ማውሪታንያ፡ ኣብ ዓለም ድሕሪ ኩለን ሃገራት ባርነት ዝኣገደት ሃገር

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሎምቅነ፡ ልዕሊ 1000 ኣንጻር ባርነት ዝነጥፉ ተሓለቕቲ ኣብ ምዕራባዊት ሃገረ ማውሪታንያ ዋዕላ የካይዱ ኣለዉ።
ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ምዕብልቲ ተባሂላ እትግለጽ ዓለም፡ ኣስታት 40 ሚልዮን ሰባት ኣብ ዘመናዊ ጊልያነት ተቖሪኖም ከምዘለዉ ይግመት።
ሓደ ካብ ኣርባዕተ ናይዞም ግዳያት ቆልዑ ኮይኖም፡ ዳርጋ ሰለስተ-ርብዒ (71 ሚእታዊት) ድማ ደቂ-ኣንስትዮን ንኣሽቱ ኣዋልድን እየን።
ስለዚ ድማ'ዮም እዞም ትጉሃት ተጣበቕቲን ጎስጎስትን እዚ ሕሱም ባርነት ከብቅዕን ግዳያቱ ሓራ ክወጹን ኣብ ርእሰከተማ ናውክቾት ሰፊሕ ዋዕላ ዘካይዱ ዘለዉ።ምስዚ ብዝተኣሳሰር ኣቓልቦ ስሒቡ ዘሎ ግን እቲ ጉዳይ ኣገዳሲ ዛዕባ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቦታ ኣኼባ'ውን እዩ።
ማውሪታንያ፡ ሓንቲ ካብተን ጥንታውን ዘመናውን ባርነት ዝራኣየላ ሃገር ምዃና ጸብጻባት ይገልጹ።
ብወግዒ'ውን፡ ባርነት ኣብታ ሃገር ኣብ 1981 እዩ ተኣጊዱ። በዚ ድማ ኣብ ዓለም ጊልያነት ዝኣገደት ናይ መወዳእታ ሃገር ተባሂላ ትጥቀስ።
ይኹን እምበር፡ ባርነት ኣብ ሕብረተሰብ ማውሪታንያ ሱር ዝሰደደ ብምንባሩ፡ ጊልያነት ክሳብ ሕጂ ኣየብቅዐን፡ እኹል ድፊኢት ዝገብረሉ ኣይረኸበን።
ብሰንኩ ድማ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን ተወለድቲ ብሄረ 'ሓራቲን' ምስ ጊልያነት ኣብ ዝዳረግ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ስድራቤታት ዓረብ-በርበር ተቖሪነን ይነብራ።
እቲ ጉዳይ ብዓይኒ ፖለቲካ ይኹን ሕብረተሰብ ኣዝዩ ተነቃፊ ስለ ዝኾነ ብቐሊሉ ዘይልዓል ኣርእስቲ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።
ኣብ ዘመነ ስልጣን ዝሓለፉ መንግስታት እታ ሃገር፡ ኣንጻር ባርነት ዝጉስጉሱ ተሓለቕቲ ዝያዳ ናይቶም ወነንቲ ባሮት ይእሰሩ ነይሮም።
ቅድሚ ሕጂ ተሰሚዑ ብዘይፈልጥ ግን፡ ኮሚሽነር ሰባዊ መሰላት ማውሪታንያ ንተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሰብመዚ እታ ሃገር ነቲ ልምዲ ንምውጋድ ቀዋሚ ቀዳምነት ገይሮም ይሰርሕሉ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ።
ሼክ ኣሕመዱ ኦለድ ሲዲ ከም ዝበሎ፡ መንግስቲ ባርነትን ኣድልዎን ንምጥፋእ ቆሪጹ ተላዒሉ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







