ኣመሪካ፡ ናይ መወዳእታ ብሂወት ዝጸንሐት ብጊልያነት ዝተወስደት ኣፍሪቃዊት

ጊልያነት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እታ ናእ መወዳእታ ብሂወት ዝጸንሐትን፡ ምስተን ዳሕረዎት ብጊልያነት ኣትላንቲካዊ ወቅያኖስ ዝሰገራ መራኽብ ናብ ኣሜሪካ ብ1860 ዝመጸት ኣፍሪቃዊት፡ ብተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኒውካስል መንነታ ተረጋጊጹ ተባሂሉ።

ሳለይ ስሚዝ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብነጋዶ ጊልያታት ዝተጨውየት ኮይና ክሳብ 1937 ኣብ ክፍለሃገር ኣላባማ ኣብቲ ጊልያ ኮይና ትሰርሓሉ ዘነበረት ሕርሻ ትነብር ነይራ።

እቲ ኣቐዲሙ ንመወዳእታ ከም ጊልያ ዝተወስደ ሰብ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ሰብ ኣብ 1935 ኢዩ ሞይቱ።

ውጽኢት ምርምር ዶከተር ሃና ዱርኪን ኣብ ብዛዕባ ጊልያነት ዝጽሕፍ ጆርናል ተሓቲሙ ኣብ ዝወጻሉ፡ "እዚ ፍጻሚ ምስ ህልዉ ዝኽሪ ቀረባ ምዃኑ ኣዝዩ ዘሰንብድ'ዩ" ክትብል ተዛሪባ።

እታ ኣብ ኣሜሪካ ሳለይ ስሚዝ ዝተባህለታ ኣፍሪቃዊት መቦቆላዊ ስማ ረዶሺ ኮይኑ ብነጋዶ ጊልያነት ኣብ 1860 ካብ ሓንቲ ቁሸት (ናይ ሕጂ በኒን) እያ ተጨውያ።

ብሓንቲ ካብተን ዳሕሮዎት መራኽብ ጊልያነት ምስ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ሰብኡትን ኣንስትን ቖልዑን ናብ ኣሜሪካ ዝገዓዘት ረዶሺ፡ ጓል 12 ዓመት ምንባራ ዱርኪን ትኣምን።

ኣብ ኣሜሪካ ብሓደ ወዲ ኣላባማ ሰራሕተኛ ባንኪ ተገዚኣ ኣብ ሕርሽኡ ትሰርሕ ነይራ፡ ናይ ኣቦሓጎታቱ ስም ድማ ተዋሂብዋ።

ዋላ እኳ ናብ ኣሜሪካ ድሕሪ ምእታዋ ድሕሪ ሐሙሸተ ዓመታት ጊልያነት እንተ ተወገደ፡ ንሳን እቲ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተዘረፈ ስብኣያን ጓላን ግን ንልዕሊ 70 ዓመት ኣብቲ ዘነበርዎ ሕርሻ ኢዮም ነይሮም።

ብመሰረት መግለጺ ዱርኪን፡ ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ተመራመርቲ ታሪኽን ተጣበቕቲ መሰል ሰባት ንታሪኽን ተመክሮን ኣፍሪቃውያን ጊልያታት ንምስናድ ኣብ ዝወሰድዎ ተበግሶ ዛንታ ረዶሺ ተመዝጊቡ ተረኺቡ'ዩ።

እዝን ካልእ ናይ ቆጸራ ህዝቢ ሰነዳትን ብምስምማዕ፡ ረዶሺ 89 ወይ 90 ኮይና ዕለት ሞታ ክሳብ ዝበጽሕ ኣብ ሰልማ፡ ኣላማባ ትቕመጥ ምንባራ ዱርኪን ተረድእ።

ገለ ካብቶም ጊልያታት ድሒሮም ዝተወልዱ ጊልያታት ይርከቡ ይኾኑ፡ ካብቶም ካብ ኣፍሪቃ ዝተዘረፉ ግና ድሕሪ ረዲሺ ብህይወት ዝተረፈ የለን።

ረደሺ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ጊልያነት ብስቓይ ዝነበረት ዋላ እኳ እንተነበረት ኢዳ ትህብ ሰብ ከም ዘይነበረት ገለ መረዳእታ ተረኺቡ ኢዩ። ኣፍሪቃዊ መንነታን ባህላን ንምዕቓብ ንጓላ እቲ መቦቆላዊ ቛንቛኣ ከም ዘውረሰታ እቲ መጽናዕቲ ይገልጽ።