ምኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ክምለስ'ዩ ይብል

እቲ ተበጊሱ ዘሎ መስርሕ ሰላም ሽቶኡ ክሃርም ምስ ዚጅምር "ናይ ፓሊሲ ለውጢ ክህሉ ናይ ግድን'ዩ" ክብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ይኹን እምበር ንዝበዝሐ ሕቶታት ብስሑው መልሲ ስለዝሰገሮም ደጊምካ ምርኣዮምን፡ ርእይቶ ምሁራት ምስማዕ ኣገዳሲ ኮይኑ'ሎ።
ኣብ ብዙሓት ኵርንዓት ክትዓት ሃገራዊ ኣገልግሎት ሕመረት ናይ'ቶም ዝለዓሉ ዘሎዉ ዛዕባታት ኰይኖም ይርከቡ።
ኤርትራ ካብቲ ሓዲግ ኵነታታ፡ ኣብ እንዳኣ ተንጠልጢሉ ዘሎ ኩነተ ኩናት ሓራ ምስ እትወጽእ፡ ካብቲ ከንጸላልዋ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ማሕበራዊ ጸገማት ብሓቂ ክትናገፍ'ያ ማለት ድዩ?
እቶም ብሰበብ እቲ ዘይተሓንጸጸ ዶብ ዝተኣታተዉ ምስምሳት ዘላቒ ፍታሕ ክረኽቡ ማለት ድዩ? ወይስ ካልእ ዘይተፈልጡ ነገራት ክቀላቐሉ እዮም?
ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ናይ ሓቂ ምስሊ ድዩ ዚስእል ዘሎ ወይስ ንህዝባዊ ርክባት እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ?
ብሓጺሩ፡ እቲ ዝንበብ ዘሎ ስእሊ ከምዚ ይመስል - ዶብ ይሕንጸጽ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ይዓስል፣ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዓቐን ይህልዎ፣ ኤርትራ ኸኣ ናብ ንቡር ትምለስ።
እቲ ንባብ ልክዕ ድዩ ወይስ እቲ ዝንበብ ሓፈሻዊ ስእሊ ስለዝኾነ ካልእ ንባብ እውን ኣሎ?
እስከ ንየማነ ገብረመቀል ሰጊርና ንኻልእ ሰብ ንወከስ
ነዞም ዝተላዕሉ ዛዕባታት መጽናዕታዊ መልሲ ንክህበሎም ንፕሮፈሶር ጋይም ክብረኣብ ኣዛራሪብናዮ። ፕሮፈሶር ጋይም ብጕዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት እቲ ዝዓሞቘን ዝነውሐን መጽናዕቲ ዘካየድ ምሁር'ዩ።
ስንብራት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ማሕበረ-ሰባዊ መዋቕር ኤርትራ ከመይ ይመስል ንዚብል ሕቶ ብብዙሕ መኣዝነ - መጽናዕተ መሊሱዎ'ዩ።
እታ ናይ መጠረሸታ መጽሓፉ ድማ ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት'ያ - "ጊልያነት ንናይ ሓባር ጥቕምን ጻኦት መናእሰይን" ኢሉ ሰምዪዋ።
እታ መጽሓፍ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ ከመይ ኢሉ ከም ዝፈለመ፡ 'ፍልስፍናዊ መሰረቱ' ከመይ ይመስል፡ ብኸመይ ኣብ ኤርትራ ኣብ ግብሪ ወዓለ፡ ብኸመይከ ናብ ገደብ ዘይብሉ ግዜ ተናውሐ ... ከምኡ'ውን ካልኦት ዛዕባታት ትሽፍን'ያ።

ምንጪ ስእሊ, GAIM
ቢቢሲ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንነዊሕ እዋን ንመንግስቲ ኤርትራ ሕሱር ጕልበት፡ እቶት ዝርከቦ ጊልያነት ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ ዚብሉ ምርምራትን፡ ዓበይቲ ኣህጕራውያን ማሕበራት ዘውጽእዎም ጸብጻባትን ኣሎዉ።
በቲ ካልእ ሸነኹ ክርአ ኸሎ ድማ ኵርዅሮ-ኣኪለስ መንግስቲ (Achilles heel) (ሰራም ድኽመት) ዀይኑ ጸኒሑ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት መናእሰይ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ራሕሪሖም ኣብ ቀረባን ስግር ባሕሪ ዚርከባ ሃገራት ዕቝባ ንክሓቱ ደፋፉእዎም።
ኣብዚ መድርኽዚ ስእሊ ምርጫ ኤርትራ ከመይ ይመስል?
ፕሮ. ጋይም፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ካብ ሓደ ትካላዊ ሃጓፍ ወጻኢ ንከተስርሖ እንተ ዝፍተን ነይሩ እዛ ብእዋን ብረታዊ ቃልሲ ንሰላሳ ዓመታት ዝተደኰነት ሃገር ካብ ሓሙዅሽቲ ቦሎኽ ኢላ ከም እትወጽእ ምገበራ። እቲ ኣገልግሎት ከኣ ሓድሽ ነግሒ ምቐደደ ነይሩ ይብል።
ንመስርዕ ዝውድን ትካላት ኣብ ዘይብሉ ሃገር እቲ ዝበለጸ ዉጥን'ውን ይጸድፍ'ዩ። ሓደ ካብ'ቶም ጌጋታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሕጊ ተተኻኺሉ ስለዘይሰርሕ'ዩ፣ እቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓ ዚሕልዉ ወተሃደራዊ ኮማንደራት ዊን ከም ዘበሎም'ዮም ዚኸውን።
ዘይተኣደነ ስልጣን ስለ ዝተዋህቦም ድማ ብጭካኔ ብዝገለጽ ምሕደራ'ዩ ዚሰርሕ።
ንዓመታዊ ዕረፍቲ ክቱባት እንተዀን'ውን ብብቕዓት ኣየማሓድርዎን። ንገበናት ብኸመይ ዘኣመሰለ መቕጻዕቲ ንምግጣሙ'ውን ቅጥዕታት የብሎምን። ንወሲባዊ ግፍዕታት ብዕቱብ ዚቈጻጸርን ንዕኡ ዚኸውን መሐለውታ'ውን የለን።
ኣብ ጥቕሚ መራሕቶም ዚውዕል ምዝመዛ ክቱባት ሃገራዊ ኣገልግሎት'ውን የለን ... ከምኡ እናበለ ይቕጽል።
ሃገራዊ ኣገልግሎት ብስርዓተ ሓይሊ'ምብር ብስርዓተ ሕጊ'ዶ ይግዛእ'ዩ? ብገለ ቅር ዝበሎም ደገፍ ሕጊ ዘድልዮም ዕስኩራት እንታይ ይግበሩ? ንዝወጽዖም መራሒ ብምንታይ ኣቢሎም ከባጽሕሉ? ምስጨነቖም ኣገልግሎት ንድሕሪት ገዲፎም ከምዝሃድሙ እዮም ዝሕብሩ እቶም ብበረኻን ባሕርን እግሮም ናብ ዝመርሖም ዝነፍጹ መንእሰያት። መልሰይ ከሕጽሮ ... ድኽመት መንግስቲ ኣብ ወጽዓ ኣባላት ሃገራዊ ኣገግሎት'ዩ ዝርአ ... እወ፡ ከም ዝበልካዮ "ኵርዅሮ-ኣኪለስ መንግስቲ!"
ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኤርትራ ሃጓፍ ሕብረተሰብ'ዩ ፈጢሩላ፣ ነቶም መናእሰይ መምለጢ ጐደና ሰሪሑሎም።
እዚ ላዕሊ-ላዕሉ'ዩ። ስለዚ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ዝብሎ ዘሎ - ናይ ፖሊሲ ለውጥታት ክተኣታተዉ'ዮም ክብል ከሎ - ነዚኦም'ዶ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢቢሲ፡ ኤርትራ ነዞም ዝእመቱ ዘሎ ለውጥታት ንኸተአንግድን ንኸተስርሕን ዓቕሚ ዘሎዋዶ ይመስለካ?
ፕሮ. ጋይም፡ እዚ ዘሎ ህልዊ ኵነታት - ማሕበራዊ-ቍጠባዊ ቅርጺ - ብፍጹም ሕጽረታት ስለ ዝተሃንጸን ዝተኸበን ወሓዚ ለውጢ ክዓቝር ኣይክእልን'ዩ።
ብሓጺሩ፡ ኤርትራ ንዝፋነዉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክትናብን ኣብ ስርሓት ክትሰኵዕን ዓቕሚ የብላን። ንዜጋታት ኣብ ንቡር ንምምላስ ነዊሕ መስርሕ ዘሎዎ ዕማም'ዩ። ብዙሕ ወፍሪ ዀነ ሰብኣዊ ርእሰ-ማል ዚሓትት ዕማም'ዩ - ሓድሽ ምትእትታው ሜላ ትምህርቲ የድሊ።
መንግስቲ ዀነ ኢሉ ንዝነበሩ ትካላት ትምህርቲ ባሕጕጉ ስለ ዘዳኸሞም መሊስካ ንምህናጾም ጊዜ ዚወስድ ስራሕ'ዩ። ናይ ምምሃር ኰኑ ካልኦት ስራሓት ንኸካይዱ ትምህሪ ዝቐሰሙ ነቲ ሃገር ገገዲፎሞ ከይዶም። ሃገራዊ ኣገልግሎት ከኣ ብግዲኡ ኣሉታዊ ተራ ተጻዊቱ'ዩ።
ጸገማት ኤርትራ ኣዝዮም ግዙፋት ስለ ዝዀኑ፡ መሰረታዊ፡ ንዝተፋነዉ መናእሰይ ዚሓቝፍ ስርዓት ንምድላው ናይ ኣህጕራውያንን ዞባውን ሓገዝ የድሊ። ነቲ ሳልሳይ ኣካል - በርጌሳዊ ማሕበራት - ቦታ ዘይህሉ ስርዓት ንዝተፋነዉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኸመይ ክተሓሓዞ? ማዕከንን መትንታት ሕጊ ዘይብሉ ስርዓት ከመይ ኢሉ ንዜጋታት ክናቢ? ንዅሉ ክሓቍፍ ዚኽእል መንግስቲ እንተዘይተተኺሉ ኵሉ ዚሕሰብ ዘሎ ንኸንቱ ክኸውን'ዩ።
እዚ ቍንጣሮ ናይ'ትክቕረብ ዝግብኦ ትንተና'ዩ። ብሓጺሩ መሰረታዊ ዉሽጣዊ ምትዕርራይ ዘይትገብር ሃገር ወፍሪ ክስሕብ ኣይከእልን'ዩ። ደጊመ ክብሎ ዝደሊ ኣቶ የማነ "ግጭት እንተድኣ ተወጊዱ ሓያሎ ናይ ፓሊሲ ለውጥታት ክመጽእ'ዩ ኢለ እሓስብ" ኢሉ ብድብድቡ ክገልጽ ብዙሕ ሰብ ክርድኦ ኣይክእልን።
ቢቢሲ፡ እስከ ደጊምና ተመሊስና ንርኣዮ ... ምልዋጥ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ነቲ ሃገር ብኸመይ ይጸልዎ?
ፕሮ. ጋይም፡ ከምዘሎዎ እንተ ወሲድናዮ፡ ሃጋራዊ ኣገልግሎት ንሕብረተሰብ ኤርትራ ፍንጥሕጥሕ ኣቢሉዎ'ዩ። እቲ ሃገር ንዘበናት ዘኻዕበተቶ መነባብሮ - ምናዳ ኣብ ኣካይዳ ኣሃዱታት ስድራ ቤታት - ዳርጋ የለን። እቲ ብስድራቤታት ዝሕረስ ዝነበረ ግራታውቲ ተሃስዩ'ዩ - ኣብ ማሕረስ ዝተሓባበሮም ዉላዶም መንጢልካ እንተ ወሰድካሎም እቲ ስድራ እንታይ ይኸውን? ንህላዌኦም ተፈታቲኑዎ'ዩ።
ከምዚ የማነ ገብረመስቀል ዝብሎ ዘሎ፡ እንድሕሪ ብሓቂ ሃገራዊ ኣገልግሎ ኣብ ንቡር ተመሊሱ - ናይ 18 ወርሒ ገደብ ዘሎዎ - ቀስ ኢሉ እቲ ሃገር ሰለይእናበለ ብድድ ክብል ይኽእል'ዩ። ምናዳ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሕጊ እንተ ድኣ ተመሓዲሩ እቲ ኣዎንታዊ ንኣሉታዊ ሸነኻቱ ክቕድሞ ይኽእል'ዩ ኢለ እኣምን።
ቢቢሲ፡ እሞ ኣስገዳጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንተ ተኣልዩ ኤርትራውያን ዕቝበኛታት ኣይክህልዉን ማለት ድዩ? ሙዚቃ ነእዛን ሕብረት ኤውሮጳ?
ፕሮ. ጋይም፡ ናይ ግድን ኣይኰነን። እተን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ዘፍርያ ዘለዋ ሃገራት ኵነታተን ከም ናይ ኤርትራ ኣይኰነን - ብሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይቅሰብን። ዑቝበኛታት ብዝተኣሳሰሩን ብኣዝዮም ዝተሓላለኹ ተዋህዶ ደረኽቲ ነገራት'ዮም ዝፍጠሩ። ብግቡእ ዚመሓደርን ብሕጊ ዚቕየድን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዑቝበኛ ኣብ ምፍጣር ተራ ኣሎዎ ኪበሃል ኣይክኣልን።
መንግስቲ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጥረ ሽግር ከህድኦ ምኸኣለ፣ የማነ ገብረመስቀል ኣይፈልጦን'ዩ ክብል ኣይከኣልን። ሕጂ ግን እንሆ "ግጭት እንተድኣ ዘይሃልዩ እቲ ቀንዲ መትከላት ናይቲ [ኣብ 1994 ዝተኣወጀ] ሕጊ ክትግበር'ዩ" ክብል ንሰምዖ። ኢዶእ! ሓቢርና ንርእዮ።
ቢቢሲ፡ ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ምፍዳስ ምስቲ ብድሕሪ ናጽነት ዝተኸሰተ ኵነታት ተጋደልቲዶ ክነመዛዝኖ ንኽእል ይመስለካ? ሽዑ'ውን እንተዀነ 'ገገዛኹም ኪዱ' ነይሩ።
ፕሮ. ጋይም፡ እቲ መካኒዝም (ወይ ከኣ ስርዒተ-ኣካል) ይመሳሰል'ዩ።
እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ከም ዘይብሉ ምስ ተራእየ ከቢድ ዝመስርሑ፡ ባህርያቱ ኸኣ ንክቱባት ኣብ ትሕቲ ባርነት ከም ዝቛርን ብግሁድ ተራእዩ'ዩ።
ሕልሚ ናይ'ቶም ብሓይሊ ዝተኸትቡ መናእሰይ ካብቲ ኣገልግሎት ከመይ ገይሮም ከም ዘምልጡ'ምበር ሃገርን ቍጠባ-ሃገርን ናይ ምህናጽ ድልየት ከም ዘይነበሮም ተመስኪሩ። እቶም ድሕሪ ናጽነት ዝተፋነዉ ተጋደልቲ ኵነታቶም ከምኡ ኣይነበረን።
ዝዀነ ዀይኑ፡ ከምቲ ዝበሃል ዘሎ፡ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ተገይሩሉ (ን 18 ኣዋርሕ ንኸገልግሉ)፡ምስኡ ኸኣ፡ ከምቲ ድሮ ዝበልኩዎ፡ ብሕጊ እንተ ድኣ ተቐዪዱን ብጥዕና ዘሎዎ ምሕደራ እንተ ተኻዪዱ እቶም ኣባላት ኣገልግሎት ነቲ መደብ፡ ልክዕ ከም ተጋደልቲ፡ ብንጹህ ልቢ ተቐቢሎም ብግቡእ ክሳተፍዎ ይኽእሉ - ንህንጸት ሃገር።
ቢቢሲ፡ ሕጂ'ውን ሕቶ ክንደግም ... በርገሳዊ ጽላት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ክቱር ቍጽጽር መንግስቲ'ዩ። ኰይኑ ድማ ናይ ብሕቲ፡ ስራሕ ዘስተናግዱ ትካላት የለውን። እንድሕሪ ኣባላት ኣገልግሎት ተፋንዮም እንታይ ከጓንፎም'ዩ?
ፕሮ. ጋይም፡ ኣቐዲመ ከምዝበልኩዎ መጽናዕትን ጽዑቕ ውጥንን ዘድልዮ ጕዳይ'ዩ ... ብፖለቲካውን ቍጠባውን ማሕበራውን ለውጥታት ክስነ ከም ዘሎዎ። ንሓውሲ ወትሃደራት መናእሰይ ፈኒኻ ምግዳፍ ሳዕቤኑ ናብ ኣጻድፍ ክውርውሮ ይኽእል'ዩ።
ኣብዚ ኣህጕራውያን ተዋሳእቲ ምሕዋስ የድሊ። ከምኡ'ውን በርገሳውያን ማሕበራት። ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ዝበሎ ሰሚዕናዮ ኣሎና። ብቑዕ መልሲ ክህብ ይግብኦ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







