ሰሜን ኮርያ ሓድሽ 'ሃይፐርሶኒክ' ሚሳይል ኣወንጪፈ ኢላ

ፈተነ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰሜን ኮርያ ትማሊ ዕውት ፈተነ ህዋሶንግ-8 ዝተባህለ ሓድሽ ሃይፐርሶኒክ ሚሳይል ከም ዘካየደት ገሊጻ።

እዚ ሓድሽ ሚሳይል መንግስቲ እታ ሃገር ካብ ሞንጎ ዝዘርዘሮም "ሓሙሽተ ኣዝዮም ኣገደስቲ" ናይ ሓሙሽተ ዓመት ወተሃደራዊ መደባት ኣጽዋር ሓደ'ዩ ክብል ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ጸብጺቡ።

ሰሜን ኮርያ እቲ ሚሳይል 'ስትራቴጂካዊ ኣጽዋር' ብምባል ዝገለጸቶ ኮይና፡ እዚ ናይ ኒዩክሌር ዓቕሚ ከም ዘለዎ ተሓቢሩ።

ማዕኸን ዜና ኬሲኤንኤ "ምፍራይ እዚ ኣጽዋር ኲናት . . . ሰሜን ኮርያ ብኹለ መዳይ ንዓርሳ ንምክልኻል ዘኽእል ዓቕማ ወሲኹ" ኢሉ።

እታ ሃገር ኣብዚ ወርሒ ጥራይ ሰለስተ ግዜ ፈተነ ሚሳይል ክትገብር እንከላ፡ ቅድም ኢሉ ሓድሽ ክሩዝ ሚሳይልን ካብ ባቡር ዝውንጨፍ ሓድሽ ስርዓት ባላስቲክ ሚሳይልን ወግዓዊ ገይራ ነይራ።

ሃይፐርሶኒክ ሚሳይል እንታይ'ዩ?

ሃይፐርሶኒክ ሚሳይላት ካብቶም ዝተለመዱ ኣዝዮም ዝቐልጠፉ ኮይኖም ብስርዓታት መከላኸሊ ሚሳይል ንክብርዕኑ ዘጸግሙ'ዮም።

ሰራሕተኛ ካርኔጂ ኢንዶውመንት ፎር ኢንተርናሽናል ፒስ ዝኾነ ኣንኪት ፓንዳ፡ "ኣብዚ እዋን ትኽክለኛ ዓቕሚ እቲ ሚሳይል ምግምጋም ከቢድ'ዩ" ክብል እንከሎ፡ "ግን ድማ ነቲ ባህላዊ መከላኸሊ ሚሳይል ክፍትኖ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

ልኡኽ ሰሜን ኮርያ ኪም ሶንግ መሰል ምፍራይ ኣጽዋር ሃገሩ ደጊፉ ክምጉት እንከሎ፡ "ዓርሳ ንምክልኻልን ድሕነትን ሰላምን እታ ሃገር ንምሕላውን" ሃገራዊ ምክልኻል ትሃንጽ ኣላ ክብል ኣብ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዛሪቡ።

ፕሬዝደንት እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ወርሒ ጥሪ ተመራመርቲ ዝንሳፈፍ ርእሲ ሚሳይል ሃይፕርሶኒክ ንምምዕባል "መጽናዕቲ ወዲኦም'ዮም" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ትማሊ ዘካየደቶ ፈተነ እዚ ሓድሽ ስርዓት ሚሳይል ድማ ናይ መጀመርታ'ዩ።

ሰሜን ኮርያ፡ ጎረቤታ ደቡብ ኮርያ ዝተፈለየ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ተርኢ ኣላ ብምባል ክትኸሳ እንከላ፡ ደቡብ ኮርያ'ውን ኣብ ቀረባ ካብ ጎረቤታ ክገጥማ ዝኽእል "ምትንዃይ" ንምክልኻል ኣገዳሲ ዝበለቶ ፈተነ ባለስቲክ ሚሳይል ኣካይዳ እያ።

ኣመሪካ ብወገና ሰሜን ኮርያ ምፍራይ ኒዩክሌር ጠጠው ክተብል ትሓትት፤ ኣብ ሞንጎ ጃፓንን ሰሜን ኮርያን'ውን ወጥሪ ዓሲሉ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝበሎ ሰሜን ኮርያ "ኣዝዩ ዘስግእ" ዝበሎን ኣጽዋራት ኒዩክሌር ንምስራሕ ዘኽእላ ናይ ፕላቲኒዮም መልሓሚ ዳግም ከም ዝጀመረቶ ገሊጹ።