መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ሃገሩ ምስ ኣመሪካ ንዝግብር "ዘተን ግጥምን" ክትዳሎ ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, EPA
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ሃገሩ ምስ ኣመሪካ ንዝግብር "ዘተን ግጥምን" ክትዳሎ ከምዘድልያ ብምግላጽ "ብፍለይ ኸኣ ንግጥም ምሉእ ምድላዋት ክንገብር ኣለና" ኢሉ።
ሰሜን ኮርያ ኣቐድም ኣቢላ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ንኽምስረት ዝገበሮ ፈተነ ገጽ'ያ ከሊኣቶ ጸኒሓ።
እዚ ሕጂ ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ዝሃቦ ርእይቶ ኸኣ ናይ መጀመርታ ርእይቶ ንሕቶ ምምሕዳር ጆ ባይደን እዩ።
ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ፕዮንግያንግ ንላዕለዎት ሓለፍቲ እታ ሃገር ብምእካብ እዩ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ናይቲ ንሰሜን ኮርያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ሸቓሎ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝጀመረ ኣኼብኡ፡ ኪም ጆንግ ኡን ነቶም ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ: ሰሜን ኮርያ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዋ ከምዘሎ'ውን ገሊጽሎም።
ኪም ጆንግ ኡን ኣብ መደርኡ "ክብርታትን ጥቅምታትን ናይዛ ሃገር ንምሕላውን ሰላም እዚ ከባቢ ከምኡ'ውን ጸጥታ ሰሜን ኮርያ ንምውሓስ ንግጥም ድልዋት ክንከውን ኣለና" ምባሉ መንግስታዊት ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኬሲኤንኤ ኣቃሊሓ።
ኪም ጆንግ ኡን ብምስዓብ ሰሜን ኮርያ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ንዝህሉ ዝኾነ ዓይነት ሓዲሽ ምዕባለታት "ተሪርን ቅጽበታውን" መልሲ ከምእትህበሉ ምግላጹ እታ ማዕከን ዜና ኣቃሊሓ።
ዘሻቕል ርክብ
ክሳብ ሕጂ ኣብ ሞንጎ ምምሕዳር ጆ ባይደንን ኪም ጆንግ ኡንን ዘሎ ርክባት ኣሻቓሊ ኢልካ ክግለጽ ዝኽእል'ዩ።
ቅድሚ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን ንኪም 'ከይሲ' ኢሉ ገሊጽዎ ነይሩ፡ ሰሜን ኮርያ ብወገና ኣብ ድሮ ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዘለዋ ሓይሊ ንከተርኢ ሓደሽቲ ሚሳይላት ከይተረፈ ዝተራእየሉ ዓቢ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣካይዳ።
ጆ ባይደን ኣብ መርሒ ሚያዝያ ሰሜን ኮርያ ንጸጥታ ናይ ዓለም "ስግኣት" ምኳና ክገልጽ እንከሎ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ኸኣ ምምሕዳር ጆ ባይደን "ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ተጻባኢ ፖሊሲ ይኽተል ኣሎ" ኢላ ነይራ።
ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ትኽተሎ ፖሊሲ ዳግማይ ብምፍታሽ፡ ሰሜን ኮርያ ዘለዋ ኒክሎራዊ ኣጽዋር ንከተዕንዎን ሓውሲ ደሴት ኮርያ ካብ ኒኩለር ነጻ ኣብ ምግባር ኣትሪሩ ከምዝሰርሕ እዩ ገሊጹ።
ኪም ጆንግ ኡን ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሰለስተ ኣጋጣሚታት እኳ እንተተራኸቡ እቲ ሰሜን ኮርያ ኒክሎራዊ ኣጽዋር ከተዕኑ ዝብል ዘተ ግን ኣይቀጸለን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







