ንግዲ ባርነት ስደተኛታት ኣብ ሊቢያ ዘርኢ ምስሊ ተዘርጊሑ

ትካል ስደተኛታት ዓለም ኣብ ሊቢያ ብዛዕባ ዘሎ ንግዲ ባርያ መረዳእታት ኣኪቡ፤ 23 መጋቢት 2017

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ትካል ስደተኛታት ዓለም ኣብ ሊቢያ ብዛዕባ ዘሎ ንግዲ ባርያ መረዳእታት ኣኪቡ።

ስደተኛታት ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሊቢያ፡ ብንግዲ ጊላነት (ባርነት) ይሽየጡ ከምዘለዉ ዘርኢ ቪድዮ ምስተራእየ ሕብረት ኣፍሪቃ ቁጠዕኡ ገሊፁ።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ ስደተኛታት ደቂ ተባዕትዮ መናእሰይ ኣብ ሕርሻ ንክሽቅሉ ብጨረታ ክሽየጡ ዘርኢ ቪድዮ ብማዕከን ዜና CNN (ሲኤን ኤን) ተራእዩ።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕዚደንት ጊኒ ኣልፋ ኮንዴ፡ ነዚ ኣብ ካልእ ዘመን ተራእዩ ዘይፈልጥ "ሕሱም" ንግዲ ጊላነት (ባርነት) ክሲ ንክምስረት ፀዊዖም።

ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ናብ ሊቢያ ዝመጽኡ ስደተኛታት፡ ብውሑድ ገንዘብ ወይ ድማ ብዘይክፍሊት ንክሰርሑ ይግደዱ።

እዚ ብማዕኸን ዜና CNN (ሲኤን ኤን) ዝተመሓላለፈ ቪድዮ፡ መናእሰይ ስደተኛታት ኒጀርን ካልኦት ስደተኛታት ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃን፡ ናብ ዘይፍለጡ ከባቢታት ሊቢያ ብንግዲ ባርነት ብ400 ዶላር ተሸይጦም።

"እዚ ዘመናዊ ንግዲ ባርነት ከብቅዕ ይግባእ፤ ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ንምውጋድ ነዞም መረዳእታት ክጥቀመሎም እዩ" ክብሊ ገሊፆም ፕረዚደንት ኮንዴ።

ሊቢያ ኣብዚ ጉዳይ ምርመራታት ከምዝጀመረት ድማ ማዕከን ዜና CNN (ሲኤን ኤን) ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሓቢሩ።

ስደተኛታት፡ ኣብ ባህሪ ቤድትራንያን ንዝጠሓሉ ስደተኛታት ኣብ ጀልባ ኮይኖም ብምጉታት ከድሕኑ እንትፍትኑ፡ 4 ጥቅምቲ, 2016.

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, በቢዓመቱ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ባሕሪ ሜዲትራንያን ኣቋሪፆም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ይፍትኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ትካል ስደተኛታት ዓለም (IOM)፡ ኣብ ሊቢያ ንግዲ ባርነት ከምዘሎ ዘረጋግፁ መረዳእታት ከምዝኣከበ ምግላፁ ይዝከር።

ሓላፊ ልኡኽ ትካል ስደተኛታት ዓለም ኣብ ሊቢያ ኦትማን ቤልቢሲ፡ ኣብቲ እዋን ስደተኛታት ብመሰረት ክእለቶም ይኽፈሉ ምንባሮም ንቢቢሲ ገሊጾም።

"ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እንትውዕሉ ገንዘብ የብሎምን፡ ስድርኦም እውን ገንዘብ ከፊሎም ከውፅእዎም ኣይኽእሉን፤ ስለዝኾነ ድማ ብትሑት ዋጋ ብንግዲ ባርነት ይሽየጡ" ኢሎም።

"ዝኽፈሎም ዓስቢ ከከም ሞይኦም እዩ ዝፈላለ። ንኣብነት እንተድኣ ቀለም ዝቐብኡ ወይ ድማ ዝስእሉ ኮይኖም ዝኽፈሎም ክፍሊት እውን ብኡ መጠን ይውስኽ።"