ሰሜን ኮርያ፡ ዕውት ፈተነ 'ኣህጉራዊ' ሚሳኤል ከምዝገበረት ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, NORTH KOREA STATE MEDIA
ሰሜን ኮርያ፡ ትማሊ ሓሙስ ዕውት ፈተነ 'ሞንስተር ሚሳኤል' እናተባህለ ዝጽዋዕ ዝዓበየ ኣህጉራዊ ሚሳኤል ከም ዘካየደት ኣፍሊጣ።
እቲ 'ዋሶንጎ-17 [Hwasong-17] ብዝብል መጸውዒ ኣዝዩ ዝፍለጥ ኣብ 2020 ዝተምሃዘ ኣጽዋር፡ ቅድም ክብል ንተዓዘብቲ እቲ ዓውዲ'ውን ኣገሪሙ ነይሩ ተባሂሉ።
ድሕሪ 2017 እዚ ዓይነት ሚሳኤል ኣይሲቢኤም፡ [ICBM] ክትፍትን ንፈላማ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ።
ኣይሲቢኤም፡ ዝበል ዓይነት ኣጽዋር ሚሳኤል ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዝ ሚሳኤል ኮይኑ፡ ኣብ ምድሪ ኣመሪካ ከም ዝበጽሕ እዩ ዝንገር።
ሰሜን ኮርያ፡ እዞም ዓይነታት ኣጽዋር ከይትፍትን ዝተኸልከለት ኮይና፡ ብሰንኩ ኣብ ልዕሊኣ ሓያሎ እገዳታት ተነቢሩላ ጸኒሑ እዩ።
መንግስታዊ ሚድያ እታ ሃገር ከም ዝበሎ፡ እቲ ፈተነ ካብ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን- ብቐጥታ ትእዛዝ ዝተገብረ ኾይኑ፡ ንውግእ ኣጽዋር ኒኩሌር ዓሊሙ ዝተሰርሐ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ።
ኣብ 'ካርነጂ ኢንደውመንት ፎር ኢንተርናሽናል ፒስ'፡ ዝሰርሕ ኣንኪት ፓንዳ ዝተባህለ በዓል ሞያ፡ ኣብ ጉዳይ ኣጽዋር ኑክሌር ንሰሜን ኮርያ እዚ ዓቢ ስጉሚ ኢልዎ።
"እቲ ፈተነ ድሕሪ ነዊሕ እዋን እዩ ተኻይዱ፤ ሰሜን ኮርያ ኣብ ውግእ ኑክሌር ዓቢ ዝላ ተመጽእ ከም ዘላ ዘመልክት እዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተፈተነ ሚሳኤል፡ ብወተሃደራዊ መገድታት ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ክትትል ተገይርሉ እዩ።
ሰብ ስልጣን ጃፓን፡ እቲ ሚሳይል፡ ንሰማይ 6 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ከም ዝተወንጨፈን፡ ንሓደ ሰዓት ድሕሪ ኣብ ኣየር ጸኒሑ ኣብ ማያት ጃፓን ከም ዝዓለበን ገሊጾም።
ቅድም ክብል ካብ ዝተወንጨፈ 'ዋሶንግ-15 ብዝብል ዝፍለጥ ኣብ 2017 ዝተፈተነ ሚሳኤል፡ 4 ሽሕን 500 ንሰማይ ዝተወንጨፈ ኮይኑ ካብ ሰሜን ኮርያ ክንድ'ዚ ርሕቐት ዝውንጨፍ ክፍተን ንፈለማ እዋን እዩ።
ርግጽ፡ እቲ ቅድም ክብል ዝትወንጨፈ 'ዋሶንግ-15፡ እንተዝድለ ነይሩ ልዕሊ 13 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ንሰማይ ርሒቑ ክውንጨፍ ከም ዝኽእልን ኣብ ዝኾነ ክፍሊ ኣመሪካ ክዓልብ ምግባር ይከኣል ምንባሩን ሰብ ሞያ ገሚቶም ነይሮም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣመሪካን መሻርኽታን ነቲ ፈተነ ኮኒኖምዎ ኣለዉ።
ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጄን ሳኪ "ሕዚ'ውን ኣፍ ደገ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ዕወጹው ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ሰሜን ኮርያ ነገር ካብ ዝጽሕትር ተግባራት ክትዕቀብ ኣለዋ" ኢላ።
ሰሜን ኮርያ፡ ኣብዚ እዋን ዕጽዋ ከምዚ ዓይነት ዓበይቲ ኣጽዋራት ኣብ ምህናጽ ከም ዝጸንሐትን፡ ከምተን ዓበይቲ ሰበ ኑክሌር ዝውንን ሓያላን ሃገራት ክትቁጸር ከም እትደልን ዘአንፍት ኮይኑ፡ ምናልባት 'ውን ካልእ ቅድሚ ሕዚ ዘይተርአየ ፈተነታት ኣጽዋር ኣብ ቀረባ እዋን ክረአ ከም ዝኽእል ይግመት።
እዚ ድማ፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ዝቕበሎ ኣይመስልን።
ሕዚ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ዛዕባታት ተጸሚዱ እንተሎ'ኳ፡ ካልእ ገይራቶ ዘይትፈልጥ እንታይ ክትገብር ትኽውን ዝብል እዩ ክሪኢ ዝደሊ።
ንግዚኡ ሰሜን ኮርያ፡ ቀዳምነት ዝወሃባ ስግኣት ኣይኮነትን።
ድሕሪ እቲ ፈተነ፡ ርእይትኡ ኣብ መንግስታዊ ሚድያ እታ ሃገር ዘስመዐ ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ግን "ኣብ መጻኢ ምስ ሃጸይነት ኣመሪካ ንምግጣም ሃገሩ ኣብ ምድላዋት" ከም እትርከብ ተዛሪቡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







