዊ ቀጻልነተን ንምርግጋጽ ድማ ምልስ ኢለን፡ ኣብ ሕሉፍ ናብ ዝነበሩወን ታሪኻዊ ጀጋኑአን ከምኡ'ውን ባህላዊ መድሃኒታተንን ካልእን ከልዕላን ንህንጸት ሃገራዊ መንነት ክጥቀማሉን ተራእየን።

ቀጻሊ ውግእ

ኣብ ካልእ መዳያት፡ ካብ ኣፈጣጥራአን ጀሚሩ ኣቐዲሙ ዝተሃንጸ ሓያል ሓሳብ ሃገራዊ መንነት ዝጸንሐን ሓደስቲ ሃገራት ክህልዋ ይኽእላ'የን።

ብፍላይ እተን ንናጽነተን ዝተቓለሳ ሃገራት ብዛዕባ መንነተን ሓያል ህንጸታዊ ሓሳባት ኣለወን።

ይዅን'ምበር እዚ ንርእሱ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ንኣብነት፡ ኮሶቮ ካብ ሰርቢያ ብ2008 ናጽነታ ኣዊጃ። ይዅን'ምበር እዚ ናጽነታ ሰርቢያ ይኵን ሩስያ ኣይተቐበላኦን።

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ እታ ብብዝሒ ኣልባናውያን ዘለዋ ሃገር ኮሶቫዊ ምዃን እንታይ ማለት እዩ ዝብል ሓሳብ ንምስራጽ ብዙሕ ትደክም ኣላ። ምስቶም ውሑድ ቍጽሪ ዘለዎም ናይ ባዕሎም ቋንቋን ብሄር ዘለዎም ሰርቢያውያን ምውህሃድ ወይ ምትዕራቕ ከኣ ኣጸጊሙዋ ኣሎ።

ሰብ ሞያ ማእከል መጽናዕቲ ፒው ካብ ጃፓን፡ ሃንጋሪን ግሪኽን ካብ ዘዘራረብዎም ሰባት እቶም ፍርቂ ኣብቲ ዘለውሉ ሃገር ምውላዶም ጥራይ፡ "ካብ መንጐ እቲ ዘለውሉ ህዝቢ ሓደ ንምዃን" ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ፡ መብዛሕትኦም ካብ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ኤውሮጳን ጃፓንን ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት ሓደ ዓይነት ቋንቋ ክትዛረብ ምኽኣል ሓደ ሃገር ንምዃን ኣገዳሲ ባእታ'ዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ተዛሪቦም።

ብኻልእ ወገን፡ ምዕራብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ቀስ ብቀስ ኣብ ዙርያ ሓደ ዓይነት ሃይማኖት ወይ ትውልዲ ቦታ ዝብል ዝነበሮም ስግኣት እናነከየ፡ ንስደተኛታት ዘለዎም ኣረኣእያ እናተቐየረን ሓቛፊ ኣረኣእያ እናማዕበሉን ከም ዝመጽኡ እቲ ማእከል መጽናዕቲ ዘካየዶ ዳህሳስ የመልክት።

እቶም ካብ ኣመሪካ፡ ብሪጣኒያ፡ ጀርመንን ፈረንሳን ዝዀኑ ድማ፡ ሒዞምዎ ዝመጽኡ መሰረታዊ ሃገራዊ መንነት ዝገልጽ ባህልን ኣነባብራን ንምልዋጥ ክፉት እንተዝኸውን ነይሩ፡ እተን ሃገራት ካብቲ ሕጂ ዘለዋኦ ዝሓሻ ክዀና ከም ዝኽእላ ይዛረቡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብምኽንያት ስደት፡ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ፖለቲካ፡ ሃይማኖትን ታሪኽን ሃገራት ባህሪያተን ይቕየር ብምህላው ሰባት ንባህሪያት ሃገሮም ዝነበሮም ኣራረእያ'ውን ይቕየር እዩ ዘሎ።

"ንዓይ ከም ዝመስለኒ ስፖርት ኣባል ሓደ ሕብረተሰብ ምዃንካ እትርእየሉ ኣገዳሲ መገዲ እዩ። ረኺብካዮም ምስ ዘይትፈልጥ ሰባት'ዩ ዘራኽበካ፡" ዝብል ፕሮፌሰር ዘመናዊ ታሪኽ ብሪጣኒያ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን፡ ፖል ሪድማን መዓልታዊ ተራ ሃገራውነት [banal nationalism] ከም ባንዴራ ምንብልባል ዝኣመሰሉ ዝንባለታት ክዓብዩ ከም ዝገብር ይዛረብ።

ሃገራዊ መንነት ሓንቲ ሃገር ብዝተፈላለዩ መገዲታት ክርአ ከም ዝክኣል እትገልጽ ፕሮፌሰር ታሪኽን ፖሊሲን ዩኒቨርሲቲ ዌስትሚኒስተር ፒፓ ካቴራል ብወገና፡ ንኣብነት "ፊንላንዳውያን ወትሩ ብዛዕባ ኣገዳስነት መልክዓ-ምድሪ እዮም ዝጽሕፉ። ኣብ ኣመሪካ መልክዓ ምድሪ ኣርማ ሃገራዊ መንነት ገይርካ ክውሰድ ኣይክእልን" ትብል።

ስለዚ፡ እዚ ዅሉ ንዩክረይን እንታይ ማለት እዩ? ህዝቢ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘለዎ እምነት ቀጻልነት ሓንቲ ሃገር ዝውስን እንተዀይኑ፡ ዕጫ ዩክረይን ኣብ ቀጻሊ ውሑስ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ።

"ካብ ታሕቲ ንላዕሊ እንተርኢና፡ ሃገራዊ መንነት ኣብ ከም ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ቋንቋ ዝኣመሰሉ ባእታታት ዝተሃነጸ እዩ። ነዚ ብምርኣይ ዩክረይን ጸገም እያ። ምኽንያቱ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ ኣለው፤ ኣብ ምዕራብ ድማ ቋንቋ ዩክረይን ዝዛረቡ ኣለው። ኣዝዩ ኣጸጋሚ ታሪኽ እዩ ዘሎ። ህዝብታት ምዕራባዊ ሸነኽ፡ ብልምዲ ምስ ፖላንድን ልትዌንያን ዝተኣሳሰሩ ኮይኖም ሰዓብቲ ካቶሊክ እዮም፣ እቶም ደቂ ምብራቕ ድማ ኦርቶዶክስ" ክትብል ተረድእ።

ኣብ ወረቐት፡ ዩክረይን ጥርንፍቲ ዘይክትመስል ትኽእል እያ እትብል ካቴርኦል፡ እዚ ማለት ግን ኣይኮነትን ማለት'ውን ኣይኮነን ኢላ።

ብልክዕ እቲ ኣብ 1930ን 1940ታትን ኣብ ፊንላንድ ዘጋጠመ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብዝጸንሓ ኣጠምማታ ቀጻሊ ስግኣት ፈጢራ እያ።

በዚ ምኽንያት ዩክሬናውያን ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ሓርበኛታትን ጥርኑፋትን ክዀኑ ይኽእሉ'ዮም።

"ዓበይቲ ጠመንጃታት ናብ ግንባርካ ብዘነጻጽሩ ሰባት እንተ ተወሪርካ፡ ምስኦም ሓደ ዓይነት ቋንቋ ምዝራብካ ኣገዳሲ ኣይኰነን" ትብል።