ሰሜን ኮርያ፡ 'ዘይተለለየ ተወንጫፊ' ናብ ባሕሪ ተኲሳ

ምንጪ ስእሊ, KCNA via Reuters
ሰሜን ኮርያ ዛጊት ዘይተለለየ ተወንጫፊ ናብ ባሕሪ ከምዝተኮሰት ኣዘዝቲ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ሓቢሮም።
እቲ ፈለማ ብዛዕባ እቲ ተግባር መግለጺ ዘውጽአ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጃፓን ብወገኑ ባሊስቲካዊ ሚሳይል ክኸውን ከምዝኽእል እኳ እንተገለጸ ክሳዕ ሕጂ ኣይተረጋገጸን።
እዚ እንተተረጋጊጹ ኣብዚ ዓመት ብፒዮንግያንግ ዝተኻየደ ፈላሚ ፈተነ ክኸውን እዩ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ሰሜን ኮርያ ፈተነ ባሊስቲካውን ኒኩለራውን ኣጽዋር ከይትገብር ከልኪሉ እዩ።
እቲ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ዝወጸአ መግለጺ "ትካላት ስለያ ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ነቲ ጉዳይ ይምርምርዎ ኣለው" ኢሉ።
ሚኒስተር ምክልኻል ጃፓን ኖቦው ኪሺ፡ እቲ ባሊስቲካዊ ሚሳይል ክኸውን ከምዝኽእል ተጠርጢሩ ዘሎ ፈተነ፡ ንኣስታት 500 ኪሜ ከምዝተወንጨፈ ምግላጹ ሮይተርስ ሓቢሩ።
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ሃገሩ ኣብ ዘይርጉእ ወተሃደራዊ ከባቢ ከምዘላ ብምጥቃስ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ኣብ ምሕያል ምስራሕ ክትቅጽል ምዃና ተዛሪቡ ነይሩ።
ንሱ ነቲ ርእይቶ ዝሃበ ኣብ ናይ መዕጸዊ ዓመት ኣኼባ ገዛኢ ሰልፊ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ፉምዮ ኪሺዳ፡ ነዚ ዳሕረዋይ ፈተነ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ 2021 ተደጋጋሚ ፈተነታት ሚሳይል ከምዘካየደት ብምጥቃስ "ኣዝዩ ዘጣዕስ" ክብል ገሊጽዎ።
ሰሜን ኮርያ ኣብ 2021 ነቲ ኣጽዋራታ ናይ ምምዕባል መደባት ክትቅጽሎ እንከላ፡ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ሓድሽ 'ሃይፐርሶኒክ ሚሳይል' ዝበልኦን ኣብ ባቡር ዝገጥም ባሊስቲካዊ ሚሳይልን ከምኡ'ውን ናይ ነዊሕ ርሕቐት ክሩዝ ሚሳይል ፈተነታት ኣካይዳ እያ።
ባሊስቲካዊ ሚሳይል ካብ ክሩዝ ሚሳይል ንላዕሊ ብዙሕ ብርቱዕ ጽዕነት ክስከም ስለዝኽእል፡ ነዊሕ ስለዝጉዓዝን ፈጣን ብምዃኑን ዝያዳ ኣስጋኢ ተገይሩ ይውሰድ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







