ሰሜን ኮርያ ንምንታይ’ያ ሚሳይላት እትትኩስ?
ሰሜን ኮርያ ቅድሚ ደሒት መዓልትታት ዕውት ፈተነ ህዋሶንግ-8 ዝተባህለ ሓድሽ ‘ሃይፐርሶኒክ’ ሚሳይል ከም ዘካየደት ገሊጻ። እቲ ቴክኖሎጂ፡ እቲ ሚሳይል ንስርዓተ ምክልኻል ጸላኢ ንምሽካዕ መገዱ ክቐያይር ዘኽእሎ መሳርሒ ከም ዝግጠመሉ ዝገብር እዩ። እታ ሃገር ኣብዚ ወርሒ ጥራይ ንሳልሳይ ግዜ እያ ፈተነ ሚሳይል ኣካዪዳ። ወላ’ኳ ኣህጉራዊ ኩነኔ እንተኣስዓበላ፡ ሰሜን ኮርያ ፈተነ ሚሳይል ኣየቋረጸትን፤ ገሊኡ ከኣ ንውሳነታት ባይቶ ጸጥታ ዝጥሕስ ብምዃኑ ከቢድ እገዳታት ኣስዒቡላ’ዩ።