ዲፕሎማሰኛታት ሩሲያ ንብረቶም ኣብ ካሮሳ ጽዒኖም ካብ ሰሜን ኮርያ ወጺኦም

ምንጪ ስእሊ, RUSSIAN FOREIGN MINISTRY/FACEBOOK
ብምኽንያት ጽኑዕ መምርሒታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሰሜን ኮርያ፡ ሓደ ጉጅለ ዲፕሎማሰኛታት ሩስያን ኣባላት ስድርኦምን ብዘይተለምደ ኩነታት ካብታ ሃገር ወጺኦም።
እቶም ዲፕሎማሰኛታት ንብረቶም ብኢድ ኣብ ዝድፋእ ካሮሳ ጽዒኖም ካብ ሰሜን ኮርያ ናብ ዶብ ሩሲያ ተሳጊሮም።
ብዝሒ እዞም ምስ ኣባላት ስድርኦም ዝወጽኡ ዲፕሎማሰኛታት ሸሞንተ ኮይኑ፡ ሓደ ኪሎ ሜትሮ ዝኸውን ኣብ ሓዲድ ናይ ባቡር ብዝሽክርከር ናይ ኢድ ካሮሳ ንብረቶምን ደቆምን ጽዒኖም ዶብ ሩሲያ ከምዝተሳገሩ ተፈሊጡ።
እዞም ሩሲያውያን ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ንክበጽሑ ነዊሕ ጉዕዞ ባቡርን ኣውቶብስን ከም ዝወሰደሎም ተገሊጹ።
"እቲ ዶብ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተዓጺዩ ምንቅስቓስ ተጉዓዝቲ ጠጠው ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ናብ ሃገር ንምምላስ ዝገብሩዎ ጉዕዞ ነዊሕን ዘድክምን ነይሩ" ክብል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሩሲያ ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ።
ሰሜን ኮርያ፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ብርክት ዝበሉ ኣማራጺታት ጉዕዞ ክዕጸው ገይራ'ያ።
ክሳብ ሕጂ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘየሎ እኳ እንተገለጸት፡ ሓቅነቱ ዝጠራጠሩዎ ግን ብዙሓት እዮም።
ካብ መጀመርታ ዝሓለፈ ዓመት 2020 ጀሚሩ፡ ናብ ሰሜን ኮርያ ብባቡር ምእታው ኮነ ምውጻእ ተኸልኪሉ ጸኒሑ። ብዙሓት ዓለምለኻዊ በረራታት'ውን ጠጠው ኢሎም።
በዚ ምኽንያት ብዙሓት ዲፕሎማሰኛታት ካብታ ሃገር ወጺኦምን ኤምባሲታት ተዓጽዮምን'ዮም። መብዛሕትኦም ተጉዓዝቲ ከኣ ብመሬት ዶብ ቻይና ሰጊሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ዲፕሎማሰኛታት ጀርመን፣ ፈረንሳ፣ ስዊዘርላንድ፣ ፖላንድ፣ ሮማኒያ፣ ሞንጎሊያን ግብጽን ዝሓዘ ሓደ በረራ ናብ ቭላዲቮስቶክ ተገይሩ ኔይሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







